ላዕለዋይ ሓላፊ ፀጥታ ኣመሪካ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ካብ ስልጣኑ ለቒቑ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጸረ ግብረሽበራ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰንኪ ኣብ ኢራን ዝተኻየደ ኲናት ካብ ስልጣኑ ብምልቃቕ፡ እቲ ፕረዚደንት "ውሳንኡ ክቕይር" ተማሕጺኑ።
ዳይረክተር ሃገራዊ ማእከል ጸረ-ሽበራ ጆ ኬንት፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጠቅዖ ደብዳበ፡ ኢራን ንኣመሪካ "ቀጥታዊ ስግኣት ኣይኰነትን፡ እዚ ኲናት እዚ ብጸቕጢ እስራኤልን ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ጐስጐስቲን (ሎቢ) ዝጀመርናዮ እዩ፡" ኢሉ።
ዋይት ሃውስ፡ ነቲ ደብዳበ ብምንጻግ፡ እቲ ፕረዚደንት ኢራን መጀመርያ ንኣመሪካ ከተጥቅዕ ውጥን ከም ዝነበራ ዘረጋግጽ "ኣገዳሲ መርትዖ" ኣለዎ ኢሉ።
ሓደ ትካል ተቘጻጻሪ-ጽልኢ ኣመሪካ፡ ንኬንት "ጸረ-ኣይሁዳዊ ቃላት" ተጠቒሙ ክብል ከሲስዎ።
ኬንት ካብ ስልጣን ብምውራድ፡ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ትራምፕ ንመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብግልጺ ዝነቐፈ ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ እዩ።
ትራምፕ ብሰሉስ ኬንት "ጽቡቕ ሰብ" እዩ፡ ግን ከኣ "ኣብ ጸጥታ ድኹም" እዩ ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ኬንት ካብ ስልጣኑ ዝለቐቐሉ ደብዳበ "ምውጻኡ ጽቡቕ ነገር ምዃኑ" ክግንዘብ ከም ዝገበሮ ተዛሪቡ።
ኬንት ኣብቲ ናብ ትራምፕ ዝለኣዀ ደብዳበ፡ "ላዕለዎት ሰበስልጣን እስራኤል"ን ጸለውቲ ጋዜጠኛታት ኣመሪካን "ግጉይ ሓበሬታ" ከም ዝዘርኡን፡ እዚ ድማ እቲ ፕረዚደንት ነቲ "ቀዳምነት ንኣመሪካ" ዝብል ኣንፈት ከዳኽም ከም ዝገበሮን ከሲሱ።
እቲ ደብዳበ ኣስዒቡ፡ "እዚ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘሰጕም ጉጅለ፡ ኢራን ንኣመሪካ ቀጥታዊ ስግኣት ከም ዝዀነት ንምእማን ንምትላል እዩ ተጠቒሙካ፡" ኢሉ። እዚ ድማ "ሓሶት እዩ ነይሩ።"
ንነዊሕ እዋን ደጋፊ ትራምፕን ክልተ ግዜ ንኮንግረስ ተወዳዲሩ ዘይተዓወተን ኬንት፡ ኣብ መጀመርታ በቲ ፕረዚደንት ተሓጽዩ ብጸቢብ ድምፂ፡ ስልጣን ንምርካብ ጸዲቑሉ።
ኬንት ኣብቲ ናይ ምርግጋጽ መስርሕ፡ ነቲ ኣብ ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ዝተኻየደ ናዕቢ፡ ወከልቲ ፌደራል ኣለዓዒሎም፡ ወይ ድማ ትራምፕ ኣብ ምርጫ 2020 ኣይተሳዕረን ዝብል ክሲ ምንጻግ ኣብዩ።
ዲሞክራት ንሓደ ኣባል ሕሉፍ የማናዊ ጕጅለ 'ፕራውድ ቦይስ' ከም ኣማኻሪ ናይቲ ኣብ 2022 ዝገበሮ ምርጫ ገይሩ ምቑጻሩ ነቒፎም ነይሮም።
ኣመሪካዊ ትካል ተቘጻጻሪ ጸረ-ሴማውነት ሊግ ጸረ-ጸለመ (ኤዲኤል) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ናይ ኬንት ናይ ስንብት ደብዳበ ዝቐረቡ ክስታት፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኣይሁድ ኣብ ዘመናዊ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣብ ኢንተርነትን ዝዝረብ ጥንታዊን ጽልኢ ዝመልኦ'ዩ ክብል ነቒፉ።
"ስለዚ ንፕረዚደንት ኣንጻር ስርዓት ኢራን ናብ ኲናት ብምድፋእ ንእስራኤልን ንማዕከናት ዜናን ክነቅፍ ዘገርም ኣይኰነን፡" ይብል ኤዲኤል።
እቲ ንእስራኤል ዝድግፍ ጉጅለ፡ ኮሚተ ህዝባዊ ጉዳያት እስራኤል-ኣመሪካ (ኣይፓክ)፡ ነቲ መግለጺ ኤዲኤል ኣብ ኤክስ ዳግማይ ጽሒፉዎ።
ኣይፓክ፡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።
ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ናይቲ ሊበራላዊ ደጋፊ እስራኤል ዝጣበቕ ጉጅለ ጄ ስትሪት ኢላን ጎልደንበርግ ግን፡ ንደብዳበ ኬንት "ዝኸፍአ ጸረ-ሴማዊ ተራ ዝጻወት ጽዩፍ ነገር፡" ክብል ገሊጽዎ።
ወዲ 45 ዓመት ኬንት፡ ወተሃደር=ነበር ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪካን ሲኣይኤን ኰይኑ፡ በዓልቲ ቤቱ ቴክኒሻን ክሪፕቶሎጂ ሓይሊ ባሕሪ ሻኖን ኬንት፡ ኣብ 2019 ኣብ ሶርያ ብዝተፈጸመ ዓርሰ-ቅትለታዊ ቦምባ ከም ዝተቐትለት ተገሊጹ።
እዚ ኣቦ ክልተ ቈልዑ፡ ኣብ ዒራቕ ምስ ዝርከብ ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት ኣመሪካ ሓዊሱ ምስ ሰራዊት ኣመሪካ 11 ግዜ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተዋፊሩ'ዩ።
ድሕሪ ሞት በዓልቲ ቤቱ ካብ ኣገልግሎት መንግስቲ ቅድሚ ምውጽኡ፡ ኣብ ሲኣይኤ ንኡስ ወተሃደራዊ መኮነን ኰይኑ ሰሪሑ።
ኬንት ኣብ ደብዳቤኡ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎቱን ሞት በዓልቲ ቤቱን ብምጥቃስ፡ "ንህዝቢ ኣመሪካ ዝዀነ ረብሓ ኣብ ዘይህብን ዋጋ ህይወት ኣመሪካ ዘየመኽንየሉን ኲናት ዝቃለስን ዝመውትን ወለዶ ምልኣኽ ክድግፍ ኣይክእልን፡" ኢሉ።
ኣብ ሃገራዊ ማእከል ጸረ-ሽበራ፡ ኬንት ካብ መላእ ዓለም ክመጽእ ዝኽእል ስግኣታት ግብረሽበራ ይትንታንን ይቈጻጸርን ነይሩ።
ኬንት ብሰሉስ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምልቃቑ፡ ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ ቱልሲ ጋባርድ ንውሳነ ትራምፕ ምስ ኢራን ናብ ኲናት ምእታው ደጊፋ።
ንሳ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጠቅዓቶ መግለጺ፡ እቲ ፕረዚደንት ከም ዋና ኣዛዚ መጠን፡ ናይ ቀረባ ስግኣት ምዃኑን ከም ዘይኰነን ናይ ምውሳን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ገሊጻ።
ቤት ጽሕፈት ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ፡ ነቲ ፕረዚደንት "ንውሳነታቱ ዝሕግዞ ዝበለጸ ሓበሬታ" ንምሃብ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣመልኪታ።
"ፕረዚደንት ትራምፕ ንኹሉ ዝቐረበሉ ሓበሬታ ብጥንቃቐ ድሕሪ ምግምጋሙ፡ እቲ ኣብ ኢራን ዘሎ ግብረሽበራዊ እስላማዊ ስርዓት ኣብ ቀረባ እዋን ሓደጋ ከም ዘስዕብ ደምዲሙ፡ በዚ መሰረት ድማ ስጉምቲ ወሲዱ" ክትብል ጋባርድ ኣብ ኤክስ ጽሒፋ።
ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት፡ "ትራምፕ ነቲ ውሳነ ኣብ ጽልዋ ካልኦት፡ ዋላ'ውን ናይ ወጻኢ ሃገራት ተሞርኲሱ'ዩ ወሲዱዎ ምባል ጸርፍን ዘስሕቕን'ዩ፡" ኢላ።
"ከምቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ብንጹርን ብግልጽን ዝገለጾ፡ ኢራን መጀመርታ ንኣመሪካ ከተጥቅዕ ምዃና ዝሕብር ጽኑዕን ኣገዳስን መርትዖ ነይርዎ፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሰበስልጣን ካብ ስልጣኖም ዝለቐቑ ሰባት ብርክት ዝበሉ ኰይኖም፡ እዚኦም ዳይረክተር ኣፈጻጽማ ኮሚሽን ዋሕስን ሸርፍን ማርጋሬት ራያንን ሓላፊ ማእከል ኬነዲ ሪቻርድ ግሬነልን ይርከብዎም።
ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣን ፕረዚደንት ትራምፕ ግን፡ ካብቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ካብ 2017-21 ኣብ ዝነበረሉ ቀዳማይ እብረ ስልጣን፡ ዝወሓዱ'ዮም ካብ ስልጣኖም ለቒቘም ዘለው።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available