ኣብ ህሞት ሞትና እንታይ'ዩ ዝስመዐና?

ምስሊ ሞት

ምንጪ ስእሊ, Sam Chivers

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሳይንቲስት ናብ ሞት ዝተጸገዐ ኵነታት ዘጋጠሞም ሰባት ኣጽኒዖም፤ ነዚ ስዒቡ ኣብ ናይ መወዳእታ ህሞታትና ኣብ ሓንጎልና እንታይ ከም ዘጋጥም ንምፍላጥ ሓደ ስጉምቲ ተጸጊዖም ኣለዉ።

መስራቲ ኣፕል ስቲቭ ጆብስ፡ ቅድሚ ምሟቱ ናይ መወዳእታ ቃላቱ፡ "ኦ ዋው፡ ኦ ዋው፡ ኦ ዋው" ዝብላ ነይረን።

እቲ ስማርትፎን ዝመሃዘልና ዲጂታላዊ ፈጣሪ ጆብስ ንሞት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን እንታይ እዩ ተራእይዎ?

ብሓቂ ፈጺምና ክንፈልጦ ኣይንኽእልን።

ዛንታታት ናብ ሞት ዝቐረቡ ተመኮሮታት ግን ንህያዋን ብድሆታት ይዀኑ ኣለዉ፣ ሞት ክቐርብ ከሎ ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ደቂ ሰባት ፍሉይ ነገር ዝፍጸም ይመስል።

ዋላ እኳ ምስክርነት ተመኩሮታት ናብ ሞት ዝቐረቡ እዋናት እንተሃለወ፡ ኣብ ኵነታት ሞት ዝነበሩ ህሞታት ብዓቢኡ ምስጢር ኮይኑኖም ይቕጽሉ እዮም ዘለዉ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ካብቶም ዝሞቱ ዝነበሩ ተሓከምቲ፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ሓንጎል ዝምልከት መረዳእታ ብምእካብ፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ህሞት ህይወት እንታይ ከም ዘጋጥም ክምርምሩ ጀሚሮም ኣለዉ።

ተመራመርቲ፡ መዛግብቲ ኤሌክትሮኤንሴፋሎግራም (EEG) ብምጥቃም፡ ኣብተን ቅድሚ ሞት ዝርከባ ህሞታት ቅዲ ንጥፈታት ሓንጎል ብኸመይ ከም ዝቕየር ክዕዘቡ ክኢሎም።

እቲ ውጽኢት ክሳብ ሕጂ መባእታዊ እዩ።

እንተኾነ ግን ፍሉይ ምፍንጃር ንጥፈታት መትኒ ዘርኢ ኰይኑ፡ ሓንጎልና ሞት ከምዝቐረበ ኣብ ዝርድኣሉ ዘሎ እዋን፡ ብሓቂ ገለ ትርጉም ዘለዎ ነገር ይፍጸም ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

ሓንጎል ምስ ዝመውት

ኣብ ሞት መጽናዕቲ ምክያድ ቀሊል ኣይኰነን። ብፍላይ ኣብ ሓንጎል ዘተኮረ መጽናዕቲ ዝያዳ ከቢድ እዩ። ምኽንያቱ ዝሞቱ ሰባት ተመክሮኦም ከካፍሉና ኣይኽእሉን።

ገለ ተመራመርቲ፡ ስካን ሓንጎል፡ ቃለ መሕትትን ካልእ ሕክምናዊ መረዳእታን ተጠቒሞም፡ ኣብ ምቁራጽ ልቢ ዘጋጠሞምን 'ናብ ህይወት ዝተመልሱን' ሰባት መጽናዕቲ ኣካይዶም። እዚ ግን ንሓቀኛ ሞት ዝውክል ኣይኰነን - እንተወሓደ ሓንጎል ብዝምልከት ማለት እዩ።

ዋህዮታት ሓንጎል ዋሕዚ ደም ምስ ተቛረጸ ንሓጺር እዋን ንጥፈቶም ንምቕጻል ዘኽእሎም ዕቑር ጉልበት ኣለዎም።

እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ኤሌክትሮኤንሴፋሎግራም ዝረአ መስመር ቀጥታዊ ምዃኑ ብሓቂ ንሞት ሓንጎል ዝውክል ኣይኰነን።

ኣብ ሉዊስቪል ኬንታኪ ሓኪም ኒውሮሰርጅንን ኒውሮሳይንቲስትን ዝዀነ ዶክተር ኣጅማል ዘማር፡ ከም ዝብሎ፡ ሓቀኛ ሞት ሓንጎል ዝመጽእ ድሒሩ እዩ። እዚ ድማ ህርመት ልቢ ደው ምስ በለ ልዕሊ ሓደ ደቒቕ ክወስድ ይኽእል። ሽዑ'ዩ ኤሌክትሮኤንሴፋሎግራም፡ ንጥፈታት ሓንጎል ከምዝተቛረጸ ዘመልክት።

ናብ ሓንጎል ዝበጽሕ ዝነበረ ኦክስጅን ክቋረጽ እንከሎ፡ ሃይፖክስያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኩነታት ይፍጠር። ሽዑ ተኸታታሊ ፍጻመታት የጋጥሙ።

እቲ ቀዳማይ ፍጻመ፡ ሓንጎል ንሕጽረት ኦክስጅን ምላሽ ኣብ ዝህበሉ እዋን ዘጋጥም ልዑል ፍንጀራ እዩ። እዚ ድማ ንህይወት ንምድሓን ዝግበር ባህርያዊ ፈተነ ዝውክል ክኸውን ይኽእል።

ብድሕሪ'ዚ ትሑት ምድግጋም ንጥፈታት ሓንጎል ይስዕብ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ኤሌክትሮኤንሴፋሎግራም ዝርአ መስመር ቀጥ ዝበለ ይኸውን።

ሓንጎል
መግለጺ ስእሊ, ሃይፖክስያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኩነታት ኣብ ሓንጎል ተኸታታሊ ፍጻመታት የስዕብ

ሃይፖክስያ ምስ ኣጋጠመ ኣብ ዝዀነ እዋን ዋህዮታት ሓንጎል ክሞቱ ይጅምሩ። እዚ ድማ ዲፖላራይዘሽን ብዝበሃል መስርሕ ይጅምር።

ኣብ እዋን እዚ መስርሕ እዚ፡ ዋህዮታት መትኒ ኤሌክትሪካዊ ዋሕዚ ይስእኑ። እዚ ድማ ሓንጎል ኒውሮትራንስሚተር ኬሚካላት፡ ሶድየም፡ ኣዮናት ፖታስየምን ካልሲየምን ከምኡ'ውን ካልኦትን ንኽለቅቕ ይድርኾ።

ብተወሳኺ እዚ መስርሕ እዚ፡ ድሕሪ ሞት ኣብ ንባባት ኤሌክትሮኤንሴፋሎግራም ነዝርአ ሰፊሕ ምውሳኽ ንጥፈታት ምኽንያት እዩ።

ዶክተር ኣጅማል ዘማር፡ ነዚ "ሰለስተኣዊ ማዕበል ሞት" ኢሉ ይጽውዖ።

እቲ ቀዳማይ፡ መትኒታት ንነሕድሕዶም ምርድዳእ፡ ኣብ ዘቋርጽሉ እዋን ብዘይ ቁጽጽር ከም ርችት ክፍንጀሩ እንከለዉ ይውክል።

እዚ 'ማዕበል ሞት' መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እንስሳታት ኣብ ዝተገብሩ መጽናዕቲታት ዝተራእየ ኮይኑ፡ ኣብ ደቂ ሰባት'ውን ክረአ ተኽእሎ ኣሎ።

ሓደ ወዲ ሰብ ኣብ'ዚ መስርሕ'ዚ ዝኾነ ነገር ዘጋጥሞ፡ ኣብ'ቲ ናይ መጀመርታ ዝርግርግ ዝበለ ንጥፈታት ማዕበል ሓንጎል ክኸውን ይኽእል።

እዚ ግን ዘይከም 'ማዕበል ሞት' ኣዝዩ ዝተዋደደ እዩ።

ምስሊ መወዳእታ ህሞት

ምንጪ ስእሊ, Sam Chivers

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንዝተፈጸመ ተመክሮ ዝውክል ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ እቲ ዶክተር ይገልጽ።

እዚ ኣብቶም ናብ ሞት ዝቐረቡ ተመኩሮ ከምዘጋጠሞም ዝሕብሩን ከምኡ'ውን ኣብቶም ብጭቡጥ ዝሞቱን ሰባት ከጋጥሞም ዝኽእል ነገር'ዩ። እንተዀነ፡ ሳይንስ ገና ኣየነጸሮን።

ነቲ ምፍንጃር ንጥፈታት ኤሌክትሮኤንሴፋሎግራም ዝረኸቡ ግን ኵሎም ኣብ ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ኣይኰኑን። እዚ ድማ ተመራመርቲ ስለምንታይ ሓደ ሓደ ግዜ ጥራይ ከም ዝረአ ክሓቱ ደሪኽዎም እዩ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ከይዲ ሞቱ ዝርከቡ ሰባት እንታይ ከጋጥሞም ክፍለጥ ዝኽእል ኣይኰነን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ኒውሮሳይንቲስት ዝዀነት ዶክተር ጂሞ ቦርጂጊን፡ መትንኣዊ መረጋገጺ ናብ ሞት ዝቐረቡ ተመኩሮታት ረኺባ ክትከውን ከምእትኽእል ትጥርጥር።

ንሳ ካብ ዝመርሐቶ መጽናዕቲ ዝተረኸበ መረዳእታ፡ ምስ ዝኽሪ ዝተኣሳሰሩ ከባቢታት ሓንጎል ቅድሚ ምሟቶም ኣዝዮም ንጡፋት ምዃኖም ዝሕብር መርትዖታት የጠቓልል።

እዚ ድማ ምስቲ ካብ ናብ ሞት ዝቐረቡ ተመኩሮታት ዝደሓኑ ሰባት ብዛዕባ ኣብ ህይወቶም ዘጋጠሙ ፍጻመታት፡ ወይ ድማ ኣብ 'ናይ መወዳእታ' ህሞታቶም ዝፈትውዎም ሰባት ምርኣዮም ዝገልጽ ጸብጻባት ዝሰማማዕ እዩ።

"ስድራታቶም ኣብ ቅድሚኦም የለዉን፡ ኣዒንቶም እውን ተዓሚተን እየን" ትብል። "ብገለ መልክዑ ግን እዚ ስእነት ኦክስጅን ናብ ምስትዋስ ዝኽሪ ዝመርሑ ፍጻመታት የበግሱ።"

'ማዕበል ሞት' ዝኽርታት ዘበግስ እንተዀይኑ፡ ቦርጂጊን፡ ሓንጎል ናይ መወዳእታ ህሞታቱ ብኸመይ ከምዘስተማቕሮ ዘመልክት ኣገዳሲ ፍንጪ ረኺባ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

እንተዀነ ካልእ ዘልዕሎ ሕቶ'ውን ኣሎ፤ "ሓንጎል ንዝዀነ ሃንደበታዊ ስራሕ ዘገልግል ዘይመስል ተዘክሮታት ንኸምጽኣልናስ ንምንታይ'ዩ ክንድዚ ዝኣክል ጉልበት ይውድእ?" ኢላ ትሓትት እታ ዶክተር።

"እዚ ሕጂ'ውን ክንምልሶ እንጽዕረሉ ዘለና ዓቢ ሕቶ'ዩ" ትብል።