ካብ ኢትዮጵያዊት ኣደ ዝተወልደት ልዕልቲ ባምባ ሙለር መን እያ?

ባምባ ምስ በዓልቤታ ማሃራጃ ዱሊፕ ሲንግ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ባምባ ምስ በዓልቤታ ማሃራጃ ዱሊፕ ሲንግ

ሲንደረላ፡ ናይ ምዕራባውያን ልበ-ወለድ ዛንታ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ብዙሕ ድኽነት ወይ ሕሰም ርእያን አሕሊፋን ኣብ መወዳእታ ንሓደ ልዑል  ናይ ዝተመርዓወት ሰብ ዝትርኽ ኣዝዩ ዉርይ ናይ ቈልዑ ዛንታ’ዩ።  

ዛንታ ባምባ ሙለር ግን ዋላ’ኳ ምስ ዛንታ ‘ሲንደረላ’ ዝመሳሰል እንተዀነ ሓቂ’ዩ።  ብኸመይ እያ ግን ካብ ሓንቲ ተራ ሰብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሐት።

ወላዲት ናይ’ዛ ብ’ባምባ’ እትፍለጥ ልዕልቲ፡ ሶፍያ እተባህለት ከም ጊልያ ካብ ኢትዮጵያ ንምድረ ግብጺ ከም ዝተወስደት መጻሕፍቲ ታሪኽ ይምስክሩ። ኪንኡ ግን ብዛዕባ ዕሙቕ ዝበለ መግለጺ ኣይተሰነደን። 

‘ታሪኽ-ህይወት ክርስትያን’ ኣብ ዝብል መዝገበ-ቃላትን ካልእ መጻሕፍትን መርበብ ሓበሬታን፡ ሰፊሩ ከምዘሎ፡ ሶፊያ ኣብ ግብጺ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ሉድቪግ ሙለር ዝተባህለ ሓደ ፍሉጥ ጀርመናዊ ተገልግል ነበረት።

ንሱ ሓላፊ ናይቲ ኣብ ኣለክሳንድርያ ዝመደበሩ ናይ ንግዲ ባንክን (Todd Müller and Co.) ናይ ንግዲ መርከብ መጐዓዓዝያን - ኣብ ካይሮ ነበረ። ክልቲኦም ብዝነበሮም ጾታዊ ርክብ ከኣ ብ1848 ‘ባምባ’ ዝሰመየታ ጓል ወለደት። ባምባ ብቋንቋ ዓረብኛ ሕብሪ-ሮዛ ማለት’ዩ። 

 ሉድቪግ ሙለር፡ ካልእ ሓዳር ስለ ዝነበሮ ንጓሉ ባምባን ንኣዲኣን ክእክበን ኣይከኣለን። እንተዀነ ግን ጓሉ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ምስ በጽሐት፡ ኣብ ካይሮ፡ ብኣሜሪካውያን ኣብ ዝመሓደር ፕረዝቢተራዊ ዝተባህለ ሚስዮን ገንዘብ  እናኸፈለ ከም እትዕቘብ ገበረ። ኣዲኣ ግን ጓላ ንሚስዮናውያን ምስ ኣረከበት ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝረኸባ ኣብ ሰነዳት ታሪኽ ኣይተገልጸን። እንተ ኣቦኣ ግን ብግቡእ ወጻኢታት ትምህርታ እናኸፈለ ይከታተላ ከም ዝነበረ ኣብቲ በቶም ዘዕብዩዋ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ዘስፈርዎ መዝገብ ሰፊሩ ኣሎ።

እቲ ቤት-ትምህርቲ ሚስዮን ብኡ-ንብኡ ንባምባ ተሰማምዓ፣ ቀልጢፋ ኸኣ ብትምህርትን መንፈስን ተዀኲሳ ክትዓቢ ጀመረት።  ባምባ ኣብቲ ማሕበረሰብ-ሚስዮን ዉዕዉን መለኮታዊ ህላዌኣ ኣመስከረት። ንበይና ቈራቢት  ጓል ኣንስተይቲ ኰይና ድማ ካብ መዘንኣ ጸብለል ምባላ እቲ ሰነድ ቤት ትምህርቲ ሚስዮን ብናእዳ ይገልጽ።  

ምዝገባ ዛንታ ባምባ ብ1863፡ ኣብ መበል ዓሰርተ-ሓደ ዕድሚኣ’ዩ ዝጅምር።  

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ባምባ ምስ ትሽዓተ ርእሳ ዀይና - ብጀክኣ ኵሎም ኣወዳት - ንመንፈሳዊ ተሃድሶ ንኽትቅበል ድልውቲ ምዃና ምስ ኣመስከረት እቲ ሚስዮን ሽዑ’ዩ ዛንታኣ ብዕሊ ክምዝግቦ ዝጀመረ።

እቲ ዘገርም፡ ብቕዓት ናይ’ቶም ሓሙሽተ ተመሃሮ (ካብ’ቶም ትሽዓተ ተሃደስቲ) ለጠቕ ስለ ዝበለ ክህደሱ ኣይከኣሉን፣ እንተ ባምባ ግን ምስ’ቶም ዝተረፉ ተሃደስቲ ልዑል ብቕዓታ ስለ ዘመስከረት ተቐባልነት ረኸበት። ምእመናን ናይቲ ቤተ-ክርስትያን ከኣ ብሓቂ ኣድነቕዋ። 

ሓንቲ ካብ’ቶም መምህራና ከም ዝበለቶ፡ “ባምባ ዘርኣየቶ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ህይወታ፡ ማለት ንእየሱስ ብምቕባላ፡ ኣዝዩ መሳጢ ኰይኑ ረኺብናዮ ኣለና። ንኣዲኣ ከይተረፈት ብትምህርቲ ክርስቶስ ንግሆን ምሸትን እናመሃረት ኣብ መንገዲ ክርስትና ከተእትዋ ከም ዝኸኣለት፡ ንካልኦት ብጾታ ድማ ኣብነት ብምዃን ንስራሕና ጠቓሚ ኣስተዋጽኦ ተበርክት ኣላ” ኢላ ትገልጻ።

ኣብቲ ዝተመዝገበ ጽሑፍ፡ ባምባ ምስ ኣዲኣ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ክፍሊ እናነበረት ንግሆ ንቤት-ትምህርቲ ትወፍር፡ ኣማስያኣ ድማ ንገዛ ትምለስ ከም ዝነበረት’ዩ ዝነግር እቲ ጽሑፍ። በዚ ከኣ ኣቦኣ ብወሰን ኰይኑ ይሕግዘን ከም ዝነበረ ክግመት ይከኣል።

እምበኣርከስ፡ መንፈሳውነት ባምባ ንኹሉ ከም ዝገረሞ፡ እናጎበዘት ኣብ ዝኸደትሉ ዕድሚኣ ኸኣ ኵሎም መማህርታ ዀኑ መምህራና ብብልሓን ብጽድቃን የኽብሩዋ ከም ዝነበሩ ኣብ መዝገብ ሚስዮን ተጻሒፉ ንርከብ። 

ሓደ ዶክተር ጆን ሆግ ዝተባህለ ሚስዮናዊ፡ ባምባ፡ “ኣዝያ ጽብቕትን ምዕርግትን ጥራይ ዘይኰነትስ ተሰማዕነት ዝነበራ ጓል’ያ ነይራ። ትኵርቲ ስለ ዝነበረት ድማ ኣብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዕድሚኣ ከም ተሓባባሪት-መምህር ኰይና ንማሕበርና ተገልግል ነበረት” ክብል መስኪሩላ።

ኣቦኣ ንኣተዓባብያኣ ብቐረባ ይከታተሎ ስለ ዝነበረ፡ ብሓደ ሓዲግ ሓዳር ምዕባሌኣ ከይኵለፍ ስክፍታ ከም ዝነበሮ እቲ መዝገብ ይገልጽ። ምኽንያቱ ናይ መጻኢ ዕድላ ካብ ሓዳር-ምግባር ከም ዝዓቢ ስለ ዘስተብሃለ። ትምኒቱ ኸኣ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ዕጫ ኣዲኣ ክትርሕቕ ከም ዝነበረ’ውን ይግለጽ’ዩ።

ባምባ ብከምዚ ኵነታት እናዓበየት ከላ ኣብ ህይወታ ሓደ ዓቢ መቐይሮ ከም ዘጓነፋ ኣብቲ ሰነድ ንረኽቦ።

 

ማሃራጃ ዱሊፕ ሲንግ ኣብ ህይወት ባምባ

ንመሃራጃ ዱሊፕ (1838 – 1893) ብሒደት ቃላት ንምግላጹ፡  ኣመንቲ ሃይማኖት ሲክ፡ እቲ ናይ መጠረስታ ናይ ግዝኣት ፓንጃብ መሃራጃ ከም ዝነበረ’ዮም ዝኣምኑ።  

ክልተ ወርሒ ድሕሪ ባምባ ምህዳሳ፡ ማሃራጃ ዱሊፕ ሲንግ - ወዱ ነቲ ዉሩይ ነፍሲሄር ንጉስ ራንጂት ሲንግ - ብካይሮ ኣቢሉ ይሓልፍ ነበረ። 

ንምዃኑ ራንጂት ሲንግ (1780-1839) ንጉስ ናይ ፓንጃብ ዝበሃል ኣብ ሰሜን ህንዲ ዝርከብ ቦታ ዉሩይ ንጉስ ነበረ። ‘ኣንበሳ-ፓንጃብ’ ዚብል ቅጽል-ስም ከኣ ነበሮ። ማሃራጃ ዱሊፕ ሲንግ ድማ ሕሳስ-ልደ ወዱ ነበረ። 

ንምዃኑ፡ መሃራጃ ኣብ ህንዲ ዝዝውተር መዓርግ ኰይኑ ገዛኢ ማለት’ዩ።  

እቲ ንጉስ ምስ ሞተ፡ ዱሊፕ ሲንግ ምስ ኣዲኡ ይነብር ነበረ። ኣይጸንሐን ከኣ ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ኣመሓደርቲ ፓንጃብ ምስ ተቐትለ ብ1843 እቲ ንግስና ናብኡ ሰገረ። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ስለ ዝነበረ ግን ኣዲኡ (መሃራኒ ጂንድ ካዉር) ኣብ ክንዳኡ ዀይና ንግዝኣት ሲክ (ፓንጃብ) ተመሓድር ነበረት። 

ብ1845 እንግሊዝ  (ህንዳውያን ዓሰክር እንግሊዝ) ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ሲክ ኣብ ካሽሚር ዉግእ ድሕሪ ምኽፋት ንስርዓት መሃራጃ ደሃኾ፣ ኣዲኡ ንዱሊፕ ሲንግ፡ መሃራኒ ጂንድ ካዉር፡ ከኣ ተኣስረት። ድሕሪ ማእሰርታ ድማ ንስደት (ናብ ካትማንዱ) ኣምርሐት። ኣብኡ ንሓያሎ ዓመታት ነበረት። ምስ ወዳ ከኣ ኣብ ስደት ድሕሪ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመትተራኸቡ። 

ኣደ ዱሊፕ ሲንግ፡ መሃራኒ ጂንድ  ንካትማንዱ ምስ ተሰደደት ኢንግሊዝ ንወዳ ንይምሰል ኣብ ስልጣን ኮፍ ኣቢሎም ንህይወቱ ባዕላቶም ይቈጻጸርዎ ነበሩ። ኣብቲ ዘመን’ቲ ድማ’ዩ ዱሊፕ ሲንግ ኣብ እምነት ክርስትና ዝኣተወ።  እቲ ጕዳይ ኣካታዒ ስለ ዝዀነ ግን ቅድሚ ምማቱ ናብ ሃይማኖት ሲክ ተመልሰ።

ብ1848-49፡ ኣብ’ቲ ዝሰዓበ ካልኣይ ዉግእ (እንግሊዝ ኣንጻር ህዝቢ ሲክ) ሲክ ተሳዒሮም ወደቑ። እንግሊዝ ድማ ብ1849 ንመሬት ፓንጃብ ምስ ህንዲ ብሓይሊ ጸንበርዋ። ማሃራጃ ዱሊፕ ሲንግ ድማ ብ1854 ንዓዲ እንግሊዝ ክስደድ ተገደደ። ተሰዲዱ ክነሱ ግን ምስ ንግስቲ ቪክቶርያ ርክብ መስሪቱ ክነብር ጀመረ።

ኣብቲ እዋንቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ቪክቶርያዊ ዘመን ነበረት። እዚ ማለት፡ ዘመን ንግስነት ንግስቲ ቪክቶርያ ካብ 1837 ጀሚሩ ክሳብ 1901 ዝቐጸለ ኰይኑ፡ እተን ንግስቲ ን63 ብልዑል ዝና ገዝኣን ኣመሓደራን።

ንግስቲ ቪክቶርያ ንመሃራጃ ዱሊፕ ሲንግ ብጽቡቕ ተቐበሊን ኣብ ጥጡሕ ቦታ ንክነብር ኣፍቀዳሉ። እናተማሃረ ድማ ምስ ቤተ-ንግስነት ዝምድና ብምፍጣር ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዓበየ።

ማሃራጃ ዱሊፕ፡ ኣዲኡ ምስ ሞተት ንወላዲቱ ክቐብር ናብ  ሃገረ ህንዲ ክኸይድ እንከሎ ኣብ ካይሮ ናብ ዝርከብ ፕረዝቢተራዊ ሚስዮን ኣላገሰ። 

ንምዃኑ እቲ መሃራጃ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እምነት ክርስትና ተቐቢሉ ይነብር ስለ ዝነበረ ንጸሎት ክብል’ዩ በቲ ሚስዮን ብ1864 (ወርሒ ለካቲት) ንፈለማ እዋን ዘላገሰ። ነቲ ስርሓት ሚስዮን ድማ፡ ምናዳ ኣካይዳ ቤት-ትምህርቲ፡ ተገዲሱ ከቕልበሉ ጀመረ።

መሃራጃ ዱሊፕ ሲንግ ስርሓት ሚስዮን ስለ ዘገደሶ ደጋጊሙ ክበጽሕ ጀመረ፣ ነቲ ሚስዮን ከኣ ናይ ገንዘብ ሓገዝ የወፍየሉ ነበረ። ሽዑ ከኣ’ዩ ንባምባ ሙለር ዓይኒ ዘውደቐላ። ንኣካየድቲ ማሕበር ሚስዮን ደብዳቤ ብምልኣኽ ኸኣ ንዕኡ ትኸውን ጥዕይቲ ሰብን ክርስቶስ ዝተቐበለት ጓል ንክረኽባሉ ብወግዒ ሓተተ። ሓለፍቲ ሚስዮን ድማ ንባምባ ኣመትሉ። ምሉእ ታሪኻ - ኵነታት ኣዲኣ፡ ኵነታት ኣወላልድኣ ከኣ ከይሓብኡ ኣካፈልዎ። 

መሃራጃ ዱሊፕ ግን ንኹሉ ተቐቢሉ ንባምባ ሓረያ። ባምባ ምስ ተሓተተት ግን ንኣቦይ ሕተትዎ ኢላ መለሰትሎም። ጀርመናዊ ኣቦኣ ግን ባዕልኺ ወስኒ ኢሉ ኣቕበጻ።  ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብ መጠረስትኡ ባምባ ጸሎታ ኣዕሪጋን ብመንፈስ ተመሪሓን ድሕሪ ሒደት መዓልታት ሕራይ በለት። ኣብቲ ሚስዮን ሓጐስ ሰፈነ።  ሕልሚ ‘ሲንደረላ’ ኸኣ ተጋህደ። ባምባ፡ ካብ ናብራ ድኽነት ናብ ናብራ ሃብታማትን እንዳ ንጉስን ትዘልል ስለ ዝነበረት ናብቲ መድርኽ ብግቡእ ንኽትሰግር ሚስዮናውያን መማህራና ኣብ ምድላው መርዓ ናይታ 16 ዓመት ዝዕድሚኣ ተማሃሪቶም ኣተዉ።

እቲ መርዓ ብ7 ሰነ 1864 ኣብ ቆንስል እንግሊዝ (ኣለክሳንድርያ) ተገብረ - ኩሉ ከኣ ተሓጐሰ። ንምሸቱ ድማ ኣብ እንዳ ጀርመናዊ ኣቦኣ ብሓደ ኣመሪካዊ ቀሺ (ካብ ሚስዮን) ተመሪሑ ቅዳሴ፡ ድሕሪኡ ኸኣ በዓል ተገብረ።  መርዓኦም ኣብ ጋዜጣ ዓዲ ህንዲ ብዕሊ ተነግረ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከኣ ተወርየ።  

ባምባ ሙለር ብስልጣን ሰብኣያ ኣቢላ ‘መሃራኒ’ (ኣንስታይ ናይ መሃራጃ) ዚብል መዓርግ ተጓናጸፈት። 

እቲ ዘገርም፡ እቲ መርዓ ብሰፊሑ ክግለጽ እንከሎ ብዛዕባ እቲ ጀርመናዊ ኣቡኣ እምበር ብዛዕባ ኢትዮጵያዊት ወላዲታዝተሰነደ ጽሑፍ የለን። 

ቅንይ ኢሉ፡ እቲ መሃራጃ ዱሊፕ ሲንግ ነቲ ሚስዮን ኣመስጊኑ፡ ብገንዘብ’ውን ኣስኒቑ ንመርዓቱ ሒዙ ንዓዲ እንግሊዝ ኣምርሐ። እቲ መዝገብ ሚስዮን በቲ መሃራጃ፡ ርኹብ ስለ ዝነበረ፡ ዘበርከቶ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ብድሙቕ ሰኒድዎ ይርከብ።

 

ባምባ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ

ባምባ ቀንዲ እትጥቀመሉ ቋንቋ ዓረብኛ’ኳ ይንበር ብተብ-ተብ ኣብቲ ሚስዮን ዝተማህረቶ እንግሊዘኛ ሒዛ’ያ ንዓዲ እንግሊዝ ኣምሪሓ። ቀስ ኢላ ድማ ሓዳራ ጀመረት። ንሱ ምስቲ ላዕለዋይ ደርቢ ይፋለጥ ስለ ዝነበረ፡ ምስ እንዳ ንግስቲ ቪክቶርያ’ውን ይሕወስ ስለ ዝነበረ፡ ባምባ ካብ ናብራ ድኽነት ናብ ሓድሽ፡ እሞ ኸኣ ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ፡ ኣብ ዘይትፈልጦ ናብራ ስለ ዝሰገረት ህይወታ ዝብርቕርቕ ኣተዎ።

ባምባን መሃራጃን ኣብ ኤልቨደን (ዓዲ እንግሊዝ) ዝበሃል ዓዲ ኣብ ሓደ ኣዝዩ ዓብን ብሰፊሕ መሬት ዝተኸበን ኣደራሽ ናብርኦም ኣጣጢሖም ጀመሩ።

መንበሪ ስድራቢት መሃራጃ ዝነበረ - ኣልቨደን (ሳፎክ - ኢንግላንድ)

ምንጪ ስእሊ, DM

ኰይኑ ግን ባምባ ማዕረ-ማዕረ ሰብኣያ ክትጐዓዝ ኣይከኣለትን፣ ርግጽ’ዩ፡ ሽድሽተ ቈላዑ’ኳ እንተ ወለደት - ሰለስተ ኣወዳት፡ ሰለስተ ኣዋልድ - እቲ ናብራ ግን ምሉእ ብምልኡ ኣይተሰማምዓን። 

እቲ ብ1866 ዝተወልደ ዓቢ ወዳ ብስም ንግስቲ ቪክቶርያ - ቪክቶር ኣልበርት ጀይ - ተሰምየ። ንግስቲ ቪክቶርያ ድማ ብልግና ከም ዝሓዘቶ ይዝንቶ። እቲ ቅርበት ምስ ቤተ-መንግስቲ ክሳዕ ክንድዚ’ዩ ነይሩ፣ መሃራጃ ኣብቲ ላዕላይ ደርቢ ኣትዩ ክዋሳእ ይኽእል ነይሩ፣ እንተ ባምባ ግን ዳርጋ ተነጺላ ትነብር ከም ዝነበረት እዮም ሰነዳት ዝሕብሩ። 

ኣብ ህይወት ማሃራጃን ባምባን ለውጥታት ክርኣዩ ጀመሩ። ብ1880’ታት ሕማቕ ነገራት ክቀላቐሉ ጀመሩ። 

ባምባ ብሰብኣያ ጽቡቕ ኣይተፈድየትን። ቅድም-ቅድም መሃራጃ ብሃገሩ (ፓንጃብ) ሃገራዊ ስምዒታት ክሓድሮ ምስ ጀመረ ሓንገደ፣ ኣንጻር እንግሊዝ ስምዒታት ክሓድሮ ጀመረ። ንንግስቲ ቪክቶርያ ብምድፋር ድማ ጽልኢ ፈጠረ። 

 ኣብ መጠረስትኡ ማሃራጃ ንሰበይቱ ጠሊሙ ምስ ካልእ ሰበይቲ ንክነብር ናብ ፈረንሳ ገዓዘ። ኵነታት ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍአ ከደ። ምስኡ ኸኣ፡ ንዝዓበየሉ  ሃይማኖት ክርስትና ገዲፉ ናብ ናይ ቀደም ሃይማኖቱ ናብ (ሲክ) ተመልሰ።  

እዚ ኹሉ ክኸውን ባምባ ቀስ-ብቐስ ካብ ናብርኣን ሓላፍነት ስድርኣን  እናተገለለት ከደት። ንደቃን ናብርኣን እውን ሸለል ክትብል ጀመረት። ኣደባ ምስ ኣደብ ከባቢኣ ክሳነ ኣይከኣለን።  መስተ ከተዘውትር ከምዝጀመረት ሓደ ሓደ  ሰነዳት ይሕብሩ’ዮም። ሰብኣያ ኸኣ ከም ጾር ጌሩ ክርእያ ጀመረ። 

እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብ18 መስከረም 1887፡ ንግስቲ ቪክቶርያ ሞት ባምባ ዘርድእ ተሌግራም ተቐበለት። ባምባ፡ ምስ ኵሉ ሽግራን መዋጥርን ኣብ እምነታ ጸኒዓ ክሳብ መወዳእታ ህይወታ፡ኣብ ሰላሳን ትሽዓተን ዕድሚኣ ሓለፈት። ሬሳኣ ከኣ ኣብ ቤትክርስትያን ናይቲ ዓዲ ተቐብረ። 

መቓብራት መሃራጃ ዱሊፕ ሲንግ፡ በዓልቱ ቤቱ ባምባ ሙለር፡ ወዶምን - ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ቅዱሳን ኣንድርው/ፓትሪክ - ኤልቨደን (ዓባይ ብሪጣንያ)

ምንጪ ስእሊ, DM

መሃራጃ ዱሊፕ ሲንግ ባምባ ዓሪፋ ምስ ሰምዐ ጐሃየ።  ነቲ ዓቢ ወዱ ጽሒፉ ኸኣ ጓሂኡ ገለጸ። 

ኣብ ፈለማ 1890፡ ንበይኑ ኣብቲ ፓሪስ ዝርከብ ሆቴሉ እንከሎ ከኣ ብወቕዒ (stroke) ወዲቑ ፍርቂ ኣካላቱ ለመሰ። መሃራጃ ኣብ ካልእ ዓለም ኣተወ። ብህይወቱ ከስተንትን ጀመረ። ጌግኡ ኸኣ ቀስ ኢሉ ክርድኦ ጀመረ። ናብ ደቁ ንክምለስምስ ንግስቲ ቪክቶርያ ክዕረቕ ክፈታትን ጀመረ። 

ናብ ንግስቲ ቪክቶርያ ናይ ይቕረ-በላለይ ደብዳቤ ከም ዝለኣኸ ሰነዳት ይሕብሩ። እቶም ኣብ ካይሮ ዝርከቡ ሚስዮናውያን ንሃይማኖቱ (ክርስትና) ብምጥላሙ ይቕረታ ንክሓትት ድልየት ከም ዝነበሮ ይገልጹ። 

መሃራጃ ዱሊፕ ሲንግ ኣብ ድልየቱ ከይበጽሐ ብ21 ጥቅምቲ 1893 ኣብ ሓምሳን-ሓሙሽተን ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየ።  ሬሳኡ ከኣ  ኣብ ጥቓ ሰበይቱን ወዱን (ኤድዋርድ ኣለክሳንደር) ተቐብረ።  

ብ29 ሰነ 1999 ወራስ-ዓራት ቻርለስ (እዚ ሓዲሽ ንጉስ ቻርለስ 3ይ ናይ ዓዲ እንግሊዝ) ንሓወልቲ መሃራጃ ብወግዒ መረቖ።

 

ሓወልቲ መሃራጃ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ (ተትፈርድ - ኖርፎክ)

ምንጪ ስእሊ, DM

እቶም ሽድሽተ ደቆም (ካብ ባምባ) - ክልተ ኸኣ ካብ ካልእ - ኵሎም ብህይወቶም ንሓያሎ ዓመታት ጸንሑ። ንኣብነት ሓንቲ ሶፊያ-ኣለክሳንድራ ዝስማ ብ1876 ዝተወልደት ጓላ ብቀዳማይ ዉግእ ዓለም ኣብ ፖለቲካ ዓዲ እንግሊዝ ብምእታዉ ኣብ ምንቅስቓስ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ (ንከድምጻ መሰል ንክረኽባ) ሓንቲ ካብ’ተን ዓበይቲ ተቓላሲት ከም ዝነበረት መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጹ። ክሳብ ሰብዓን ክልተን ዕድሚኣ ኸኣ ብህይወታ ጸንሐት። 

ብዛዕባ ታሪኽ መሃራጃ ብርክት ዝበሉ መጻፍቲ ተጻሒፎም’ዮም፡ ብኣመንቲ ሲክ ድማ ክሳብ ሎሚ ይዝከር’ዩ። ዛንታ ባምባ’ውን ብመጠኑ ተሰኒዱ’ዩ። ዛንታ ኢትዮጵያዊት ኣዲኣ ግን ቅሂሙ ተረፉ።