ሑቲ፡ 'ኣጻብዕትና ኣብ ቃታ' - ናብ እስራኤል ተኲሱ ጸቕጢ የጋድድ

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ገዚፍ ወተሃደራዊ፡ ፋይናንሳውን ፖለቲካውን ደገፍ ኢራን ከምዘለዎ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ የመን - ሑቲ፡ ኲናት ኢራን ካብ ዝጅመር ንፈለማ ግዜ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ እቲ ቅልውላው ካብዚ ዘለዎ ብግዜን ቦታ ከይጋፋሕ ክፍራሕ ንዝጸንሐ ኵነታት ኣጋዲዱ።
ሑቲ፡ ኣብ ጐድኒ ኢራን ብምዃን ኣብቲ ኲናት ክጽንበር ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ ምዃኑ እዩ ከጠንቅቕ ጸኒሑ።
ተወሳኺ ስግኣት ዝፈጠረ ኵነት ድማ ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ክንፊ ሑቲ ያሕያ ሳሪ ትማሊ ምሸት ኣብ ተለቪዥንቭ ቀሪቡ ብዝሃቦ መደረ ተፈጺሙ።
ያሕያ፡ "ኣጻብዕትና ኣብ ቃታ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምዘለዋ ነረጋግጽ" ብምባል ድማ፡ ዝኾነ ምስተን ጸላእቲ ክብል ዝገለጸን ኣመሪካን ኣንጻር ኢራን ዝግበር ምሕዝነት፡ እቲ ጉጅለ ናብቲ ኲናት ከም ዝኣቱ ገሊጹ።
ሎሚ ንግሆ ድማ፡ እቲ ሓይሊ የመን ናብ እስራኤል ሚሳይላት ከምዝወንጨፈ ገሊጹ። ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ድማ፡ ካብ የመን ዝተተኰሰ ሚሳይላት ከም ዘለለየን ኣብ ደቡባዊት እስራኤል ከተማ በርሸባን ከባቢኣን ሳይረን ከም ዝተወልዐን ኣረጋጊጹ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቴሌግራም "ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ካብ የመን ናብ መሬት እስራኤል ገጹ ዝፍኖ ሚሳይል ኣለልዩ ኣሎ፣ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ነቲ ስግኣት ንምዕጋት ይንቀሳቐስ ኣሎ" ክብል ጽሒፉ።
ድሕሪ 15 ደቓይቕ ኣቢሉ ድማ፡ እቲ ሰራዊት፡ ኵነታት ውሑስ ምዃኑን ሰባት ንቡር ስርሓቶም ክገብሩ ከም ዝኽእሉን ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ የመን ኣብ ኢራን መጥቃዕቲ እንተቐጺሉ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ኲናት ክኣትዉ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።
ወሃቢ ቃል ዕጡቕ ሓይልታት የመን - ወተሃደራዊ ሓይሊ የመን ሑቲ - ያሕያ ሳሪ መግለጺኡ፡
ዝኾነት ካልእ ሃገር ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ኣንጻር ኢራን እንተተጸንቢራ፣ ብኣሜሪካን እስራኤልን ንቐይሕባሕሪ ኣንጻር እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ተጻባኢ ስርሒታት ንምፍጻም ክጥቀማሉ እንተጀሚረን፣ ኣንጻር ኢራን ዝግበር ተጻብኦ እንተዓሪጉ፡ ኣብቲ ኲናት ንምጽንባር ኣጻብዕትና ኣብ ቃታ እየን ዘለዋ፡ ክብል ኣጠንቂቑ።
እቲ መግለጺ፡ "ጸላእቲ ዝዀና ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን፡ ፍልስጤምን ቓዛን፡ ዒራቕን ሊባኖስን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ወራር" ግብረመልሲ ዝህብ ምዃኑ ይገልጽ።
ሕጂ ምትእትታው ሑቲ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ሓድሽ ግንባር ክህሉ፡ ተእኽእሎታት ምስፋሕ ናይቲ ኲናት ከፈጥር ከም ዝኽእል ብምግላጽ ብዙሓት ስግ፤ኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።
እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ መራኽብ መጥቃዕቲ ዘስዕብ ስግኣት ክኸውን ስለዝኽእል እዩ። እዚ ድማ ሓይልታት ሑቲ ድሕሪ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ፡ ምስ ፍልስጤማዊ ሓይሊ ሓማስ ዘለዎም ሕብረት ንምርግጋጽን ደገፎም ንምርኣይን ዝገበርዎ ስርሒታት እዩ።
ካብ ሕዳር 2023 ጀሚሩ ንኣስታት 70 ንግዳውያን መራኽብ ብሚሳይላት፡ ድሮናትን ንኣሽቱ ጀላቡ ተጠቂሞምን መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ኣርባዕተ መራኽብ ኣጥሒሎም፡ ሓምሸይቲ መርከብ ሒዞም፡ ብውሕዱ 7 ኣባላት መራኽብ ድማ ቀቲሎም።
እዞም ብኢራን ከም ዝድገፉ ዝንገሮሎም ዕጡቓት፡ ኣካል ናይቲ ኣንጻር እስራኤል ዝካየድ "ኪዳን ተቓውሞ" ብምዃን፡ ምስቶም ኣብ ቓዛ ዝንቀሳቐሱ ሓማስን ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ሕዝቦላህን ኰይኖም ቃልሶም የካይዱ።
እዚ ጕጅለ ምስ እስራኤል ርክብ ኣለወን ኢሉ ዝኣመነለን መራኽብ የጥቅዕ።
ኣብ 2025 ዶናልድ ትራምፕ ነዞም መጥቃዕትታት ንምክልኻል (ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ብምትሕብባር) ደብዳብ ኣካይዱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
እቲ ንሰሙናት ዝቐጸለ ተልእኾ ሓያለ ዒላማታት ወቒዑ፡ ንሓያሎ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሑቲ ድማ ቀቲሉ እዩ፡ እንተዀነ ኣብ መወዳእታ ብዘተ ተኹሲ ደው ምባል እዩ ተዛዚሙ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


