ዘለንስኪ ድሮናት ንምሻጥን ክኢላታት ንምቕራብን ድሉው ከምዘሎ ኣብ ዝገለጸሉ ናብ ስዑድያ ገይሹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮለድሚር ዘለንስኪ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ትማሊ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣትዩ።
ዘለንስኪ ናብ ስዑድ ዓረብ ቅድሚ ምጋሹ ሃገሩ ዘለዋኣ ድሮናት ነቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ምርግጋእ ክሰርሓ ከም ዝኽእላ ሓቢሩ ነይሩ'ዩ።
ንሱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ "ኣገደስቲ ኣኼባታት ንምክያድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ፡ ጸጥታ ንምውሓስ ነተን ምሳና ክሰርሓ ዝደልያ ሃገራት ነመስግን፣ ንሕና'ውን ክንሕግዘን ኢና" ኢሉ።
ዘለንስኪ፡ ቅድሚ ናብ ስዑድ ዓረብ ምጋሹ፡ ሃገሩ ኣሰልጢናቶም ብዘላ ክኢላታት ቴክኖሎጂ ድሮን ብደረጃ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ሰላም ንምውሓስ ከተበርክት ድልውቲ ምዃና'ዩ ገሊጹ።
ንሱ ብተወሳኺ ኣብቲ ኣብ ሀልንስኪ ርእሰ ከተማ ፊንላንድ ዝካየድ ኣኼባ ወፍሪ ሓባራዊ ሓይሊ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ'ውን፡ "እዚ ንውሕስነት ጸዓት፡ ንዋጋ ሃለኽትን ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ፣ ብፍላይ ኣውሮጳ ኣብ ነዳዲአንን ጋዘንን [ናይ ወሽመጥ ዓረብ] እያ ትምርኰስ፣ ስለዚ ምርግጋእ ወሽመጥ ዓረብ ንዕዳጋ ዓለም'ዩ ዘረጋግእ" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "እቲ ቀንዲ ነገር ሓደስቲ ወተሃደራዊ ንዋት ብፍላይ ከኣ ድሮን ምፍረይ ጥራይ ኣይኰነን፣ እቲ ቀንዲ ነገር ነዚ ቴክኖሎጂ ምስ ራዳር፡ ኣቭየሽንን ካልእ ስርዓተ ምክልኻልን ኣዋሃሂዱ ዝሰርሕ ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብ ምህላው'ዩ፣ እቶም ከምዚኦም ዓይነት ክኢላታት ከኣ ኣለዉና" ኢሉ።
ዘለንስኪ ንሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ክኢላታት ድሮን ብምሃብ ኣምሳያኡ ኣብቲ ንወራር ሩስያ ንምምካት ዝገብሮ ዘሎ ኲናት ሓገዝ ንምርካብ'ዩ።
ዘለንስኪ ምስ ፈረንሳዊት ጋዜጣ ለ ሞንደ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ "ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ'ውን ንሕና ዓቕምና ንኸነደልድል ዕድል ክህባና ኣለወን፡ ምኽንያቱ ንሰን ንዓና ዘይብልና ስርዓተ ምክልኻል ሚሳይላት ኣለወን፣ ንሕና ከኣ ናብ ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ክንኣቱ ኢና ንደሊ" ኢሉ።
ቢቢሲ ዘዘራረበን ሓያለ ድሮን ዘፍርያ ትካላት ዩክረይን፡ ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብዙሕ ጠለባት'ኳ እንተመጽአን፡ ብመንግስቲ ዩክረይን ግን ክሳብ ሕጂ ንኽሸጣ ፍቓድ ከምዘይተዋህበን ሓቢረን።
ስርዓተ-ጸረ ድሮን እተፍሪ ክቨርቱስ ዝተብሃለት ዩክረናዊት ትካል፡ ካብ መንግስታት ስዑድ ዓረብን ኩዌትን ጠለባት ከም ዝቐረበላ'ያ ትሕብር።
ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል ክቨርቱስ ያሮስላቭ ፊሊሞኖቭ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ "ዝዀነ ዓይነት ፍርያትና ንኽንሸይጥ ካብ መንግስቲ ኢና ፍቓድ ንጽበ ዘለና፣ ምስ መንግስትና ተዋሃሂድና ክንሰርሕ ከምዘለና ይርድኣኒ'ዩ ምኽንያቱ እዚ ንመኽሰብ ጥራይ ኢልካ ድሮን ወይ ጸረ-ድሮን ትሸጠሉ ኣይኰነን - ፖለቲካ'ዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Kvertus
ቮሎድሚር ዚኖቭስኪ እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ብወከልቲ ስዑድ ዓረብ፡ ቐጠር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኩዌትን'ኳ ጠለብ እንተቐረበሉ ምስ መንግስቲ ዩክረይን ክረዳድኡ ከም ዝሓበሮም'ዩ ዝገልጽ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዩክሬናዊ ኣፍራዪ ትካል ቲኤኤፍ ኢንዳስትሪስ ዝዀነ ዚኖቭስኪ፡ ድሕነት ዩክረይን ኣብ ሓደጋ ስለዘሎ፡ መንግስቲ ንሰደድ ንምልኣኽ ዝህቦ ፍቓድ ምጽባይ ሕጕስ ምዃኑ ገሊጹ።
"ኵልና ንዩክረይን ንምክልኻልን ዩክረይን ከም ሃገር ደው ኢላ ንኽትቅጽልና ኢና ንሰርሕ ዘለና፣ ስለዚ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ንምርካብ ውሑዳት ኣዋርሕ ክንጽበ እንተሃልዩና'ውን ክንጽበ ኢና" ኢሉ።
ገለ ገለ ጸብጻባት ኣመሪካ እቲ ንዩክረይን ትህባ ዝነበረት ወተሃደራዊ ንዋት ናብቲ ኣንጻር ኢራን ተካይዶ ዘላ ኲናት ተውዕሎ ስለዘላ፡ ንዩክረይ ድሮናት ምሻጥ ኣዝዩ ወሳኒ መድረኽ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ'ቲ ኣመሪካ ናብ ዩክረይን ዝተሓሰበ ወተሃደራዊ ንዋት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ተግዕዞ ኣላ ዝብል ጸብጻብ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ "ኵሉ ግዜ ከምኡ ንገብር ኢና። ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ሓደ ንወስድ፡ ንኻልእ ድማ ንጥቀመሉ" ዝብል መልሲ'ዩ ሂቡ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


