ክሮኤሽያ ንምንታይ ኣቋሪጻቶ ዝነበረት ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዳግማይ ጀሚራቶ?

ክሮኤሽያ ንምንታይ ኣቋሪጻቶ ዝነበረት ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዳግማይ ጀሚራቶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣማኢት ክሮኤሽያውያን መንእሰያት ግዴታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንኽፍጽሙ ተመዝጊቦም።

እዚ ሃገሮም ኣብ 2008 ንግዴታዊ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደው ካብ እተብሎ ንፈለማ እዋን'ዩ ዝኸውን ዘሎ።

እቲ ስልጣን ኣብ መላእ ክሮኤሽያ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ዝካየድ ዀኰይኑ፡ እቶም መንእሰያት ናብ ገዛኦም ኣብ ዝቐረበ መዓስከር ከይዶም ድልውነቶም ክሕብሩ'ዩ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብኡ ምስ ከዱ እቲ ዘድልዮም ወተሃደራዊ ኣልባሳትን መደቀስን ይወሃቦም። ንዝቕጽል ክልተ ኣዋርሕ ድማ ብወተሃደራዊ ሕጊ እናተማእዘዙ ግቡእ ተዓሊም ክወስዱ እዮም።

ሓላፊ ሓፈሻዊ ስታፍ ዕጡቕ ሓይሊ ክሮኤሽያ ጀነራል ቲሆሚር ኩንዲድ፡ "ሕጂ ምስቲ ሃዋሁ ስቪላዊ ኣነባብራ ተፈላልዮም እዮም፡" ኢሉ።

እቲ ጀነራል፡ ወለዲ ብዛዕባ ደቆም ክጭነቑ ከም ዘይብሎም ብምሕባር፡ ንደቖም ብጥንቃቐ ክሕዝዎም ምዃኖም ኣፍሊጡ።

"ብዙሕ ጸቕጢ ምእንቲ ከየጋጥሞም፡ ደረጃ ብደረጃ ከነላምዶም ኢና፡" ክብል ወሲኹ'ውን ገሊጹ።

ብዙሓት ካብቶም ዝዕለሙ መንእሰያት፡ ኪኖ'ቲ ኣብ እዋን ልምምድ ዝግበረሎም ገለ ኣስገዳዳት፡ ሞይላት ኣብ ምጥቃም "ፍሉይ ገደብ ከም ዘየሎ" ምስ ሰምዑ እፎይታ ተሰሚዑዎም።

ካብቶም ሎሚ ንኣገልግሎት ዝሕብሩ 800 ወተሃደራት ልዕሊ ፍርቂ ወለንተኛታት እዮም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ካብቶም ሎሚ ንኣገልግሎት ዝሕብሩ 800 ወተሃደራት ልዕሊ ፍርቂ ወለንተኛታት እዮም

ኣብ ቀዳማይ እብረ ኣስታት 800 መንእሰያት ክዕለሙ'ዮም።

ብፍላይ ልዕሊ ፍርቂ ካብኣቶም ጻውዒት ክሳብ ዝመጽኦም ክጽበዩ ኣይመረጹን፣ ብወለንታኦም እዮም ወተሃደራዊ ኣግልግሎት ንምፍጻም ተበጊሶም።

ካብዚኦም እተን 10 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኰይነን፡ ከም ሕጊ ግን ደቀንስትዮ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክፍጽማ ግዴታ የብለንን።

እዞም መንእሰያት ንኽልተ ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ፈጺሞም ናብ ስድራኦም ክምለሱ'ዩ ድሌቶም።

ሰብመዚ ክሮኤሽያ ክሳብ ሕጂ 10 መንእሰያት ጥራይ ወተሃደራት ክዀኑ ከም ዝፈረሙ ኣፍሊጦም።

ቅድሚ ቀወምቲ ወተሃደራት ምዃኖም ግን ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብቲ ንወርሒ ክኽፈልዎ ዝግባእ 1,273 ዶላር ፍርቁ ጥራይ እናተኸፈሉ ኣብ ስቪላዊ ኣገልግሎት ክሰርሑ ክግደዱ'ዮም።

ጀነራል ቲሆሚር ኩንዲድ ነቶም ወተሃደራት "ኣዝዩ መሳጢ" መደብ ከም ዝህብዎም ቃል ኣትዩ።

እቲ ስልጠና ካብ መሰረታውያን ክእለታት ጀሚሩ ክሳብ "መሰረታዊ ክእለት ምቍጽጻርን ምክልኻልን ድሮናት" ከምኡ'ውን ሜላታትን መከላኸሊ ሳይበራዊ መጥቃዕትታትን ዝሽፍን'ዩ ክኸውን።

 ምኒስተር ምክልኻል ክሮኤሽያ ኢቫን ኣኑሲች ኩነታት ክሮኤሽያ ኣዝዩ ዝተረጋገአ ከምዝነበረ ብምሕባር፡ ሕጂ ዘሎ ግን ፈጺሙ ዝተፈለየ'ዩ ኢሉ
መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ምክልኻል ክሮኤሽያ ኢቫን ኣኑሲች ኵነታት ክሮኤሽያ ኣዝዩ ዝተረጋግአ ከም ዝነበረ ብምሕባር፡ ሕጂ ዘሎ ግን ፈጺሙ ዝተፈለየ'ዩ ኢሉ

ንክሮኤሽያ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ካብኣ ርሑቕ ኣይኰነን።

ብሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ መንጐኣን ዩክረይንን፡ ሃንጋሪ ጥራይ'ያ ዘላ።

እዚ ስለ ዝዀነያ ክሮኤሽያ ነቲ ኣቓሪጻቶ ዝነበረት መደብ ግዴታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ዝነበሮ ክትመልሶ ኣገዲድዋ።

ምኒስተር ምክልኻል ክሮኤሽያ ኢቫን ኣኑሲች ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኵነታት ክሮኤሽያን ከባቢኣን ኣዝዩ ርጉእ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ፍጹም ዝተፈልየ'ዩ፡" ኢሉ።

"ንኣርባዕተ ዓመት ዝኣክል፡ ኣብ ዩክረይን ዝፍጸም ዘሎ ምጥቃዕ ሩስያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከቡ ወከልቲ ሩስያ ስርሖም ክሰርሑ ክንርኢ ጸኒሕና፡" ኢሉ።

ክሮኤሽያ ኣብ እትመርሓሉ፡ ጐረባብታ'ውን ክስዕባኣ ይኽእላ እየን።

ቅድሚ ኣብዚ ወርሒ ዝካየድ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ እቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ ስሎቨንያ መንእሰያት ግዱድ ወተሃደራዊ ተዓሊም ንኸካይዱ ክጕስጕስ ጸኒሑ'ዩ።

ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ሰርብያ ኣሌክሳንደር ቩቺች ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 12 ኣዋርሕ እቲ ተቋሪጹ ዝነበረ ግዴታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዳግማይ ክጅመር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብዘይካ'ዚ እታ ሃገር ኣብ ምክልኻል ትስልዖ ዝነበረት ባጀት'ውን ወሲኻትሉ ኣላ።

እዚ ድማ ኮሶቮን ቦዝንያን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክወስዳ ክድርኸን እንከሎ፡ ሰርብያ ብግዴኣ ክሮኤሽያ ምስ ኮሶቮን ኣልባንያን እትገብሮ ዘላ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምሕዝነት ስግኣት ከም ዝፈጠረላ ትገልጽ ኣላ።

"ዝዀነ ኣብ ባልካን ዝካየድ ወተሃደራዊ ምዕባለ፡ ኵሉ ሰብ ኣንጻሮም ከም ዝዓለመ ገይሩ ስለ ዘንብቦ፡ ንዅሉ እቲ ዞባ ኣዝዩ ውሕስነት ከም ዘይብሉ ጥራይ'ዩ ዝገብሮ፡" ይብል ኣብ ባልካንን ዘሎ ኣህጉራዊ ግጭትን ዝከታተል ተንታኒ ጀምስ ኬር-ሊንድሰይ።

እቲ ተንታኒ ብምስዓብ፡ "እቲ ጸገም ክሮኤሽያ ዕጥቓ ከተደልድል ጸኒሓ'ያ፡ ሰርብያ ከኣ ነዚ ብምዕዛብ ንዓና'ውን የድልየና'ዩ ክትብል ጀሚራ፡" ይብል።

ክሮኤሽያ ኣብ ዓመት ኣብ ሰለሰስተ እብረታት ተዓሊም ዓመታዊ 4,000 ሓደሽቲ ወተሃደራት ክትምልምል'ዩ መደባ፡ እቲ ወተሃደራት ምምልማል ክሳብ ምዓስ'ዩ ክቕጽል'ውን ኣይተፈልጠን ዘሎ።

ክሮኤሽያ ሓንቲ ካብተን 10 ኣባላት ኔቶን እቲ ኣቋሪጸንኦ ዝነበራ ግዴታዊ ወተሃደራዊ ተዓሊም ዳግማይ ዝጀመርኦን ሃገራት'ያ።

ኣቐዲም ኣቢለን ግሪኽ፡ ቱርኪ ሃገራት ስካንዲንቭያንን ባልቲክን ግዱድ ወተሃደራዊ ተዓሊም ከካይዳ ጸኒሐን'የን።