ኣቢይ ኣሕመድ፡ ድሕሪ ስሉሳዊ ርክብ ምስ መራሕቲ ሶማልያን ጂቡቲን ናብ ኢማራት ዓረብ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE
ምስ መራሕቲ ሶማልያን ጂቡቲን ዝተራኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣትዩ'ሎ።
ኣቢይ ኣሕመድ፡ ወሽመጥ ዓረብ ብሰንኪ እቲ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣትዩ ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ ናብቲ ዞባ ገይሹ ዘሎ።
ኢማራት ዓረብ'ውን ሓንቲ ካብተን ግዳይ ዳርባ ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ኮይነን ዘለዋ ሃገራት ናይቲ ወሽመጥ እያ።
እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ፡ ብረቡዕ ምሸት ምስ ፕረዚደንት ዑመር እስማዒል ጊለን ሶማልያዊ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ኣብ ከተማ ጂቡቲ ድሕሪ ምርኻቡ'ዩ፡ ናብ ወሽመጥ ኣትዩ ዘሎ።
ኣብቲ ስሉሳዊ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት፡ ብዛዕባ "ጸጥታዊ ምዕባለታትን ምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን" ከምዝተላዘቡ ሓንቲ ብዓልቲ ስልጣን ሶማልያ ሓቢራ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣተወሉ ዝመጸላ ነፋሪት ብነፈርቲ ውግእ ተዓጂባ ከምዝዓለበት ገለ ጸብጻባት ገሊጾም ኣለዉ። ቢቢሲ ግን ነቲ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን።
ቤትጽሕፈቱ ይኹን መንግስታዊ ማዕከናት ኢትዮጵያ፡ ናብታ ሃገር ከምዝኸደ ካብ ምሕባር ሓሊፈን፡ ብዛዕባ ዕላማ ናይቲ ምብጻሕ ዝሃብዎ ዝርዝራዊ መግለጺ የለን።
ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ምስታ ወሽመጣዊት ሃገር ጥቡቕ ዝምድና ኣብ ምምስራት ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።
ኣቡ-ዳቢን ኣዲስ ኣበባን እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ወተሃደራዊን ቁጠባውን ርክብ ከምዘለወን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
ነፈርቲን ሄሊኮፕተራትን ሓይሊ ኣየር ኢማራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርኢት ምስታፈን'ውን ንዘለወን ርክብ ዘጉለሐ'ዩ ነይሩ።
ብኣንጻሩ ኤርትራ ብወገና፡ ንጽልዋ ኢማራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዓይኒ ስግኣት ካብ ዝርእዮኦ ሃገራት እያ።
እታ ቅድሚ 10 ዓመታት ነቲ ኣንጻር ሑቲ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ንምድጋፍ ወተሃደራዊ መዓስከር ኢማራት ኣአንጊዳ ዝነበረት ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስታ ነቲ ኲናት ትመርሖ ዝነበረት ዞባዊት ሓይሊ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ'ያ ጠቢቓ ዘላ።

ምንጪ ስእሊ, ENA
ኢማራትን ስዑዲን ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ጸጥታ፡ ናብ ወጥርን ምትፍናንን ኣምሪሐን ምንባረን'ውን ይዝከር።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ኢትዮጵያ ተልዕሎ ዘላ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ዋንነት ወደብ ዓሰብን ብኢማራት ዓረብ ዝተደረሠ ምዃኑ ከሲሱ ነይሩ።ንኢትዮጵያን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ተጠቒማ ኣብ ሱዳን ኢዳ ተእቱ ከም ዘላ`ውን እቲ ፕረዚደንት ወቒሱ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ኣህጉራዊ ጽልዋኣ ርኡይ እናዀነ ክመጽእ ዝጸንሐ ብሃብቲ ነዳዲ እትፍለጥ ኢማራት፡ ፖሊሲ-ወጻኢኣ ንቝጠባ-ቀዳምነት ዝህብ'ኳ እንተዀነ፡ ረብሓታታ ንምሕላው ምስ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸጥታውን ወተሃደራውን ርክባት ክትገብር ምጽናሓ ይግለጽ።
ኣብ 2010 ኤምባሲ ከፊታ፤ ኣብ 2013 ድማ ዓለማዊ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ዱባይ ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክዓቢ ኣፍደገ ኰይኑ ኣገልጊሉ።
ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ደማዊ ኲናት-ክልተ ዓመት፡ መቐይሮ ከምዝዀና ዝእመነለን ድሮናት ብምሃብ ከምዝተሳተፈት ይእመን።
ኣብ ቀረባ ድማ፡ ኣፍደገ-ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ኣካታዒ ስምምዕ ክፍረም እታ ዓረባዊት ሃገር ብድሕሪት ከምዘላ ብዙሓት ተንተንቲ ይምጉቱ።
ኣብ ሶማልያ'ውን፡ ነታ ሓውሲ-ርእሰ-ምምሕዳር ዝዀነት ዞባ ፑንትላንድ ሓይሊ ፖሊስ ባሕሪ ጸረ-ሽፍትነትን ጸረ-ሽበራን ከተሰልጥን ምጽንሓ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኢማራት ግን፡ ነቲ ዝቐርበላ ጸጥታዊን ወተሃደራዊን ምትእትታዋት ክትነጽጎ ወይ ርእይቶ ካብ ምሃብ ክትቁጠብ'ያ ትርአ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


