እንግሊዝ፡ ንሓመድ-ሬሳ ሓደ ኢትዮጵያዊ ዘርአ-ነገስት ደጊማ ኣይህብን ኢላ

ልኡል ኣለማየሁ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ግምቢ ዊንድሰር ብመበል 19 ክፍለ ዘመን ዝተቐብረ ዓስከሬን ሓደ ኢትዮጵያዊ ልኡል፡ ክህብ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ደጊሙ ኣይመልስን ኢሉ።

ልኡል ኣለማየሁ ወዲ 7 ዓመት እንከሎ’ዩ ካብ ኢትዮጵያ ተወሲዱ፣ ኣደኡ ኸኣ ኣብ ጕዕዞ (ንዓዲ እንግሊዝ) ሞይታ።

“ንዓስከሬኑ ንሃገሩ ክምለስ ኢና ንደሊ፣ ኣብዚ ኣይኰነን ተወሊዱ፡ እዚ ዓዱ ኣይኰነን” ክብል ንቢቢሲ ዘዛራረበ፡ ካብቲ ቤተሰብ ዝውለድ ዘመድ ዝዀነ ፋሲል ሚናስ።

“ሬሳኡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክቕበር ቅኑዕ ኣይኰነን” ክብል ከኣ ይውስኽ።

ልኡል ኣለማየሁ ምስ ዓበየ - 18 ዓመት ምስ መልአ - ብ1879 ሕማም ጸገማት ምስትንፋስ ምስ ሓደሮ’ዩ ሞይቱ፤ ክሳብ’ቲ ዝተሰናበተሉ እዋን ብእንዳ ንጉሳዊ ቤተሰብ ይእለ ነበረ።

እቲ ብወሃብ-ቃል እንዳ ንጉስ ንቢቢሲ ዝተላእከ ሓበሬታ፡ “እቲ ሓመድ-ሬሳ ልኡል ኣለማዮ እንተደኣ ካብ መቓብሩ ኣውጺእና ንኢትዮጵያ መሊስናዮ፡ እቶም ኣብ ቀጽሪ ግምቢ ዊንድሰር ዝርከብ ቤት-ጸሎት ቅዱስ ጊዮርጊስ - ኣብ መተሓላልፎ ጕርጕሓት (ኣብ ትሕቲ ምድሪ’ቲ ቤት ጸሎት) ተቐቢሮም ዘሎዉ እንታይ ይዅኑ?” ክብል መሊሱ።

እቲ ዓስከሬን ፍሒርና ከነውጽእ ነቲ መዕረፊ ካልኦት ኣብ ክቡ ዘለዉ ብርክት ዝበሉ ሬሳታት ብርግጽ ናዕዋ ክፈጥር ስለ ዝዀነ፡ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ወኸሳ ብቝዕ መልሲ ኣይክረከብን’ዩ” ክብል ግቢ ባኪንግሃም መልሲ ሂቡ።

እቲ ዝቐረበ መልሲ ከም ዝእምቶ፡ እቶም ሓለፍቲ ናይቲ ቤት ጸሎት ከኣ ከም ዝብልዎ እቲ ጕዳይ - ንተዘክሮታትን ልኡል ኣለማየሁ ይትንክፍ ብምዃኑ ተኣፋፊ’ዩ በሃልቲ’ዮም። ክብሩ ንምዕቃብ ሓላፍነት ከም ዘለዎም’ውን ይጠቕሱ ዝዛረቡ። እቲ ብሰላም ዘዕርፈሉ ቦታ ክትንከፍ ኣይጽቡቕን በሃልቲ’ዮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብተወሳኺ እንዳ ንጉስ ንልኡኽ ኢትዮጵያ ነቲ ልኡል ኣለማየሁ ተቐቢሩሉ ዘሎ ቤት ጸሎት ንኽበጽሑ ከም ዝተሓባበርዎም ይገልጽ።

ልኡል ኣለማየሁ ከመይ ኢሉ ንዓዲ እንግሊዝ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ከም ዝመጸ ብዘርኢ ኸኣ እቲ ጕዳይ ንጉሳዊ ኢድ ከም ዝነበሮ፡ ብሕጽረት ዲፕሎማሲ ዝተሰነየ ከም ዝነበረ ኸኣ ይንገር።

ብ1862፡ ግዝኣቱ ንኸሐይል ኣቦኡ ንልኡል ኣለማየሁ - ሃጸይ ቴዎድሮስ ዳግማዊ - ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝምድናኡ ከደልድል ወሰነ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ናብ ንግስቲ ቪክቶርያ ዝልኣኾ መልእኽቲ መልሲ ከይረኸበ ተረፈ።

በቲ ጕዳይ (መልሲ ብዘይምርካቡ) ተቘጢዑ፡ ሃጸይ ቴዎድሮስ ነቲ ጕዳይ ብኢዱ ተታሓሒዝዎ፣ ንገለ-ገለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤውሮጳውያን - ኣብ መንጐኦም ቆንስል ዓዲ እንግሊዝ ዝነበሮም - ከም ጅሆ ሓዞም። እቲ ጕዳይ ቀልጢፉ ስለ ዝተባርዐ፡ እንግሊዝ፡ ነቶም ብጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንምድሓን ማዕረ 13,000 ወተሃደራታ ከምኡ’ውን ወተሃደራት ህንዲ ኣዋፈረት።

ሓደ ኣባል ሙዚየም ዓዲ እንግሊዝ ምስቲ ዝተዋፈረ ሓይሊ ከም ዝነበረ ይጥቀስ።

ብግንበት 1868 እቲ ዝተዋፈረ ሓይሊ ንሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብቲ ዓሪዱሉ ዝነበረ - መቕደላ - ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ - ኣጥቅዕዎ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ከኣ ንድፋዓቱ ፈንጢዞም ኣተዉ።

ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣክንዲ ብእንግሊዝ ዝማረኽ ሞት ይሓይሽ ብምባል ንነብሱም ቀተለ፤ ብእኡ ምኽንያት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ጅግና ዓቢ ዝና ረኸበ።

ድሕሪ’ቲ ውግእ፡ እንግሊዝ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ባህላዊ ይዅን ሃይማኖታዊ ኪነ-ጥበብ (ቅርሳ-ቅርሲ) ዘመቱ። ካብኦም ወርቃዊ ኣኽሊል፡ ጽሑፈ-ኢድ፡ ስልማት ክሳድ ኰነ በብዓይነቱ ልብሲታት ይርከብዎ።

ተመራመርቲ ታሪኽ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ሽዑ ዝተዘምተ ኣቝሑ ብደርዛን ሓራምዝ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኣባቕል ተጻዒኑ ተወስደ። እቲ ሽዑ ዝተዘምተ ንብረት ኢትዮጵያ ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ ዝርከቡ ቤተ መዘክራትን ቤተ-መጻሕፍቲ ከምኡ’ውን ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ይርከብ።

እንግሊዝ ንልኡል ኣለማየሁን ኣደኡን - ንግስቲ ጥሩወርቅ ዉበ - ጨውዮም ወሰዱዎም።

ልኡል ኣለማየሁ ምስ ካፒተን ስፒዲ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ልኡል ኣለማየሁ ምስ ካፒተን ስፒዲ

ብሸነኽ እንግሊዝ ዝተወሃበ መግለጺ ንድሕነቶም ዝተወስደ ውሳነ’ዩ ኢሎም ይገልጽዎ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣንድሩው ሄቨንስ ዝተባህለ ተመርማሪ ታሪኽ፡ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኣብ ከባቢ መቕደላ ጸላእቲ ስለ ዝነበሩዎ፡ ካብቶም ጸላእቲ ንኸነድሕኖም ኢና ጨዊናዮም፡ ዝብል ሓተታ የቕርብ። ንሱ “እቲ ልኡልን ዝተዘርፈ ንብረትን” ኣብ ዘርእስቱ መጽሓፍ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ኣለማየሁ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ በጽሐ ንግስቲ ቪክቶርያ ደንገጸትሉ - ዘኽታም ብምዃኑ። ንመጀመርታ እዋን ኣብ ‘ኣይል ኦፍ ዋይት’ ዝበሃል ኣብ እንዳ ንግስቲ ቪክቶርያ መዕረፊ ቦታ - ኣብ ደቡብ እንግሊዝ ትርከብ ደሴት ተራኸቡ።

እታ ንግስቲ ብገንዘብ ክትሕግዞ ወሰነት፤ ኣብ ዑቝባ ካፒተን ትሪስትራም ቻርለስ ሶውየር ስፒዲ ዝተባህለ መኰነን ከም ዝኣቱ ገበረት፤ እቲ መኰነን ካብ ኢትዮጵያ ዘሰነዮ ሰብ እዩ ዝነበረ።

ኣብ ፈለማ ልኡል ኣለማየሁ ምስ ካፕቴን ስፒዲ ኣብቲ ደሴት - ኣይል ኦፍ ዋይት - ይነብር ነበረ። ደሓር ግን ኣብ ኵሉ፣ ንህንዲ ከይተረፈ ሒዙዎ ይዀልል ነበረ።

ሽዑ ንግስቲ ቪክቶርያ ንልኡል ኣለማየሁ ስሩዕ ትምህርቲ ክኣቱ ኣለዎ ክትብል ወሰነት።

እቲ መጀመርታ ዝኣተዎ ቤት ትምህርቲ ናይ መንግስቲ ነበረ፤ ስለ ዘይፈተዎ ግን ናብ ሳንድሀርስት ዝተባህለ ፍሉጥ ወተሃደራዊ ቤት ትምህርቲ ሰገረ። ኣብኡ ኸኣ ደንዲኖም ሰላም ከልእዎ።

ልኡል ኣለማየሁ ንኢትዮጵያ ክምለስ ይደሊ ነበረ፡ ግን ኣይኰነሉን።

ንቢቢሲ ዘዛረበት ኣበበች ካሳ፡ “ከምዛ ብቐረባ ዝፈልጦ የሕዝነኒ” ትብል፣ ንሳ ሓንቲ ካብቲ ዘርኢ’ቲ ትውለድ ሰብ እያ። “ካብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ዓዲ ጸለምቲ መንጢሎም ወሲዶሞ ከይኣክል፡ ዓዲ ከም ዘይብሉ ኣብዚ ከንብርዎ ዓገብ’ዩ ኢላ ወሰኸትሉ።

ኣብ መወዳእታ ኣለማየሁ፡ ኣብ ገዛ መምህር ተቘጺሩሉ ኣብ ሊድስ ዝተባህለ ከተማ ይነብር ነበረ። ግን ጥዕና ኣይረኸበን። ሕማሙ ፖልሞኒተ (ነድሪ ሳምቡእ) ከይኰነ ኣይተርፍን። ሓደ እዋን፡ ስሚ ዝህቡዎ ዝነበሩ መሲሉዎ፡ መድሃኒት ኣይወስድን’የ ኢሉ እምቢ በለ ይበሃል።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንዓሰርተ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 18 ዕድመኡ ብ1879 ሞተ።

ሞት ኣለማየሁ ኣብ ጋዜጣታት ዓዲ እንግሊዝ ተቓልሐ፣ ንግስቲ ቪክቶርያ ድማ ሓዘነት።

ብሞት ኣለማየሁ ኣብ ‘ዲያሪ’ (ዕለታዊ መዝገባ) ናይ ሓዘን ጽሑፍ ተጻሒፉ ይርከብ።

“ሎሚ ንግሆ ሞት ኣለማየሁ ብምስምዐይ ኣዝየ ሓዚነ ... ኣብ ዓዲ ጓና፡ ብዘይ ሰቡን መቕርቡን ንበይኑ ክመውት ኣሰንቢዱኒ” ክትብል ንግስቲ ቪክቶርያ ጓሂኣ መዝጊባቶ’ላ።

ልኡል ኣለማየሁ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልኡል ኣለማየሁ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ

“ኣለማየሁ ሕጕስ ኣይነበረን፣ ዝተፈላለዩ ጸገማት ኣስተማቒሩ’ዩ። ኣብ ቀረባ ስለ ዝነበረ ኸኣ ኵሉ ጸሊም ብምዃኑ ኣትኲሮም ዝጥምትዎ ዝነበሩ ኰይኑ ይስምዕ ነበረ ... ኵላህና ጒሂና” ኢላ ድማ ትውስኽ።

ብድሕሪኡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ኣብ ግምቢ ዊንድሰር ተዳለወሉ።

እዚ ሕጂ ዓስከሬኑ ንዓዲ ክምለስ ኣለዎ ዝብል ጠለብ ሓዲስ ነገር ኣይኰነን።

ብ2007፡ ናይ ሽዑ ግዜ ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ዝነበሩ - ግርማ ወልደጊዮርጊስ፡ ሓመድ-ሬሳኡ ንኢትዮጵያ ክምለስ ዕላዊ ደብዳቤ ናብ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ልኢኹ፣ እንተዀነ እቲ ጕዳይ ኣይሰለጠን።

“ዓስከሬን ኣለማየሁ ንሃገሩ ክምለስ ኢና ንደሊ፣ ኣብ ሃገር ባዕዲ ተቐቢሩ ክተርፍ ኣይንደልን ኢና” ትብል ኣበበች።

“ኣብዚ ሕማቕ ህይወት’ዩ ኣሕሊፉ። ብዛዕብኡ ክሓስብ ንብዓተይ ይስዕረኒ። ዓስከሬኑ እንድሕሪ ተመሊሱ ከምዛ ብህይወቱ ዝምለስ ዘሎ ኰይኑ ክስምዓኒ’ዩ” ትብል ኣበበች።

ካብዚ ሓድሽ ንጉስ - ንጉስ ቻርለስ 3ይ - እወታዊ መልሲ ትረክብ ኰይኑ ይስምዓ ነበረ።

“እቲ ሬሳ ናብ ዋናኡ ምምላስ የድሊ - ብካሕሳ’ውን ዕርቂ ይፍጠር’ዩ ...ነቲ ዝተፈጸመ ጌጋ ንምዕራይ” ይብል እቲ ብርክባት ኢትይጵያን እንግሊዝን ዝፈላሰፍ ምሁር ፕሮፈሰር ኣሉላ ፓንክሀርስት።

ንሓመድ ሬሳ ኣለማየሁ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ንመንግስቲ እንግሊዝ “በቲ ቀደም ዝፈጸመቶ ጌጋትት ከተስተንትንን ክትሓስብን ሓጋዚ’ዩ፣ ምስቲ ብግዜ ግዝኣት እንግሊዝ ዝተፈጸሙ ሕሉፋት ጌጋታት የተዓርቓ” ይብል ፕሮፈሰር ኣሉላ።