ብልጽግና፡ ሰልፊታት ኣብንን ኢዜማን ኣብ ዝወዳደርሉ ከባቢታት ሕጹያት ኣየቕረበን

ካብ ጸጋም ናብ የማን ኣቦ መንበር ኣብን ዶክተር በለጠ ሞላ፡ ኣቦ መንበር ኢዜማ እዮብ መሳፍንት፡ ምክትል ኣቦ መንበር ኣብን መልካሙ ጸጋየ ክመኡኣ ከአ ምክትል ኣቦ መንበር ኢዜማ ኣቶ ንጋቱ ወልዴ

ምንጪ ስእሊ, MIT/EZEMA/ACTS/EBC

መግለጺ ስእሊ, ካብ ጸጋም ናብ የማን ኣቦ መንበር ኣብን ዶክተር በለጠ ሞላ፡ ኣቦ መንበር ኢዜማ እዮብ መሳፍንት፡ ምክትል ኣቦ መንበር ኣብን መልካሙ ጸጋየ ክመኡኣ ከአ ምክትል ኣቦ መንበር ኢዜማ ኣቶ ንጋቱ ወልዴ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብቲ ሰልፍታት ኣብን [ኣማራ ብሄራዊ ንቅናቁ] ከምኡ ከኣ ኢዜማ [የኢትዮጵያ ዜጎች ለማህበራዊ ፍትህ] ዝወዳደርሉ ልዕሊ 80 ዝኸውን መንበራት ወከልቲ ህዝቢ ሕጹያት ከም ዘየቕረበ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ቢቢሲ ዝተዓዘቦ ዝርዝር ሕጹያት ከምዘርእዮ ኣቦ መንበር ኣብን ዶክተር በለጠ ሞላ ከምኡ ከኣ ኣቦ መንበር ኢዜማ እዮብ መሳፍንት ሕጹያት ኰይኖም ኣብ ዝቐረብሉ ናይ መረጻ ክልላት ሰልፊ ብልጽግና ሕጹያት ኣየቕረበን።

ኣብን ካብ ፈጸምቲ ኣካላቱ ሽዱሽተ ንመረጻ ከቕርብ እንከሎ፡ እዞም ፈጸምቲ ኣካላት ኣባላት ባይቶ ንምዃን ኣብ ዝወዳደርሉ ክልላት መረጻ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብቲ ቦታ ሕጹያት ኣየቕረበን።

ኣብቲ ግንቦት 2018 [ግ] ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሻውዓይ ሓፈሻዊ መረጻ 10 ሽሕን 919 ንፖለቲካ ሰልፍታት ዝውክሉን ብውልቆም ዝወዳደሩን ሕጹያት ቀሪቦም ኣለዉ።

ብልጽግና 2 ሽሕን 950 ሕጹያት ብምቕራብ ኣብ ቅድሚት ክስራዕ እንከሎ፡ ኢዜማ ከኣ 1 ሽሕን 256 ሕጹያት ኣመዝጊቡ'ሎ።

እቲ ካልእ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መረጻ 70 ሕጹያት ኣቕሪቡ፣ ካብዚኦም እቶም 16 ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝወዳደሩ'ዮም ክዀኑ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ከም ዘመልክቶ፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ግንቦት ዝካየድ ንሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ክልላትን ቀሪቡ ዘሎ ብዝሒ መናብር 3 ሽሕን 463 እዩ።

ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና 547 መናበር ኣብ ዘለዎ ቤተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ 466 ሕጹያት ጥራይ'ዩ ኣመዝጊቡ ዘሎ፤ በዚ መሰረት እቲ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዝተረፈ 81 መናበር ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ከም ዘይወዳደር ዘርኢ'ዩ።

ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዘይወዳደረሎም መናብር ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብን ሕጹያቱ ኣቕሪብሎም ዘሎ ሸውዓት መናብር'ዩ።

ሓደ ካብቲ ሰልፊ ብልጽግና ሕጹይ ዘየቕረበሉ ናይ መረጻ ክልል፡ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ኣብን ዶክተር በለጠ ሞላ ዝወዳደረሉ ራያ ቆቦ'ዩ።

ዶክተር በለጠ ሞላ ምኒሰተር ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኰይኑ ዝስርሕ ዘሎ ሓደ ካብ ምኒስተራት ኣብይ ኣሕመድ'ዩ።

ሰልፊ ብልጽግና ኣብዚ ክልል መረጻ ንቤት ምኽሪ ክልል ዝወዳደሩ ሕጹያት'ኳ እንተኣቕረበ፡ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝወዳደሩ ሕጹያት ግን ኣየቕረበን።

ምክትል ኣቦ መንበር ሰልፊ ኣብን ከምኡ ከኣ ሓላፊ ባህሊ፡ ቱሪዝምን ስፖርትን ዝኾነ መልካሙ ጸጋየ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝወዳደሩ ክልል መረጻ 'ላይ ጋይንት 1' እውን ሰልፊ ብልጽግና ሕጹይ ኣየቕረበን።

ሰልፊ ብልጽግና እቲ ካልእ ሕጹይ ዘየቕረበሉ ክልል መረጻ ከኣ 'ኩታበር' እዩ።

ኣብዚ ነቝጣ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ንብረት መንግስቲ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፡ ሓላፊ ሕጋዊ ጉዳያት ሰልፊ ኣብን ዝዀነ ኣቶ የሱፍ ኢብራሂም ክወዳደር'ዩ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኣብን ኣቶ ጋሻው መርሻ፡ ናይቲ ሰልፊ ፈጻሚ ስራሕ ኣቶ ዳምጠው ተሳመን  ሓላፊ ሕጋዊ ጉዳያት እቲ ሰልፊ ኣቶ የሱፍ ኢብራሂምን

ምንጪ ስእሊ, Ethiopost/Fana/GPAA

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኣብን ኣቶ ጋሻው መርሻ፡ ናይቲ ሰልፊ ፈጻሚ ስራሕ ኣቶ ዳምጠው ተሰማን ሓላፊ ሕጋዊ ጉዳያት እቲ ሰልፊ ኣቶ የሱፍ ኢብራሂምን

ኣብቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኣብን ከምኡ ከኣ ኣብ ፖስታ ኢትዮጵያ ሓላፊ ቀረብን ምስላጥን ዝዀነ ኣቶ ጋሻው መርሻ ኣብ ዝወዳደረሉ ነቝጣ መረጻ 'እስቴ 1' እውን ሰልፊ ብልጽግና ሕጹይ ኣየቕረበን ዘሎ።

ፈጸምቲ ስራሕ ሰልፊ ኣብን ኣቶ ዳምጠው ተሰማ ከምኡ ከኣ ማሩ ጃኔ ኣብ ዝወዳደርሉ ነቝጣታት'ውን ሰልፊ ብልጽግና ሕጹያት ኣየቕረበን።

ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ዘይወዳደረሎም ሰለስተ መናብር፡ ኣብቲ ክልተ ኣባላት ኢዜማ'ዮም ከም ሕጹያት ቀሪቦም ዘለዉ።

ካብቲ ንሸውዓት ዓመታት ነቲ ሰልፊ ዝመረሐ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ስልጣን መሪሕነት ዝተረከበ እዮብ መሳፍንት ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝወዳደረሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 'ክልል መረጻ 18' እዩ።

እዚ ክልል መረጻ እዚ'ውን ሰልፊ ብልጽግና ሕጹያት ካብ ዘየቕረበሎም ክልላት ሓደ'ዩ።

ምክትል ኣቦ መንበር ኢዜማ ኣቶ ንጋቱ ወልዴ ኣብ ዝወዳደረሉ 'ክልል መረጻ 23 'ውን ሰልፊ ብልጽግና ሕጹይ ኣየቕረበን።

ብተመሳሳሊ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልል መረጻ 11'ውን ሕጹይ ኣይረቝሐን።