ሞሮኮ፡ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኣገዳስነቱን

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

እታ 'ኣግማል ቀይሕባሕሪ' ተባሂላ እትጽዋዕ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ብኵራት ናብ ጸወታ ዝተመለሰት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ትማሊ ምስ ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየደቶ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ቅድመ መጻረዩ፡ ክልተ ብ ዜሮ ተዓዊታ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ዓብለሎም ተኽለዝጊ (ኣምበስ) ኣብ መበል 81 ደቂቕ፡ እቲ ኣቐዲሙ ፍጹም ቅላዕ ዝሰሓተ ዓሊ ሱሌማን ከኣ ኣብ መበል 90+4 ደቂቕ ብዘመዝገብወን ሸቶታት'ያ ነቲ ዓወት ንደገፍታ ኣበሲራ።

እታ ጋንታ ኣብ ዝተፈለለየ ኵርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን መንፈሶም ሓፍ ኣቢላ፡ ብሓፈሻ ንዅሎም ደገፍታ ድማ ተስፋ ሂባቶም።

ሓደ ደጋፊ ካብ ኬንያ "ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንመወዳእታ ግዜ ክትጻወት ካብ እንርኢ ነዊሕ ኰይኑ'ሎ" ድሕሪ ምባል፡ "ኣብ መወዳእታ ዳግማይ ኣብ ሜዳ ምርኣይን ምዕዋትን ናይ ብሓቂ ዘሕጕስ እዩ ይብል።"

ካልኣይ እግሪ ጸወታ እዘን ሃገራውያን ጋንታታት፡ 31 መጋቢት ኣብ ሞሮኮ ኣብ ተመሳሳሊ ሜዳ ክካየድ'ዩ።

ኤርትራን እዛ ሕጂ ኢስዋቲኒን ትበሃል ዘላ፣ ናይ ቅድም ስዋዚላንድ - ኣብ ታሪኸን ቅድሚ ሕጂ ክልተ ግዜ ተራኺበን ነይረን እየን።

በዚ መሰረት ኣብ ጥቅምቲ 2006 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዳኦ ግጥም፡ ብዘይ ሸቶ 0ብ0 ተፈላልየን።

ብ 9 መስከረም 2007 ኣብ ምባበን ርእሰ ከተማ ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየዳኦ ጸወታ'ውን ብተመሳሳሊ 0ብ0 ተፈላለየን።

ሎሚ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ዝተራኸባሉ ኤርትራ ክልተ ብ ዜሮ ብምዕዋት፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ክልተ ግዜ ማዕረ ዝተፈላለያኦ ታሪኽ ቀይራቶ'ላ።

እዚ ዓወት፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዳግማይ ክትንስእ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን'ዩ ዝሕፈስ ዘሎ። ኣብ መጋቢት 2026 ሓድሽ ዝተመዘዘ ግብጻዊ ኣሰልጣኒ ሓሺም ያኪን ድሮ ስርሑ ጀሚሩ ምስታ ጋንታ ተጓዒዙ።

ሓሺም ያኪን ምስ ፍልጥቲ ክለብ ዛማሌክ - ካይሮ ተኸላኻላይ ዝነበረን ኣብ ዋንጫ ዓለም 1990 ኣባል ሃገራዊት ንታ ግብጺ ዝነበረን ኣሰልጣኒን እዩ።

እዛ 24 ተጻወትቲ ዝሓቘፈትጋንታ ኤርትራ፡ ካብ ኣውስትራልያ፡ ግብጺ፡ እንግሊዝ፡ ጀርመን፡ ሆላንድ፡ ኖርወይ፡ ፊሊፒንስን ሽወደንን ዝጻወቱ ከምኡ'ውን10 ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝጻወቱ ተጻወትቲ ዘለዉዋ እያ።

ኣሰልጣኒ ሓሺም ኣብ ምጅማር መዓልቲ ስርሑ ምስ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ዘመድ ተኽለ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ነታ ካብ ኣገዳሲ ውድድራት በዂራ ዝጸንሐት ጋንታ ብምውዳብ ንቕድሚት ክትግስግስ ኣብ ምግባር ክሰርሕ ምዃኑ ተመባጺዑ።

"ኣብዚ ናብ ኣህጉራዊ ውድድር ትምለሰሉ ዘላ መድረኽ፡ ተወዳዳሪ ብቕዓት ብምንጽብራቕ ትንሳኤ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ንምብራኽን" ክሰርሕ ምዃኑ እቲ ግብጻዊ ቃል ኣትዩ።

ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኵዕሶ እግሪ ዘይምስታፋ ዋጋ ኣኽፊሉዋ እዩ። ኣብ ደረጃ ፊፋ 2025፡ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝኾነ ወግዓዊ ጸወታ ስለ ዘይተጻወተት ብዘይ ደረጃ ተሪፋ።

ኤርትራ፡ ነዊሕ ታሪኽን ዓወትን ኵዕሶ እግሪ ዘለዋ ሃገር ትዅን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰንኪ ኵነታት እታ ሃገር፣ ኲናትን ኵነታ ኲናትን - ዝተናውሐ ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ውትህድርናን ንጥፈታት ስፖርት ውሽጢ ዓዲ ተዳኺሙን ተወዳዳርነት ኣጥፊኡን ጸኒሑ እዩ።

ብሰንኪ'ዚ ኵነታት፡ ውድድራትን ዕድላትን ስፖርት ብርኡይ ስለዝተሃሰየ፡ ተጻወትቲ ዕድላት መገሻ ንኣህጉራዊ ጸወታታት ኣብ ዝረኽቡሉ፡ ኣብ ዝኸድዋ ሃገር ብብዝሒ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓቱ ተራእዮም፤ እዚ ድማ ተመሊሱ ነቲ ስፖርታዊ መንፈስን ንጥፈታትን ዘዳኽም ተርእዮ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ሕጂ ጀሚራቶ ዘላ ውጽኢት፡ ንዅሉ ዝጸንሐ ጸገማትን ድኽመታትን ተፈቲሑ እዩ ማለት'ኳ እንተዘይኰነ፡ ግን ነቲ ስራሕ ዝሓትት ዘሎ ዕቝር ጸጋታት ዘርኢ እዩ፤ ድሕሪ ዓመታት እዛ ጋንታ እንታይ ክትገብር ከምእትኽእል ዝእምት ምልክት ድማ ሂባ'ላ።