'እቲ ዝኸበደ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት'፡ ሃገራት ስግረ-ኣትላንቲክ ብንግዲ ጊላነት ካሕሳ ክኸፍላ ይግባእ ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ባርነት "እቲ ዝኸበደ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" እዩ ዝብል ኣፍልጦ ሂቡ ኣሎ።
እቲ ውሳነ ብተወሳኺ፡ ታሪኻውን ባህላውን ሓድግታት "ብቕልጡፍን ብዘይ መሰናኽልን፡" ክምለሱ ይላቦ። እዚ ድማ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት፡ ሓወልትታት፡ ኣቑሑ ቤተ መዘክር፡ ሰነዳትን ሃገራዊ ማህደርን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ብዘይ ዝዀነ ክፍሊት ናብ መበቈል ሃገሮም ክምለሱ ኣለዎም ይብል።
እዚ ብፕረዚደንት ጋና ጆን ማሃማ ዝቐረበ ኰይኑ፡ ድጋፍ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣለዎ፤ ቀንዲ ዓላማኡ ድማ ብካሕሳ ዝፍለጥ መገዲ ምሕዋይን ካሕሳ ንምኽፋልን ዝዓለመ እዩ።
እቲ እማመ፡ 123 ናይ ደገፍ ድምጽን ሰለስተ ተቓውሞን - ኣመሪካ፡ እስራኤልን ኣርጀንቲናን - ተቐባልነት ረኺቡ። ዓባይ ብሪጣንያን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ሓዊሱ 52 ሃገራት ድምጸ-ተዓቅቦ መሪጸን። ኣመሪካ፣ ኣርጀንቲናን እስራኤልን ነቲ ውሳነ ተቓዊመንኦ።
ማሃማ፡ "እዚ ውሳነ ምጽዳቑ፡ እቲ ሕሉፍ ንኸይርሳዕ ከም መከላኸሊ ኰይኑ ከገልግል'ዩ፡" ክብል ማሃማ ተዛሪቡ።
ብባርነት ዝተሃስያ ሃገራት ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት ካሕሳ ክሓታ ጸኒሐን እየን። እቲ ሞገት ግን ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ብፍላይ ገለ ብታሪኽ ካብ ኣፍሪቃዊ ባሮት ዝረብሓ ሃገራትን ትካላት ንግድን ኣብቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ባሮት ከም ዝተሳተፉ ብወግዒ ድሕሪ ምእማኖም፡ ተጋዲዱ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ካሕሳ ጊላነት እንታይ'ዩ?
ካብ መበል 15 ክሳብ 19 ክፍለ ዘመን ካብ 12 ክሳብ 15 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቀንስትዮን ህጻናትን ጅሆ ተታሒዞም ባሮት ኰይኖም ክሰርሑ ናብ ኣመሪካ ይሽየጡ ነይሮም።
ናብ ከም ስጳኛ፡ ፖርቱጋል፡ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳ ብመግዛእቲ ዝቈጻጸርኦም ከባቢታት ተላኢኾም። ኣብተን ዕሉላት መራኽብ ባሮት ክልተ ሚልዮን ሰባት ከም ዝሞቱ ይእመን።
ሳዕቤን እዚ ንዘመናት ዝቐጸለ ምዝመዛ ክሳብ ሎሚ ኣይሃሰሰን። መበቈል ሃገራትን ባሮት ዝተቐበላ ሃገራትን ማሕበረ-ቍጠባዊ ጸገማትን ዓሌታዊ ኣፈላላይን ይርኣየን ኣሎ።
ካሕሳ፡ ኣቦታቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ባሮት ተገዲዶም ንዝነበሩ ጸለምቲ ሰባት ይቕሬታ ምሕታትን ምኽፋልን እዩ።
እቲ ጋና ዘቕረበቶ እማመ፡ ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ባሮት ይቕሬታ ክሓታን ኣብ ፈንድ ካሕሳ ኣበርክቶ ክገብራን ይላቦ።

ምንጪ ስእሊ, The Washington Post / Getty Images
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጋና ሳሙኤል ኦኩድዘቶ ኣብላክዋ ንቢቢሲ ኒውስ ደይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ካሕሳ ንሓትት ኣለና ፤ ግልጺ ንዅን - መራሕቲ ኣፍሪቃ ንገዛእ ርእሶም ኣይኰኑን ገንዘብ ዝሓቱ ዘለዉ፡" ኢሉ።
"ንግዳያት ፍትሒ ክረኽቡን እቲ እንጣበቐሉ ጉዳይ ትምህርቲ፡ ማዕከን መትከሊ እግሪን ስልጠናታት ክእለትን ብገንዘብ ክድገፍን ንደሊ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ተሓላቒትን ኣብ ዓለማዊ ምንቅስቓስ ካሕሳ መሪሕ ተዋሳኢትን ዝዀነት እንግሊዛዊት ኤስተር ዞሰይ ግን፡ እቲ ውሳነ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ብዙሕ ኣይትተኣማመንን።
"ኣብዚ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ቦታ ክሕዛ ምርኣይ ዘተባብዕ'ዩ፤ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ግን ኣጸጋሚ ክኸዉን'ዩ። ሰባት ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ታሪኽ ግጉይ ሓበሬታ'ዩ ዝወሃቦምዘሎ፡" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, United Nations
ነዚ ዝድርኽ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ኣሎ ድዩ?
እወ - እቲ ዝያዳ ዝፍለጥ ጉዳይ ካሕሳ ናይ ጀርመን እዩ። ካብ 1952 ኣትሒዛ፡ ንእስራኤል ዝኸፈለቶ ክፍሊት ሓዊሱ፡ ንኣይሁዳውያን ግዳያት ስርዓት ናዚ ልዕሊ 80 ቢልዮን ዶላር ከፊላ።
ክሳብ ሕጂ ግን ገላዩ ካብ ዝነበሩ ኣፍሪቃውያን ዝተወልዱ ወይ ንዝተጎድኣ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካሪብያንን ላቲን ኣመሪካን ካሕሳ ባርነት ዝኸፈለት ሃገር የላን።
ኣብ ባርነት ብዘለወን ተራ ብወግዒ ይቕሬታ ዝሓተታ ሃገራት ከይተረፋ (ሆላንድ ኣብ 2022)፡ ቀጥታዊ ገንዘባዊ ካሕሳ ክኸፍላ ኣይከኣላን።
መንግስቲ ሆላንድ ኣብ ክንድኡ "ጊላነት ዘስዓቦም ጸገማት ንምፍታሕ ዝዓለመ ማሕበራዊ ተበግሶታትን ፕሮጀክትታትን" ዝውዕል ናይ 230 ሚልዮን ዶላር ማዕከን ኣቝሙ።
"እቲ ክንርድኦ ዘለና ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር፡ ንዝሓለፈ ክቕይር ዝፍትን ሰብ ከም ዘየለ'ዩ፣ ኣብ ህሉው እዋን ንዘሎ ሳዕቤናቱ ንምፍታሕ'ዩ፡" ትብል ዶክተር ሴሌስቲ ማርቲነዝ ዝተባህለት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መግዛእቲ ስጳኛ እትነጥፍ ተመራማሪት።
"ገጻት ባርነት ሎሚ'ውን ብመልክዕ ዓሌትነትን ዘይማዕርነትን ይቕጽል ኣሎ። ፍትሓውን ደሞክራስያውን ሕብረተሰባት እንተደሊና ንሕሉፍ ክንፈልጥ ወሳኒ'ዩ።"

ምንጪ ስእሊ, Universal Images Group via Getty Images
ሕቡራት ሃገራት እንታይ ክቕይር ይኽእል?
ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ፍትሒ ካሕሳ ደጊፉ'ዩ፤ ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ቮልከር ቱርክ ኣብ መስከረም 2025 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብዚ ንላዕሊ ብምኻድ፡ ከምዚ ዓይነት ፍትሒ "ብዝተፈላለዩ መልክዕ ካሕሳ" ከጠቓልል ኣለዎ ኢሉ።
ይዅን እምበር፡ ኵለን 193 ኣባል ሃገራት ሓደ መንበርን ሓደ ድምጽን ዝረኽባሉ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ውዕላት ድምጺ ሂቡ ወይ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣይፈልጥን።
ሓፈሻዊ ባይቶ፡ ካሕሳ ክወሃብ ኣለዎ ኢሉ ክውስን ኣይክእልን እዩ፣ እንተዀነ ነቲ ዕላማ ፖለቲካዊ ሕጋውነት ከላብሶ ይኽእል።
"እዚ ክትዕ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምክያድ ድሮ ብፖለቲካዊ መዳይ ዓቢን ትርጕም ዘለዎን ስጕምቲ'ዩ፡" ትብል ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ላዕለወይቲ ተመራማሪት ዓሌትነት ኣልማዝ ተፈራ።
"እዚ ድማ ሃገራት ኣብ ጉዳያት ካሕሳ ንክዘራረባን ኣብ ዘተታት ዝያዳ ለውጢ ንከርእያን መንገዲ ይኸፍት።"
እዚ ብገንዘብ ክንደይ ይግመት?
ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝዝረበሉ መዳያት ናይዞም ጽገናታት፡ እቲ ሕሳብ ብመን'ዩ ክኽፈል፡ ክንደይከ'ዩ ዝብል እዩ።
ባሮት ዝውንኑ ዝነበሩ ኩባንያታት፡ ትካላትን ስድራቤታትን ካሕሳ ክኸፍሉ ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ።
ኣብ መብዛሕትኡ እማመታት ግን እቲ ሓላፍነት ብደረጃ መንግስቲ ክኸውን ኣለዎ።
ኣብ 2013፡ ካሪኮም – 15 ሃገራት ካሪብያን ዝሓቘፈ ውድብ – ዓሰርተ ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ካሕሳ ፍትሒ ኣውጺኡ።
እቶም እማመታት ካብ ምስራዝ ዕዳ ወጻኢ ናብ ወፍሪ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነትን ህዝባዊ ጥዕናን ዝጠልቡ እዮም።
እቲ ውድብ ኣብ 2023፡ እተን 15 ሃገራት ካሪብያን ካብተን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ብውሑዱ 33 ትሪልዮን ዶላር ዕዳ ከም ዘለወን ዝገልጽ መጽናዕቲ ኣቕሪቡ።
"መንግስቲ ውልቀሰባት፡ ትካላትን ኣብ ባርነትን መግዛእቲን ዝሳተፍሉ ሃዋህው ብምፍጣሩ፡ ገበነኛ'ዩ፡" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዌስት ኢንዲስ ፕሮፌሰርን ምክትል ኣደ መንበር ኮምሽን ካሕሳ ካሪኮምን ዝዀነት ቨሬና ሸፐርድ።

ምንጪ ስእሊ, Ullstein Bild via Getty Images
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ፓትሪክ ሮቢንሰን ዝተባህለ ዳኛ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ ካብዚ ዝዓቢ ኣሃዝ ሒዙ'ዩ መጺኡ።
ካብ ፖርቱጋልን ዓባይ ብሪጣንያን ናጻ ድሕሪ ምውጽአን ካብ ዕዮ ባሮት ተጠቀምቲ ዝዀና ከም በዓል ብራዚልን ኣመሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት ሓዊሱ 31 ሃገራት 107 ትሪልዮን ዶላር ሓባራዊ ዕዳ ክኸፍላ ኣቕሪቡ።
ሓደ ካብቲ ቀንዲ ንባርነት ዝምልከት ጸገማት ካሕሳ፡ ግዜ ምሕላፍ'ዩ።
መብዛሕትኦም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ጉዳያት - ከም ክፍሊት ግዳያት ናዚ - እቶም ውጻእ መዓት፡ ብህይወት ከለዉ እዮም ተፈቲሖም።
እቲ ኣብ ግምት ዝኣቱ ነገራት ኵሉ ግዜ ዝተሓላለኸ - መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ዘካትዕ ምዃኑ ይእመን።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኲንስ ቤልፋስት መምህር ዝዀነ ክኢላ ሕጊ ሉክ ሞፈት፡ እቶም ኣሃዛት ተግባራዊ ከም ዘይኰኑ ጥራይ እዩ ዝኣምን።
"ብሕጋዊ መዳይ ክትወጽኦ ዘይክእል ገዚፍ እምባ'ዩ፣ እዚ ማለት ግን እቶም ዝምልከቶም ወገናት ኮፍ ኢሎም ክዘራረቡ የብሎምን ማለት ኣይኰነን፡" ይብል።
ከም ናይ ካሪኮም ዝኣመሰሉ ጐስጓሳት ኣብ ፋይናንስ ጥራይ ዘተኰሩ ኣይኰኑን። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ቅሬታ ናይቲ ውድብ፡ መብዛሕትአን ካብ ባርነት ብገንዘብ ተጠቀምቲ ዝዀና ሃገራት ወግዓዊ ይቕሬታ ዘይምሕታተን እዩ።
"እቲ መስርሕ ምሕዋይ ግዳያትን ዘርኦምን፡ መንግስታት ኤውሮጳ ልባዊ ወግዓዊ ይቕሬታ ክሓቱ ይጠልብ፡" ትብል ቨሪን ሸፐርድ።
"ገሊኦም ኣብ ክንድኡ ናይ ጣዕሳ መግለጺታት ኣውጺኦም ኣለዉ። እዚ መግለጺታት እቶም ግዳያትን ዘርኦምን ይቕሬታ ከም ዘይግብኦም'ዩ።"
ኣብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (OHCHR) ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሳራ ሓሙድ፡ ከምዚ ዓይነት ኣፍልጦ ምሃብ ኣብ ዝዀነ መስርሕ ምሕዋይ ፍትሒ ወሳኒ ምዃኑ ትዛረብ።
"እቲ ፋይናንሳዊ ወገን ሓደ ክፋል ናይዚ ጥራይ'ዩ። ንሕድሪ ባርነት ምሉእ ብምሉእ ዝቘጸረት ወይ ኣብ ህይወት ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ሰባት ዘስዕቦ ጽልዋታት ብኹለመዳያዊ ጸብጻብ ዝሃበት ሃገር ከም ዘየላ ብተደጋጋሚ ገሊጽና ኢና" ትብል።
"ወግዓዊ ይቕሬታ ምሕታት፡ ሓቂ ምዝራብን ትምህርትን ኵሎም ኣካል ናይቲ ሰፊሕ ስጕምትታት እዮም።"












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


