ዋጋ ጠስሚ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ ኣየናይ ዘይቲ ክንጥቀም ይምረጽ?

ኣብዚ እዋን እዚ ዋጋ ሓለኽቲ ኣዝዩ ንምእማኑ ክሳብ ዘጸግም ከቢሩ ይርከብ።
ጠስሚ ብልዒ ድማ ሓደ ካብቶም ዋጋኦም ሰማይ ዝተሰቐሉ እዩ።
ስለዝዀነ ሰባት ዝያዳ ተጠቀምቲ ዘይቲ ብልዒ እናዀኑ ይኸዱ ኣለው።
ይዅን'ምበር እንጥቀመሉ ዓይነት ዘይቲ ምግቢ ተገዲስና ክንሓስበሉ ኣለና።
ስለዚ፡ እቶም ዝሓሹ ኣማራጺታት ዘይቲ ኣየኖት እዮም? እንታይ እዮም? ብሓቂ ኣጠቓቕማና'ኸ ቅኑዕ ድዩ?
ጸብሒ፡ ጥብሲ ይዅን ሰላጣ ኣብ ምድላው ዘይቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ነቲ እነዳልዎ ዝምጥን ዘይቲ ምምራጽ ግን ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዝያዳ ዝተሓላለኸ እናኾነ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ዕዳጋ ዝቐረቡ ዓይነታት ዘይቲ ተቘጺሮም ኣይውድኡን።
ኵሎም ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ባህርያት ዝሓዙ እዮም።
ስለዚ መዓልታዊ እንጥቀመሉ ዘይቲ ምምራጽ ቀሊል ኣይኮነን።
መግቢ ንምብሳል ዝበለጸ ዘይቲ ኣየናይ እዩ?
ብሓፈሻ ክልተ ዓይነት ዘይቲ ኣሎ - ዝተጻረየን ዘይተጻረየን።
ሓደ ዘይቲ 'ቨርጅን'፡ 'ኤክስትራ ቨርጅን' ወይ 'ኮልድ-ፕረስድ' ዝብል ምልክት እንተሃልይዎ፡ ዘይተጻረየን መብዛሕትኡ መኣዛታቱ ዝዓቀበን ናይ ምዃኑ ዕድሉ ልዑል'ዩ።
ብኣንጻሩ ዝተጻረየ ዘይቲ፡ ዝተመስርሐ እዩ።
እዚ ማለት ንነዊሕ ግዜ ምእንቲ ክጸንሕን ዘይተደልየ መኣዛታትን ጨናን ንምውጋድን ተባሂሉ ብኬሚካላት ይሕከም።
ኣብዚ መስርሕ እዚ ድማ ገለ ካብቶም ኣድለይቲ ውህደታት ይጠፍኡ።
ብሓፈሻ ግን ካብ ዘይተጻረየ ዘይቲ ብዝሓሸ ሙቐት ክጻወር ይኽእል እዩ።
መግቢ ኣብ እነብስለሉ እዋን፡ ዘይቲ ክውዒ እንከሎ፡ ምስ ኦክሲጅን ሰለዝሕወስ ሞለክዩላዊ ኣቃውማኡ (ቀመማዊ ባህሪኡ) ይበታተን።

ሞለክዩላት ስብሒ ምስ ኣብ ኣየር ዘሎ ኦክስጅን ምስ ዝራኸቡ ከም ኣልደሃይድ ዝኣመሰሉ ኦክሳይድ ፍርያት ሽኮር (LOPs) ከም ዝፈጥሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደ ሞንትፎርት ባዮኣናሊቲካል ኬሚስት ፕሮፌሰር ማርቲን ግሩትቨልድ ይገልጽ።
ኦክሳይድ ፍርያት ሽኮር ንጥዕና መርዛማት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ እዋን ምብሳል ዝያደ ሙቐት ብዝተጠቐምና መጠን፡ ወይ እቲ መግቢ ብተደጋጋሚ ምስ ዝመውቕ፡ እዞም መርዛማት ነገራት ዝያዳ ኣብቲ ዘይቲ ክፍጠሩ ተኽእሎ ኣሎ።
ከም ካብ ሱፍን ዘርኢን ወይ እኽሊን ዝዳለዉ ዘይቲታት፡ልዑል መጠን ፖሊኣንሳቹሬትድ ስብሒ (ቅብኣቱ ዝተጀልሐ) ስለዘለዎም ብቐሊሉ ይበላሸዉ እዮም።
ከም ዘይቲ ኣውሊዕ ዝኣመሰሉ ዘይቲታት ድማ ልዑል ሞኖኣንሳቹሬትድ ስብሒ ስለዘለዎም ውሑድ ኣልደሃይድ የፍርዩ። ካብ ፖሊኣንሳቹሬትድ ዘይቲ ንመውዓዪ ዝሓሹ እዮም።
ፕሮፌሰር ማርቲን ግሩትቨልድ ከም ዝብሎ፡ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ዓይነታት ዝርከብ ዘይቲ ምጥቃም እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ።
"ዘይቲ ኣውሊዕ መግቢ ንምብሳል ጽቡቕ እዩ፣ እንተኾነ እቶም ዝያዳ ዝተመስርሑ ምጥቃም ዝሓሸ ይመስለኒ" ይብል።
ዘይቲ ኣውሊዕ ኣብ ከም ሰላጣ ዝኣመሰሉ ዘይበስሉ መግብታት ክንጥቀመሉ ከለና ዝበለጸ ጥዕናዊ ረብሓ ኣለዎ።
ዝዘቕበበ ስብሒ
ዝዘቕበበ ስብሒ ልዑል መጠን ሞለክዩላት ስብሒ ኣሲድ ዝሓዘን ድርብ ምትእስሳር (double bonds) ዘይብሉን ዓይነት ስብሒ እዩ። ካብ ዘይዘቕበበ ስብሒ ዝወሓደ ጥዕናዊ ረብሓ ከምዘለዎ ድማ ይሕሰብ።
ከምዚ ዓይነት ዘይቲ፡ መግቢ ንምብሳል ዝኸውን ኣማራጺታት እዩ። ምኽንያቱ ክውዒ ከሎ ውሑድ ኣልደሃይድ እዩ ዘመንጩ። ይዅን'ምበር፡ ካልእ ሓደጋታት ክህልዎ ይኽእል እዩ።
እዚ ኣብ ንቡር ሙቐት ክፍሊ ዝረግእ ዘይቲ፡ ካብ ተኽሊ ወይ እንስሳታት ክርከብ ይኽእል።
ንኣብነት ዘይቲ ኮኮናት፡ ኣዝዩ ልዑል ዝዘቕበበ ስብሒ ኣለዎ።
ናይዚ ዝተጻረየ ስሪት ግን መግቢ ንምብሳል ዝበለጸ ክኸውን ከም ዝኽእል ፕሮፌሰር ግሩትቨልድ ይዛረብ።

ከባቢያዊ ስክፍታታት
ከባቢያዊ ስክፍታታት ዘስዕቡ ዓይነታት ዘይቲ ኣለው። ዘይቲ ስየ ሓደ ካብዚኦም እዩ።
ሓደ ዘይቲ ዘላቕነቱ ኣብቲ ዝፈረየሉ መስርሕ እዩ ዝምርኮስ።
ካብ ኤውሮጳን ዓባይ ብሪጣንያን ወጻኢ ዝፈሪ ዘይቲ ሱፍ ብሰፊሑ ኒዮኒኮቲኖይድስ ዝተነጸጎ ከም ዝዀነ ዳይረክተር ፖሊሲ ዘላቒ መግቢ ትራስት ሪቻርድ ያንግ ይዛረብ።
"ከምዚኦም ዝበሉ ዘይቲታት ከም ንህቢ፡ ጽምብላሊዕ፡ ዕንቅርቢታትን ካልኦት ነፍሳት ንኽሞቱ ሳዕቤን ስለዝዀኑ ኣብ ኤውሮጳን ዓባይ ብሪጣንያን ተኣጊዶም እዮም።
ኣብ ርእሲ'ዚ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ዘይቲ፡ ኣብ እዋን ምጕዕዓዝ ብዘጋጥም ኵነታት፡ ጽልዋኡ ክዛይድ ከም ዝኽእል ድማ ይሕበር።
ካብ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ዓደግቲ ዝኾነ ኣሌክስ ክሩምቢ ብወገኑ፡ ባጀትና እንተፈቒዱ፡ ተፈጥሮኣዊ ዘይቲ እንተመረጽና ዝሓሸ ከም ዝዀነ ይምዕድ።
ኣብ መወዳእታ፡ መግቢ ዘብሰልናሉ ዘይቲ፡ ኣብ መሕጸቢ ኣቝሑ እንተዘይንደፍኦ ይምረጽ፣ ምኽንያቱ ምስ ዝረግእ እቲ ትቦ ንኽዕጾ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


