ፍሉጥ ኣመሪካዊ ተዋሳኢ ቢል ኮዝቢ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺሪ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣመሪካዊ ኮሜዲያን ቢል ኮዝቢ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፔንሲልቫኒያ ዝወሰኖ ብይን ውድቂ ምስ ኮነ ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ።
ዳያኑ እቲ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝነበረ ፍርዲ "መስርሕ ተጣሒሱ'ዩ" ኢሎም። ይኹን'ምበር እቶም ዳያኑ ውሳንኦም ዘይተለመደ ምዃኑ ኣይክሓዱን።
ወዲ 83 ዓመት ኮዝቢ ካብ ሰለስተ ክሳብ 10 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ኮዝቢ ብ2018 ኣብ ልዕሊ ተጻዋቲት ኩዕሶ ስክዒት ዝነበረት ኣንድሪያ ኮንስታንድ ብመድሓኒት ኣደንዚዙ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብዝብል ተኸሲሱ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፊላደልፊያ ተኣሲሩ ጸኒሑ።
ንሱ ብፍላይ ብ1980ታት ፍሉጥ ኣብ ዝነበረ ኮዝቢ ሾው ኣብ ዝተባህለ ተኸታታሊ ናይ ቴሌቪዥን ድራማ ህቡብነት ክረክብ ክኢሉ።
ኣብ ሓደ እዋን "ኣቦ ኣመሪካ" ዝብል ሳጓ ተዋሂቡዎ እኳ እንተነበረ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብጺሑልና እዩ ኢለን ይኸሰኦ።
ብጉዳይ እታ ተጻዋቲት ኩዕሶ ስክዒት ግን ብወግዒ ተኸሲሱ።
እቲ ፍርዲ ኣብ ዝተመሓላለፈሉ እዋን #ሚቱ ንዝተባህለ ጎስጓስ ማሕበራዊ ሚዲያ ዓብዪ ዓወት ተገይሩ ተወሲዱ።
ይኹን'ምበር ትማሊ ኣብ ዝወዓለ መጋብኣያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፔንሲልቫኒያ ኣብ ልዕሊ ኮዝቢ ዝተዋህበ ፍርዲ ክስዓር ክኢሉ ኣሎ።
ዳያኑ፡ ጠበቓታት ኮዝቢ ምስቲ ዓቃቢ ሕጊ ዝነበረ ኮዝቢ ንከይኽሰስ ተሰማሚዖም'ዮም ይብሉ።
ድሕሪ'ዚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽአ ኮይኑ ብእግሩ ክኸይድ እንከሎ ተዳኺሙ ተራእዩ።
ኮዝቢ ክሳብ ሕጂ ንመራኸብቲ ማዕከናት ዝሃቦ ርኢይቶ የለን፤ ሓደ ካብ ጠበቓታቱ ኣንድሩ ዋየት ግን "ኣብዚ ዋዒ ዘለዎ መዓልቲ፡ ኣዝዩ ዝደመቐ ፍርዲ ተዋሂቡና" ኢሉ።
"ኮዝቢ ኩል ግዜ ሽሙ ተጠቒሙ ደቂ ኣንስትዮ ንምልዕዓል ዝጽዕር ሰብ እዩ፤ ከመይ ኢሉ'ዩ ሓደ ብኤፍቢኣይ ክትትል ዝግበሮ ሰብ ንደቂ ኣንስትዮ ዝዕምጽን ዝስምምን? እሞ ኽኣ ጸሊም ሰብ?" ኢሉ።
ፍርዲ ኮዝቢ ክቕየር ዝገበሩ ዳያኑ በዓል 74 ገጽ ትንታነ ጽሒፎም።
ንሶም ከም ዝብሉዎ እንተኾይኑ ንኮዝቢ ዝኸሰሰ ዓቃቢ ሕጊ ዝነበረ ኣብ ጉዳይ ኮንስታንድ ምስክር እንተኾይኑ ኣይኽሰስን እንተበሉ'ውን ከሲሶምዎ።
ምስክርነቶም ካብ ዝሃቡ ሰባት ድማ ምስቲ ክሲ ዘይራኸብ ምስክርነት ዝሃቡ ሰባት ከም ዘለው እቶም ዳያኑ ገሊጾም።
ስለዚ ኣብ ልዕሊኡ ግጉይ ፍርዲ ተዋሂቡ ጸኒሑ'ዩ፤ ነዚ ድማ ከም ዘይኽሰስ ብምግባር ክክሓሓስ ኣለዎ ኢሎም።
እዚ ውሳነ ንብዙሓት ኣብ ክልተ ከፊሉዎም ይርከብ።
ኣብ ኮዝቢ ሾው በዓልቲ ቤቱ ኮይና ዝተዋስአት ፊሊሺያ ራሻድ "ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ፍትሓዊት ኮይና" ዝዓይነቱ መልእኽቲ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
ዓቃቢ ሕጊ ነበር ከኣ "ዝኾነ ሰብ ፍሉይ ጥኹን ሃብታም ወይ ጉልበተኛ ልዕሊ ሕጊ ኣይኮነን" ኢሉ።
ንኮዝቢ ዝኸሰሳ ልዕሊ 30 ደቂ ኣንስትዮ ዝወከለት ጠበቓ ግሎሪያ ኣልሬድ ብወገና እቲ ውሳነ "ዘሰንብድ" ክትብል ገሊጻቶ።
ግን ድመ እቲ ውሳነ ንተግባር እቲ ውልቀሰብ ዝልውጥ ኣይኮነን ኢላ።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


