ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ዓመታት ብኩራት ትምለሶ ዘላ ጸወታ

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea
ኤርትራ ቅድመ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ንምክያድ ኣንጻር ኢስዋቲኒ ንዝተሰርዓላ ጸወታ ንምክያድ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ብኵራት ስሩዕ ኣህጉራዊ ውድድር ንምክያድ ናብ ሞሮኮ ኣምሪሓ ኣላ።
እዛ ሃገራዊት ጋንታ ብሓድሽ ግብጻዊ ኣሰልጣኒ ኮሃ ሓሺም ያኪን ተመሪሓ ናብ ሞሮኮ ከም ዝኣተወን ኣባል ህዝባዊ ርከባት ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣቶ ድራር ፍስሃየ ብ21 መጋቢት ንማዕከናት ዜና ኤርትራ ከም ዝሓበረ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ይሕብር።
እታ ሃገራዊት ጋንታ ቀዳማይ እግሪ ጸወታኣ ብ25 መጋቢት ከተካይድ'ዩ ተሰሪዑላ ዘሎ። ካልአይ እግሪ ከኣ 31 መጋቢት ከተካይድ'ያ።
እታ ሃገራዊት ጋንታ ናብ ሞሮካዊት ከተማ ካዛብላንካ ኣብ ዝኣተወትሉ ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኤርትራን ፕረዚደንት ሴካፋን ኣቶ ጳውሎስ ወልደሃይማኖት ምስ ሰብ መዚ ኵዕሶ እግሪ ሞሮኮ ብምዃን ተቐቢሎማ።
ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 12 ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝጻወቱ ተጻወትቲ እቶም ዝተረፉ 14 ከኣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ግብጺ፡ ጀርመን፡ ሽወደን ኣውስትራልያን ዝመጽኡ ተጻወትቲ ሓቚፋ ከምዘላ ሓቢሩ።
ተንታኒ ኲዕሶ እግሪ ነጋ ወልደገርግስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ዘለዋ ብቕዓት ኣብ ከመይ'ዩ ዘሎ ንዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ ብቕዓታ ንኽንመዝን ዘኽእል እኹል ውድድራት ስለዘየካየደትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ'ውን ንትዕዝብቲ ዝበቕዕ ጸወታታት ስለዘይካየድ ብቕዓታ ክትግምት ከቢድ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።
"ሓንቲ ሃገር ሓያል ሊግ እንተሃልይዋ፡ ሓያላት ተጻወትቲ ክፈርዩን ሓያል ሃገራዊት ጋንታ ክትፍጠር ትኽእል'ያ፣ ናይ ኤርትራ ግን እቲ ሊግ ዝደኸመ'ዩ፡ ካብ ምድካሙ ዝተለዓለ ከኣ ክለባት ይዅና ሃገራዊት ጋንታ ኣህጉራዊ ጸወታታት ኣይነበረንን። እዚ ክብል እንከለኹ ግን ድኹማት ተጻወትቲ ኣለዉ ማለተይ ኣይኰንኩን" ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ኣብ ዝተዘርግሐ፡ ዓመታዊ ዝወጽእ ደረጃ ኵዕሶ እግሪ ሃገራት ዘመልክት ዝርዝር፡ ፊፋ ኣብቲ ዓመት ን210 ሃገራት ኣብ ዝሰርዓሉ፡ ኤርትራ ጥራይ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 48 ኣዋርሕ ብውሕዱ ሓደ ወግዓዊ ውድድር ስለ ዘየካየደት ደረጃ ኣይተዋህባን፡" ብዝብል ካብቲ ዝርዝር ከም ዝወጸት መርበብ ሓበሬታ ፊፋ ሓቢሩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, MOI ERITREA
እታ ብኣግማል ቀይሕ ባሕሪ እትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ካብ ለካቲት 2020 ኣትሒዙ ክልተ ኣህጉራዊ ጸወታታት ጥራይ 'ያ ኣካይዳ።
ኤርትራ ካብ ተመሳሳሊ መድረኽ መጻረዪ ውድድር ኣፍኮን ኣብ 2023 ከተንሳሕብ እንከላ፡ ብድሕሪኡ ኣብ 2025 ኣብ ዕጫ ውድድራት እውን ተገሊላ ጸኒሓ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ መጻረዪ ውድድራት ዋንጫ ዓለም 2026፡ ምስታ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሞሮኮ ኣብ ዝተመደበላ ጸወታ ክካየድ ሓደ ሰሙን ክተርፎ እንከሎ ከም ዘይትሳተፍ ከም ዘፍለጠት ይዝከር።
ኣፍኮን 2027 ሃገራት ኬንያ፡ ታንዛንያን ኡጋንዳን'የን ብሓባር ከአንግዳኦ።
ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ነዊሕ ታሪኽ'ዩ ዘለዎ፣ ኣብ 1962 ሻምፒዮን ኣፍሪቃ ንዝተዓወተት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብዓብላልነት ዝተሰለፉ ተዘከርቲ ተጻወትቲ ኤርትራውያን'ዮም ነይሮም።
ይዅን እምበር፡ ዘይከምቲ ታሪኹ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እናኣንቈልቈለ ክመጽእ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ፤ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ዝዀነ ዝጥቀስ ኣህጉራዊ ውጽኢት ኣየመዝገበን።
ነጋ ወልደገርግስ፡ እዛ ሕጂ ናብ ሞሮኮ ኣምሪሓ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ብኤርምያስ ተወልደ እናተኣልየት ንኽልተ ኣዋርሕ ተጠርኒፋ ስለዝጸንሓት እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ከም ዝኽእል ይሕብር።
"ብተወሳኺ ካብ ናይ ደገ ተጻወትቲ ኣብ ግብጺ ጽቡቕ ብቕዓት ዘርኢ ዘሎ ዓሊ ሱሌማን፡ ኣብ ናይ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣካዳሚ ዝዓበየን ኣብ ሸፊልድ ዩናይትድ ትሕቲ 18 ዓመት ዝጻወትን ሴም እዮብን ካልኦትን ናብዛ ሃገራዊት ጋንታ ተጸንቢሮም ስለዘለዉ ብድምሩ ጽቡቕ ውጽኢት ክንርኢ ተስፋ ኣለኒ፣ ኣዕሚቕካ ግምትካ ክትህብ ግን ኣጸጋሚ'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, MOI ERITREA
ኤርትራ ኣቐድም ኣቢላ ምስ ካልኦት ሃገራውያን ጋንታታ ዘካየደቶ ግጥም፡ ብ28 ግንቦት 2025 ከምኡ ከኣ 26 ግንቦት 2025 ምስ ኒጀር ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየደቶ ምሕዝነታዊ ጸወታ ኣብ ቀዳም እግሪ 0 ን 0 ክፈላለያ እንከለዋ ኣብ ካልኣይ ግጥመን ኒጀር 1 ን 0 ተዓዊታ።
ብ 3 ሕዳር 2024 ከምኡ ከኣ ኣብ 31 ጥቅምቲ ኣብ ቻምፕዮን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣንጻር ኢትዮጵያ ናይ ክልተ እግሪ ጸወታ ተሰሪዑላ'ኳ እንተነበረ፡ ኤርትራ ካብቲ ጸወታ ስለ ዝበዀረት ብፎርፌ ብድምር ሽዱሽተ ንዜሮ ተሳዒራ።
እቲ ብኣካል ዘተሳተፈቶ ናይ መወዳእታ ናይ ሴካፋ ጸወታ ብ19 ታሕሳስ 2019 ብኡጋንዳ ሰለስተ ንዜሮ ዝተሰዓረቶን ብ 17 ታሕሳስ 2019 ንኬንያ ኣርባዕተ ንሓደ ዝሰዓረትሉን'ዩ ነይሩ።
ሃገራዊት ጋንታ ኢስዋቲኒ እንተርኢና ንመጻረዩ ዋንጫ ዓለም ካብ መጀመርታ ሰሙን ናይ መስከረም ክሳብ 13 ጥቅምቲ 2025 ኣርባዕተ ጸወታታት ኣካይዳ ነይራ።
ኣንጻር ካሜሮን 3 ን 0፡ ኣንጻር ሊብያ 2 ን 0 ክትስዓር እንከላ ምስ ኣንጎላ ማዕረ 2 ን 2፡ ኣንጻር ኬፕ ቨርድ ከኣ 3 ን 0 ዝተሰዓረቶ ጸወታታት ኣካይዳ ነይራ።
ኤርትራን ኢስዋቲኒን፡ ኣብ ታሪኸን ክልተ ግዜ እየ ተራኺበን: ኣብ ጥቅምቲ 2006 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዳኦ
ግጥም፡ ብዘይ ሸቶ 0ብ0 እየን ተፈላልየን።
ብተመሳሳሊ 9 መስከረም 2007 ኣብ ምባባን ርእሰ ከተማ ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየደኦ ጸወታ'ውን 0ብ0 ተፈላለየን።
ምብርባር ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ
ጳውሎስ ወልደሃይማኖት ፕረዚደንት ሃገራዊት ፈደረሽን ኮይኑ ምስ ዝተመረጸ፡ ኣብ ብዙሓት ንጥፈታት ሃገራዊ ጸወታታት፡ ካብኡ ሓሊፍ ኣብ ኣኼባታት ሴካፋ፡ ካፍን ፊፋን ክሳተፍ ተዓዚብና ኢና።
ብ 7 ለካቲት ከኣ ፕረዚደንት ሴካፋ ኰይኑ ተመሪጹ፡ ምምራጽ ኣቶ ጳውሎስ ገለ ንትንሳኤ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራን ክሕግዝ'ዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ገለ ከኣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ኣህጉራዊ ጸወታታት ኣብ ዝበዀረትሉ፡ ሴካፋ ንኤርትራዊ ዋና ጸሓፊ ገይሩ ምምራጹ ዘባጨው'ውን ነይሮም'ዮም።
ነጋ ወልደገርግስ ነዚ ክገልጽ እንከሎ "ኤርትራ ናብ ውድድር ምምላሳ ትንሳኤ ኵዕሶ እግሪ ናይ ኤርትራ ዘመልክት እዩ ክንብል እንተዄንና ብዙሕ ክማላእ ዘለዎ ረቋሒታት ኣሎ፣ መጀመርታ ናይ ውሽጢ ሃገር መሳርዕካ ኢኻ ተሐይል፣ ሊግ ክህሉ ኣለዎ፡ ናይ ዞባታት ውድድር ክህሉ ኣለዎ።
"ትንሳኤ ኵዕሶ እግሪ ክንርኢ እንተዄንና እቲ ዝነበረ ሊግ ናይ ዞባታት ክበራበር ኣለዎ፣ እቲ ተጀሚሩ ዝጠፍአ 'ግራስ ሩት' ዳግማይ ክጅምር ኣለዎ፣ እዚ ምስ ዝመጽእ ኢና ትንሳኤ እንብሎ፣ እዚ ናይ ሕጂ ግን ኤርትራ ኣብኲራ ጸኒሓ ናብ ውድድር ተመሊሳ ኢና ክንብሎ ንኽእል" ይብል።
ነጋ፡ እዚ ሃገራዊት ጋንታ ኣንጻር ኢስዋቲኒ ኣብ ሞሮኮ ተካይዶ ናይ ቅድመ መጻረዪ ጸወታ፡ ተጻወትቲ ብኻልኦት ጋንታታት ንኽርኣዩ ዕድል ስለዝፈጥር ዓቢ ረብሓ ከም ዘለዎ'ዩ ዝገልጽ።
"ኣብ ሞሮኮ ዘሎ ሊግ ጥራይ እንተርኢና ቀሊል ሊግ ኣይኮነን፣ ካብ ብዓል ብርኪናፋሶ ተጻወትቲ እናኣምጽኣ ዘጻውታ ጋንታታት'የን ዘለዎኦም፤ ንኣብነት ሓላዊ ልዳት ጋንታ ደንደን ክብሮም ሰለሙን ኣዝዩ ንፉዕ ሓላዊ ልዳት'ዩ ንሱ ናይ ምርኣይ ዕድል ክረክብ ይኽእል'ዩ።
"ሓለቓ ጋንታ ኰይኑ ይቕጽል እንተሃልዩ ኣንበስ [ዓብለል] ንሱ'ውን ክረአ ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ፣ ብዓቢኡ ከኣ ዓሊ ሱሌማን ካብታ ዘለዋ ናይ ግብጺ ጋንታ ናብ ካልእ ዝዓበየት ጋንታ ንምስግጋር ዘኽእሎ ተረኣይነት ክፈጥር ይኽእል'ዩ" ይብል ነጋ።
እቲ ጸወታ ንምንታይ'ዩ ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ ዘሎ?
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ሃገራ ብደገፍታ ማሚቛ ከተካዶ ዝግብኣ ጸወታ'ያ ካብ ሜዳኣ ልዕሊ 5 ሽሕ ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ ሞሮኮ ከተካይድ።
ሓንቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ሜዳኣ ከተካይዶ ዝግብኣ ጸወታ ኣብ ካልእ ሃገር ከተካይዶ እትግደደሉ ዝተፈላለየ ምክንያታት'ዩ ዘሎ።
ሓደ ካብኡ፡ ሜዳኣ መለክዒታት ፊፋ ወይ ካፍ ዘየማልእ ምስ ዝኸውን ብውሳነ ካፍ ወይ ፊፋ እቲ ጸወታ ኣብ ካልእ ሃገር ክካየድ ይኽእል'ዩ።
ከም ካልኣይ ነጥቢ፡ ካልእ ሃገራዊት ጋንታ ዓዲማ ጸወታ ከተካይድ ዘየኽእል ናይ ውሽጣ ናይ ጸጥታ ጸገማት ወይ ኲናት ምስ ዝህልዋ'ውን እታ ሃገራዊት ጋንታ ነቲ ጸወታ ኣብ ካልእ ሃገር ከተካይዶ ትኽእል'ያ።
እቲ ከም ሳልሰይ ነጥቢ ዝመጽእ ከኣ ዝያዳ ገንዘባዊ እቶት ንምርካብ ዝግበር ኰይኑ፡ ክልተ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ዝገብረኦ ምሕዝነታዊ ይዅን ስሩዕ ጸወታታት ዝያዳ እቶት ንምርካብ ኣብ ዝገፍሐ ስታድዮምን ብዙሕ ተዓዛቢ ንምርካብን ካብ ሜዳአን ወጻኢ ጸወታ ከካይዳ ይኽእላ'የን።
እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ወጻኢ ዝያዳ ዝድግፍዋ ዜጋታታ ምስ ዝህልውዋ፣ ንደገፍታ ንምርዋይ ኣብ ውሽጢ ሃገራ ክትገብሮ ዝግብኣ ጸወታ፡ ኣብቲ ደገፍታ ዘለውዎ ሜዳ ጸወታ ከተካይድ እትኽእለሉ'ውን እቲ ካልእ ምኽንያት'ዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ንኣብነት እታ ሃገራዊት ጋንታ ዝበዝሑ ተጸወትታ ኣብ ፈረንሳ ምስ ዘለዋ ክለባት ዝጻወቱ እንተዀይኖም፡ ቁመና እቶም ተጻወትቲ ንምዕቃብ እቲ ጸወታ ኣብ ክንዲ ኣብ ሜዳኣ ኣብ ፈረንሳ ከም ዝካየድ ክትገብር ትኽእል'ያ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንምንታይ'ያ ኣብ ክንዲ ኣብ ሜዳኣ ኣብ ሞሮኮ ትጻወት ዘላ ዝብል ከኣ እቲ ምኽንያት ሓደ ካብዚ ክኸውን ግድን'ዩ።
ተንታኒ ስፖርት ነጋ ወልደገርግስ ነዚ ኣብ ዝምልከት ክምልስ እንከሎ "ብዛዕባ እዚ ብሃገራዊ ፈደረሽን ኤርትራ ይዅን ብኮምሽን ስፖርት ዝተወሃበ ንጹር ሓበሬታ የለን፣ ብውልቀይ ብዘረኸብክዎ ሓበሬታ ግን ካፍ ስታድዮም ኣስመራ ንመለክዒታት ስታድዮም ኣየማልአን ብምባል'ዩ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ከተካይድ ወሲኑ" ይብል።
"ሃገራዊ ፈደረሽን ኤርትራ ካብ ካፍ ከምኡ ዓይነት ስምዕታ እንተመጺእዎ፡ ዝሓሰረ ክራይ ሜዳ'ዮም ረኺቦም ዝዀኑ'ምበር፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ልክዕ ኣብ ሜዳአ ትጻወት ከምዘላ ዀይኑ መታን ክስምዓ ኣብቲ ብብዝሒ ኤርትራዊ ዘለዎ ኣብ ኡጋንዳ ወይ ኬንያ ነቲ ጸወታ እንተ ተካይዶ፡ ደገፍቲ መበል 12 ተጻወትቲ ስለዝብሃሉ ደገፍቲ ምረኸበት ዝብል ርእይቶ ኣለኒ።
"ኣብ ቀጻሊ ግን ንኢስዋቲኒ ብኽልተ እግሪ ስዒራ ናብ ናይ ምድብ ጸወታ እንተኣትያ፡ እቲ ጸወታ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ከካየድ ዘይክእል እንተኰይኑ ኣብቲ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝርከብሉ ሃገራት ከተካይድ ለበዋይ ንሃገራዊ ፈደረሽን ኤርትራ የመሓላልፍ፡" ኢሉ።
እቲ ስታድዮም ኣስመራ ጐዲልዎ ዝብሃል ዘሎ መለክዒታት ኣብ ሓጺር እዋን ዝዕረ እንተዀይኑ ከኣ፡ ተዓርዩ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ሃገራ ጸወታኣ ከተካይድ ዝሓሸ ምዃኑ ነጋ ይገልጽ።
ቅድሚ ሕጂ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዘሰልጠኑ ወጻእተኛታት

ምንጪ ስእሊ, CECAFA
- ጀርመናዊ ያኪም ፊከረት 1995
- ግብጻዊ ሙሽር ዑስማን 1998-1999
- ቱርካዊ ይልማዝ የሽትሩኽ 2000
- ሞንተኔግራዊ ቮጃ ግራዳሰቪች 2002
- ሆላንዳዊ ረነ ፈለር 2006
- ሮማንያዊ ዶርያን ማሪን 2006-2007
- ሆላንዳዊ ረነ ፈለር 2007-2008
- ግብጻዊ ኣይመን ኣልየመን 2008
- ግብጻዊ ሓሺም ያኪን 2026









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


