ምጕዓዝ፡ ምዝራብን ምብላዕን ከይተረፈ ዝኸልእ ሕማም እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Penny Taylor
ሊዝ ተይለር፡ ሓዳር መስሪታ፡ ቈልዑ ኣፍርያ ብሰላም እትነበር ብቕዕቲ ሰበይቲ እያ ነይራ።
ዕድመኣ 38 ዓመት እንከሎ ግን ሃንደበት ናይ ምጕዓዝ፡ ምዝራብን ምብላዕን ከይተረፈ ክእለታ ከም እትስእን ተነጊርዋ።
ኣብተን ዝቕጽላ ነፍስወከፍ ሰለስተ ዓመት ድማ ሰለስተ ኣሓት ብተመሳሳሊ ምጕዓዝ፡ ምዝራብን ምብላዕን ከምዘይክእላ ፈሊጠን።
ኣብ መጀመርታ ኣብ ኣእዳዋ ዝዀነ ቃንዛ ይስምዓ ነይሩ።
ንሰሙናት ዝኸውን መርመራታት ምስ ተገብረላ፡ ሓካይም መድሃኒት ዘይብሉ ሕማም ስነ-ኣእምሮ ምዃኑ ሓቢሮምዋ።
"እናበኸየት ናብ ላዕሊ ገዛ ክትጎዪ ከላ እዝከረኒ" ትብል 38 ዓመት ጓላ ፔኒ።
ሊዝ ኣብዚ እዋን ዕድመኣ 59 ዓመት እዩ፤ ኣብ ገዛእ ኣካላታ ድማ ተዓጽያ ኣላ።

62 ዓመት ዝዕድመኡ በዓል ቤታ ሊዝ ጀምስ፡ ጥዕና በዓልቲ ቤቱ እናገደደ ክኸይድ እንከሎ ብተስፋ ምቍራጽ ክዕዘብ ተገዲዱ።
ኣእምሮኣ ሕጂ’ወን ምሉእ ብምሉእ ንጡፍ እዩ፤ ጀምስ ግን ኣዒንታ ብምርኣይን ብምንባብን ጥራይ እዩ ምስኣ ክረዳዳእ ዝኽእል።
ኣርባዕተ ተመሳሳሊ ሕማም ከምዘለወን ክረጋገጽ እንከሎ ነታ ስድራ ቤት ኣዕናዊ ዜና እዩ ነይሩ።
እታ ኣብ ሮችደል፡ ዓባይ ማንቸስተር እትነብር ስድራቤት፡ ሰብ ዘይፈልጦ ጀነቲካዊ ሕማም እዩ ኣጋጢምዋ።

ምንጪ ስእሊ, Family handout
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ ዓለም እዚ ሕማም ዘለዎም ሰባት ኣስታት 100 ጥራይ ከምዝዀኑ ይኣምኑ።
ካብዚኦም ድማ መብዛሕትኦም ወለዶ ሓንቲ ኣብ ካምብሪያ እትርከብ ስድራቤት እዮም።
እዚ ኵነታት መብዛሕትኡ ግዜ ብጌጋ ሕማም ፓርኪንሰን ወይ ሃንቲንግተን ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ግን፡ ብሓቂ ሓድሽ ኵነታት ምዃኑ ኣረጋጊጾም’ዮም። ኣብ ሓንጐል ብዝፍጠር ምትእኽኻብ ሓጺን ስለ ዝመጽእ ድማ ኒውሮፈሪቲኖፓቲ ኢሎም ሰመይዎ።
እቲ ዝረኸብዎ ጀነቲካዊ ጌጋ እቲ ሓጺን ናብ ሓንጎል ይኣቱ እምበር ኣይወጽእን ነይሩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ዝካየድ ፈተነ፡ ሓደ ዝጸንሐ መድሃኒት ነቲ ሓጺን ንምውጻእ፡ ከምኡ'ውን ምዕባለ እቲ ሕማም ደው ከብል፡ እቶም ሰባት ናብ ዝነበርዎ ክመልስ ወይ ምናልባት እውን "ክፍውስ" ዝኽእል እንተዀይኑ ክርአ እዩ።
ኣብ ሊዝን ኣብ ኣሓታን ድማ ንእሽቶ ተስፋ ኣሕዲሩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Family handout
61 ዓመት ዝዕድመኣ እወን በዚ ኵነታት ዝተጠቕዐት እያ። በዓል ቤታ ስቲቨን፡ ሄዘር ኣብ ከባቢኣ ዝፍጸም ነገራት ክትርድኦ ከምእትኽእል፡ ግን ከኣ ምስ ሰብ ክትረዳዳእ ከምዘይትኽእል ይዛረብ።
ዳርጋ ምንቅስቓስ ስለዘይትኽእል ድሕሪ ደጊም ክትዛረብ ኣይትኽእልን እያ።
"ህይወት ዝቕይር ምዃኑ ፈሊጥና" ይብል ሕጂ ውፉይ ኣላዪ በዓልቲ ቤቱ ዝዀነ ስቲቨን።
ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዝገልጽ ቃላት ንምርካብ ክትሕግዞ እንተዀይና ይሓታ፡ ንሳ ግን ክትምልስ ኣይትኽእልን።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ እቲ ሕማም ዝፈለጡ ካብ ካምብሪያ ዝመጹ ሕሙማት እናወሰኹ ምስ ረኣዩ ጥራይ እዩ።
ጌቲ ኢሜጅስ ሓባራዊ መበቆል ምስቲ ኣብ 1789 ኣብ ቦውንቲ ዝተኻየደ ናዕቢ ብምምራሕ ዝፍለጥ ፍሌቸር ክርስቲያን ክካፈል ይኽእል እዩ።
ነቲ ሕማም ዝሰመየ ካብ ኒውካስል ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ሰር ጆን በርን፡ ዳርጋ ኵሎም ዝፍለጡ ሕሙማት ካብ ሓደ ወለዶ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ተረዲኡ።
ምስ ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ኣብ ኮከርማውዝ ካምብሪያን ዝነበሩ ፍሌቸር ዝብል ስያመ ዘለዎም ስድራቤታት ምትእስሳር ክህልዎ ዝኽእል’ኳ እንተዀነ እቲ መርትዖ ግን ንጹር ኣይኰነን።
'ተኽእሎ ፈውሲ'
እቲ ኵነታት ካብ ዝፍለጥ ኣስታት 25 ዓመታት ገይሩ ኣሎ።
ፕሮፌሰር ስነ-ኣእምሮ ፓትሪክ ቺነሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ፡ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ፈተነ ናይቲ ዲፈሪፕሮን ዝበሃል መድሃኒት ክጅምር ቀሪቡ ኣሎ።
እዚ መድሃኒት "ነቲ ሓጺን ከውጽእ'ዩ" ዝብል ተስፋ ኣለዎ።
"መርመራታት እቲ ሓጺን ኣብ ሓንጎል ኣበይ ይእከብ ከምዘሎ ዘርኢ'ዩ፤ ኣብቶም ነዚ ጀነቲካዊ ለውጢ ዝወረሱ ሰባት ድማ ናይ ብሓቂ ተስፋ ኣለዎ" ይብል ፕሮፌሰር ቺነሪ።
ሰባት ብዛዕባ እቲ ኵነታት "ምልክታት ንምርኣይ 40 ዓመታት ክወስድ ይኽእል'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Family handout
ሕሙማት ን10 ዓመታት ምልክታት ድሕሪ ምርኣዮም፡ እቲ ልዕሊ ዓቐን ሓጺን "ንባዕሉ ኣብ ሓንጎል ጉድኣት የስዕብ ከምዘሎን እቲ ደጋፊ ቲሹ ከምዝዓነወን ብንጹር ይርአ" ይብል ፕሮፌሰር ቺነሪ።
"ቀንዲ ዕላማና ነቲ ሕማም ኣብ መስመሩ ደው ንምባል'ዩ፡ እዚ ድማ ነቲ ጸገማት ክመልሶም ይኽእል'ዩ።"
እቲ ፈተነ ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ኤጀንሲ ተቖጻጻሪ መድሃኒታትን ፍርያት ክንክን ጥዕናን ፈቓድ ረኺቡ እዩ።
እቲ ፈተነ ዕዉት እንተዀይኑ፡ ፕሮፌሰር ቺነሪ፡ ኵሎም ሓካይም ሰባት ፍጹም ዝዀነ ምልክታት ቅድሚ ምምዕባሎም ክህብዎ ተኽእሎ ከምዘሎ ይዛረብ።
ንሱ፡ እዚ ማለት "ፈውሲ ክኸውን ዝኽእል መድሃኒት" ማለት'ዩ ይብል።
ብተወሳኺ ኣብ ሓንጐል ምስ ምትእኽኻብ ሓጺን ዝተኣሳሰሩ ካልኦት ኵነታት ንምፍዋስ መንገዲ ክኸፍት ከምዝኽእል ይዛረብ።
"ኣብዚ ኩነታት ሓጺን ምንካይ ንዋህዮታት መትኒ ምጉዳእ ደው ከምዘብሎ ከነርኢ እንተኽኢልና፡ ተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ሕማም ፓርኪንሰን ወይ ሕማም ኣልዛይመር ሓጋዚ ክኸውን ከምዝኽእል ምሕባር ዓቢ ዝላ ኣይኮነን" ይውስኽ።

'ብዛዕባኡ ንዘይምሕሳብ እጽዕር'
ፈተነ ዲፈሪፕሮን፡ ተስፋ ኣብ ዘይነበረሉ ኵነታት ውጽኢታዊ ሕክምና ክኸውንን ተስፋ ክህብን ይኽእል።
ጓል ሊዝ ፔኒ ንብዙሓት ኣብ ስድራኣ ትከናኸንን ትሕግዝን ኣላ፤ እንተዀነ ግን እቲ ሕማም እንተሃልይዋ ኣይትፈልጥን።
"ብዛዕባኡ ንዘይምሕሳብ እጽዕር" ትብል፤ "እንተሓሲበዮ፡ ሽዑ ቀልጢፉ ክመጽእ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።"
ብዛዕባ ዓወት ናይቲ ፈተነ ተስፋኣ ንምህናጽ ከም እትጭነቕ ትዛረብ። ንዓኣን ንስድራቤታን ግን ለውጢ ከምዝዀነ ትውስኽ።
በዓል ቤት ሄዘር ስቲቨን ድማ ምስዚ ይሰማማዑ። "እንተዝሒልዎ - እዚ ዓወት'ዩ፡ [እቲ ሕማም] ኣይገድድን። ክፍውሶ እንተኽኢሉ ድማ - ፍሉይ፡ ፍጹም ድንቂ'ዩ" ይብል።
"በቃ ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ ሓቀይ?" ይውስኽ ንበዓልቲ ቤቱ እናጠመተ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


