ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተጻባኢ ኣጀንዳ ናይ ወጻኢ ኣእዳው ዘለዎ'ዩ- ኤርትራ

ባንዴራ ዝተተኽሎ ብቀይሕን ጻዕዳን ሕብሪ ዝወቀበ ህንጻ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝርከቦ ቀጽሪ መንግስቲ። ኣብ ፊቱ ሓንቲ ነዋሕ ገረብ ስየ ትርአ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣዲስ ኣበባ ኣንጻር ኤርትራ እተካይዶ ዘላ "ተጻባኢ ኣጀንዳ" ናይ ወጻኢ ድፍኢት ኣለዎ ክትብል ኣስመራ ከሲሳ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መግለጺ፡ "ናይ ኢትዮጵያ ስርዓት ሰልፊ ብልጽግና ኣንጻር ሃገረ ኤርትራን እቲ ዞባ ብዓቢኡን ሓደገኛን ግጭት ዝቕስቅስን ኣጀንዳ ይኽተል ኣሎ" ክብል ከሲሱ።

"እዚ ተጻባኢን [ብወገን ኤርትራ] ዘይተሳወረን ኣጀንዳ" ከም "ናይ ህላወ" ጉዳይ ከምኡ'ውን "በቲ ናይቲ ስርዓት ልሙድ ዝተጋነነ ቋንቋ 'ኣገዳስነት ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ'" ከምዝኾነ ዝግለጽ እዩ" ይብል እቲ ብመንገዲ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ዝወጸ ጽሑፍ።

እቲ ብክፍሊ መጽናዕትን ስነዳን ናይቲ ሚኒስትሪ ዝተዘርገሓ ጽሑፍ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ትጠልቦ ዘላ ዋንነትን መሰልን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝነጽግ ኮይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝቃላሕ ዘሎ መግለጺታት ንልኡላውነት ኤርትራ ዝዳፈር ምዃኑ የመልክት።

"ኢትዮጵያ እስርቲ ናይ ጆኦግራፊ ኮይና ኣይክትነብርን" ክብል ዝስማዕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ሃገሩ ተጠቃምነት ወደብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዞባ ብብዝሒ ህዝብን ቁጠባን ዝዓበየት ሃገር መጠን ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ኣለዋ ክብል'ዩ ዝምጉት።

መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ1993 ዝተፈጸመን ምእዋጅ ሓርነትን ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ክሳብ ምእታው በጺሖም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

እዚ ብሓሙስ 19 መጋቢት ዝወጸ ሓተታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብዛዕባ ግደ ሓይልታት ወጻኢ'ውን ኣስፊሩ ኣሎ።

"ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ኣጀንዳ ንነባሪ ምርግጋእን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጎድእ ናይ ወጻኢ መሓውራት ዘለዎን ብኡ ዝዝወርን ከምዝኾነ ጭቡጥ መርትዖ ኣሎ" ክብል'ውን ከሲሱ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ናይ ወጻኢ ኣካላት ኣየኖት ምዃኖም'ኳ ብንጹር እንተዘይጠቐሰ፡ ሰበስልጣን ኤርትራ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣሉታዊ ምትእትታው ትገብር ኣላ ብምባል ብትሪ ክነቕፉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ኢማራት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኢዳ ብምእታው ሰላምን ምርግጋእን ከይፍጠር ዕንቅፋት ትኸውን ኣላ ክብል ኣሚቱ ነይሩ።

"ኲናት ተኣዊጁ፡ ድሮናት ይመጽኣ ኣለዋ? መንዩ ነተን ድሮናት ዘምጽአን ዘሎ? መን'ዩ ነዚ ኩሉ ኣጽዋር ካብ ደገ እናሸመተ ዘምጽእ ዘሎ? መንዩ ነዚ ኩሉ ውዲታት'ዚ ዝምውል ዘሎ? ካበይ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ እቲ ገንዘብ? መን'ዩ በዚ ገንዘብ'ዚ ዝግዛእ ዘሎ ዕሱብ? ስለምንታይ'ዩ ዝግዛእ ዘሎ? እንታይ ክበልዕ እንታይ ክረክብ ኢሉ'ዩ ዝኣቱ ዘሎ? እዚ ጸወታ'ዚ፡ ናታቶም ኣጀንዳ እውን ኣይኮነን" ክብል እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ምስ ኢማራት ዓረብ "ስትራተጂካዊ" ዝምድና መስሪታ ምህላዋ'ያ ትገልጽ።

ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ናብታ ግዳይ መጥቃዕቲ ኢራን ኮይና ዘላ ወሽመጣዊት ሃገር ብምኻድ ምሕዝነቱ ኣርእዩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን እናኸፍአ ክመጽእ ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ካልእ ደማዊን ኣዕናዊን ኲናት ከየምርሕ ንህዝብታት እተን ሃገራትን እቲ ዞባን ዓቢ ስግኣት ኮይኑ'ሎ።

"ዋላ'ኳ ኤርትራ ንዞባዊ ጽምዶን ሰላማዊ ምትሕግጋዝን ቅርብቲ እንተኾነት፡ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ዝፍጸም ምግሃስ ኣትሪራ ትነጽጎ" ይብል እቲ ካብ ኣስመራ ዝወጸ ጽሑፍ።

"ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ከምዝተሰምረሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቆይቊን ህውከትን ናይ ምስታፍ ሸውሃት የብሉን። ንሰላም፡ ምርግጋእ፡ ከምኡ'ውን ሓላፍነታዊ ኣልያ ዞባዊ ዝምድናታት ተሪር መርገጺ እዩ ዘለዎ"።

ኣዲስ ኣበባ ብወገና፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ብምድጋፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዱ ብምእታው ኲናት ክውልዕ ድሌት ከምዘለዎ ክትከስስ ጸኒሓ እያ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን'ውን ነቲ ክስታት ብወግዒ ከምዘቕረበት ይፍለጥ።

ብወገን ኣስመራ ዝወሃብ ምላሽ፡ መብዛሕትኡ እዋን ሓውሲ-ዘይወግዓዊ ኮይኑ ብሚኒስተር ዜና ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጽእ ርእይቶ ወይ ከኣ ብስም "ክፍሊ መጽናዕቲን ስነዳን" ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝወጽእ ጸብጻብ መሰል "ጠመተ" እዩ።