ጄፍሪ ኤፒስተይን ክልተ ሓገዝቲ ነይሮምዎ- ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ገንዘቡን ምስጢራቱን ዓቂቦም?

ጄፍሪ ኤፒስተይን፡ ንሃብቱ ዘመሓድሩ ክልተ ሰባት ቈጺሩ ነይሩ- ክኢላ ሕሳብ ሪቻርድ ክሃንን ጠበቓኡ ዳሬን ኢንዲክን
መግለጺ ስእሊ, ጄፍሪ ኤፒስተይን፡ ንሃብቱ ዘመሓድሩ ክልተ ሰባት ቈጺሩ ነይሩ- ክኢላ ሕሳብ ሪቻርድ ካንን ጠበቓኡ ዳሬን ኢንዲክን
ንባብ: 10 ደቓይቕ

ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበን ኣመሪካ - ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብ ሓምለ 2019፡ ብምኽንያት ንግዲ ጾታዊ ርክብ ህጻናት ኣብ ዝተኣስረላ መዓልቲ፡ ኣካላት ጸጥታ ኤፍቢኣይ ኣብ ኒውዮርክ ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ጄፍሪ ኤፕስተይን ምስ ከዱ፡ ኣልማዝ፡ ብርክት ዝበለ ጥረ ገንዘብ፡ ፓስፖርት፡ መትሐዚ ሰነዳት ሲዲን ሃርድ-ዲስክን ዝሓዘ ዓብይ ምስጥራዊ ሳጹን ረኺቦም።

ብመሰረት ሰነዳት ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ኣብቲ ህሞት ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብዘይምንባሩ ግን ነቲ ኣቝሑ ሒዞም ክወጽኡ ኣይከኣሉን። ሓድሽ ትእዛዝ ሒዞም ምስ ተመልሱ ድማ፡ እቲ ሳጹን ጥርሑ ጸኒሑዎም።

ካብ 2005 ጀሚሩ ተሓዚ ሕሳብ [ኣካውንታንት] ዓቃቢ መዝገብን ኤፕስታይን ዝነበረ ሪቻርድ ካን፡ ንሰራሕተኛታት ናይቲ መንበሪ ገዛ ነቲ ሳጹን ዝሓዙ ክልተ ሻንጣታት ዓሺጎም ናብ ገዛኡ ከብጽሑዎ ከም ዝነገሮም ኣካላት ጸጥታ ኤፍ.ቢ.ኣይ ጽሒፎም።

ኤፍ.ቢ.ኣይ ምስቲ ናይ ሽዑ ጠበቓ ካን ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ካን ነተን ሻንጣታት ከይተንከፈ ከረክበን ተሰማሚዑ፤ እንተዀነ ናብ ገዛኡ ክመጽኡ ኣይደለየን፤ ነቶም ኣቑሑት ከውጽኦም ብዛዕባ ዝነገሮ ሰብ'ውን ክዛረብ ኣይደለየን።

ይዅን እምበር፡ ምስ መርመራ ኤፕስተይን ቅርበት ዘለዎ ምንጪ፡ ካን ፋይናንሳዊ ጕዳያት ኤፕስተይን ብዝተኣሳሰር ቃለ-መሕትት ወይ መርመራ ተገይሩሉ ከም ዝፈልጥ ሓቢሩ።

ናይ ሕጂ ጠበቓ ካን ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዓሚሉ ምስ ኤፍ.ቢ.ኣይ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተሓባበረ ገሊጹ።

ካንን ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ ጠበቓ ኤፕስተይን ዳረን ኢንዳይክን፡ ንዅሉ ሃብቱን ንብረቱን ዝቈጻጸሩ እንኮ ፈጸምቲ ጉዳይ ርስቲ ኤፕስተይን እዮም።

ክልቲኦም ሕጂ ኣብ ልዕሊ እቶም ንግዳያት ኤፕስተይን ዝኽፈል ካሕሳን ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ርስቲ ኤፕስተይን ዝርከብ ሰነዳትን ዝርከብ ምስጢራትን ቍጽጽር ኣለዎም - እዚ ድማ ናብ ኮሚተ ተቘጻጻሪ ባይቶ ቀሪቡ ኣሎ።

ስእሊ ሓደ ኣብ መሬት ዝተቐመጠ ሳጹን

ምንጪ ስእሊ, US Department of Justice

መግለጺ ስእሊ, ኤፍቢኣይ ከም ዝብሎ ካን ንሰራሕተኛታት መንበሪ ገዛ ኤፕስተይን ካብቲ ሳጹን ኣቝሑ ከውጽኡ ከም ዝነገሮም ይገልጽ

ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መርበብ ኤፕስተይን ዝገበሮ መርመራ፡ ኮሚተ ኮንግረስ ክልቲኦም ንኽምስክሩ ጸዊዑዎም። ካን ሎሚ ረቡዕ ክቐርብ'ዩ፤ ኢንዳይክ ድማ ሓሙስ 19 መጋቢት ክምስክር እዩ።

ምስቲ ሕሱር ኤፕስተይን ዝተኣሳሰሩ መርመራታት ንዝፈልጡ ሰባት ኣዘራሪብና፡ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳያት ዝተረኽበ ወረቓቕቲ ርኢና፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ብምኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ፋይላት ኤፕስተይን ዝተዘርግሐ ጽሑፋት ተንቲንና ኣለና።

እዚ፡ ብዛዕባ እቶም ክልተ ሰባት ኣብ ህይወት ኤፕስተይን ዝተጻወቱዎን ድሕሪ ሞቱ ዝጻወትዎ ዝነበሩን እጃም ዘርኢ ትንታነ እዩ።

መስመር
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤፕስተይን፡ ንኢንዳይክን ካንን ኣብ ነሓሰ 2019 ከም ተሓባበርቲ ፈጸምቲ ስራሕ ሸይምዎም።

እዚ ድማ ቅድሚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምማቱ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ'ዩ።

ሽዑ፡ ብጾታዊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ተኸሲሱ ፍርዲ ይጽበ ነይሩ።

ንዅሉ ሃብቱ ናብቲ ብስም ዝተወልደሉ ዓመት ዝተሰየመ ንብረት ሕድሪ - ትራስት - ንምስግጋር ቅድሚኡ ዝነበረ ኑዛዜ ኣመሓይሹ፣ ጠበቓኡን ኣካውንታንቱን ከመሓድሩዎ ገበረ።

ኢንዳይክን ካንን ከም ፈጸምቲ ኣብ ዝነበሮም ተራ፡ ንግዳያት ኣብ ዝኽፈል ናይ ካሕሳ ፓኬጃት ተሰማሚዖም።

እዚ ድማ፡ ብውልቂ ኣብ ልዕሊኦም ተወሳኺ ሕጋዊ ስጕምቲ ንኸይወስዳ ዝኽልክል ቅድመ ኵነት ዘጠቓለለ እዩ። ካልኦት ክስታት ገና ኣይተፈትሑን።

ክልቲኦም ውልቀሰባት፡ ከም መጠን ተጠቀምቲ ናይቲ ሕድሪ፡ እቲ ካሕሳ ተኸፊሉ ምስ ተወድአ ካብቲ ዝተረፈ ነፍሲ ወከፎም ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላር ክወስዱ ይኽእሉ ነይሮም።

ሃብቲ ኤፕስተይን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ እዋን ሞቱ ግን ብግምት 635 ሚልዮን ዶላር ከም ዝነበረ ንብዙሓት ግዳያት ኤፕስተይን ዝውክል ናይ ​​ሕጊ ትካል ኤድዋርድስ ሄንደርሰን ይሕብር።

ሓንቲ ካብ ግዳያት ኤፕስተይን - ሽማ ክዕቀብ ዝሓተተት - ኢንዳይክን ካንን ብዛዕባ "ትካሉ" ዝፈልጥዎ ሕቶታት ክምልሱ ከም ዘለዎም ንቢቢሲ ገሊጻ።

"ጀፍሪ ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ነይሩ። ነዚ ዅሉ ባዕሉ ክመርሖ ዝኽእለሉ መገዲ የብሉን። ወትሩ ነቲ ገንዘብ ተኸተል ኢና ንብል ሓቀይ? ነቲ ገንዘብ እንተ ተኸቲልካዮ ድማ እዚ ስርሒት ከመይ ይካየድ ከም ዝነበረ ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ፡" ትብል።

ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ጥርዓናት፡ ኢንዳይክ ወይ ካን መብዛሕትኡ ግዜ ግን ክልቲኦም - "ዳርጋ ኣብ ልዕሊ ኩሉ እቲ ኤፕስተይን ዝነበሮ ሕሳባት ናይ ምፍራም ስልጣን ነይርዎም"፡ እዚ ማለት ድማ ​​ምልውዋጣት ክገብሩ ስልጣን ነይርዎም ማለት እዩ።

ብተወሳኺ ብዙሓት ኮርፖሬሽናት ኤፕስተይን ንምምራሕ ሓጊዞም - ገሊኦም፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ፋይላት ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ጾታዊ ርክብ ጥራይ ከም ዝነበሩ ይግለጽ።

ጠበቓ ካን፡ እዚ ክሲ "መሰረት ዘይብሉ፡" ብምባል ትካላት ንግዲ ኤፕስተይን፡ ንንጥፈታቱ ንምክልኻል ከም ዘይወዓሉ ብምግላጽ፡ "ዳርጋ ኵሎም ዋንነቶም ተሓቢኡ ዘይፈልጥ ግብሪ ዝኸፍሉ ኣካላት እዮም ነይሮም፡" ኢሉ።

ሪቻርድ ካን (ጸጋም) ከምኡ'ዉን ዳረን ኢንድኬ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ብዙሕ ስእሊ ኣይስኣሉን

ምንጪ ስእሊ, DMG Media

መግለጺ ስእሊ, ሪቻርድ ካን (ጸጋም) ከምኡ'ውን ዳረን ኢንዳይክ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ብዙሕ ስእሊ ኣይስኣሉን

ክልቲኦም፡ ካብ ኤፕስተይን ሚልዮናት ክፍሊትን ልቓሕን ከም ዝተቐበሉን፡ ንግዳያት ከም ዝኸፈሉን፡ ካብ ወጻኢ ሃገራት መጺአን ንጾታዊ ርክብ ንዝተሸጣ ደቀንስትዮ ኣብ ኣመሪካ ክጸንሓ ንኽፍቀደለን ብግዴታ መርዓ ከይተረፈ ከም ዘመቻችኡን ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ሰነዳት ይሕብሩ።

ሓደ ክሲ፡ ብዘይካ ጊስላይን ማክስወል - ተሓባባሪ ኤፕስተይን ተባሂላ ዝተፈርደት ብሪጣንያዊት - ከም ኢንዳይክን ካንን "ኣገዳስን ማእከላይን ስርሒት ኤፕስተይን" ዝነበሮ ካልእ ሰብ ከም ዘይነበረ ይገልጽ።

ኣባል ኮሚቴ ተቘጻጻሪ ባይቶ ኣመሪካን ኣባል ኮንግረስን ሱሃስ ሱብራማንያም ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኤፕስተይን ጉዳያቱ ብኸመይ የመሓድር ከም ዝነበረ ንምፍላጥ፡ እዞም ሰባት "ዝበለጹ ምንጪ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ።

"ብርግጽ እተን ግዳያት ብዛዕባ ገለ ካብ ገበናት ጀፍሪ ኤፕስተይን ኣፍልጦ ዝነበሮም ሰባት ምዃኖም ጠቒሰን እየን፤ ፋይናንሳዊ ጉዳያት ጥራይ ዘይኰነ፡ ዋላ'ውን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጾታዊ ርክብ፡" ይብል።

ኢንዳይክን ካንን ምስ ኤፕስተይን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ዝዀነ በደል ከም ዘይፈጸሙ ይገልጹ፤ ክሳብ ሕጂ ድማ ዝዀነ ገበናዊ ክሲ ኣይቀረበሎምን።

ጠበቓ ኢንዳይክ ዳኒኤል ዋይነር ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣብ ዝዀነ ቤት ፍርዲ ዝዀነ ዳኛ ኢንዳይክ ወይ ካን ዝዀነ ዓይነት በደል ከም ዝፈጸሙ ረኺቡ ኣይፈልጥን፡" ኢሉ።

"ሓንቲ ጓለንስተይቲ ንሓደኦም ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም ወይ ክፍጸም ብምርኣይ ከሲሳ ኣይትፈልጥን፡ ኣብ ዝዀነ እዋን'ውን ብዛዕባ ግህሰት ኤፕስተይን ዝዀነ ክሲ ዘቕረበሎም የለን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ግዳይ ኤፕስተይን፡ እቶም ሓገዝቱ ኣብ ቅድሚ እቲ ኮሚተ ምቕራቦም ጽቡቕ እዩ ትብል፤ ምኽንያቱ ድማ ግዳያት "ንነዊሕ እዋን ብዛዕባኦም ክጠርዓ ስለ ዝጸንሓ፡" ኢላ።

"ነዚ ዅሉ ክምልሱ ኣለዎም። ነቲ ሓቂ ክዛረቡ እየ ተስፋ ዝገብር፡" ትብል።

ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝህብዎ ምስክርነት፡ ከም ሓባራዊ ፈጸምቲ ንብረት ኤፕስተይን፡ ኢንዳይክን ካንን ንሽማግለ ተቘጻጻሪ ባይቶ ንዝቐረበሎም ጻውዒት መልሲ ንምሃብ "ኣሽሓት ገጻት ሰነዳት፡ ኣሳእልን ካልእን" ከም ዘቕረቡ ጠበቓ ኢንዳይክ ገሊጹ።

ገለ ከም መጽሓፍ መልእኽትታት ልደት ኤፕስተይን ዝበሉ ነገራት፡ ቅድሚ ናብቲ ኮሚቴ ምቕራቦም ገለ ገጻትን ሓበሬታታትን ንክእለዩ ተገይሩ፤ እዚ ድማ መንነት ግዳያት ንምሕላው ዝተገብረ እዩ ይብል ጕጅለ ሕጊ ኢንዳይክን ካንን።

እቶም ገንዘቡ ዝፈልጡ

ካን፡ ተሓዚ ሕሳባት ኤፕስተይን ጥራይ ኣይነበረን።

ብመሰረት ሰነዳት ናይቲ ኩባንያ፡ ኣብ 2010ታት ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ኩባንያ ዲዛይን ኣካያዲ ስራሕ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ወረቓቕቲ፡ እቲ ኩባንያ ኣካል ናይቲ ኤፕስተይን ገንዘብ ናብ ግዳያትን ነተን ደቀንስትዮ ዝምልምሉ ዝነበሩን ገንዘብ ንምትሕልላፍ ዝጥቀመሉ ዝነበረ መርበብ ትካላት ምዃኑ ይሕብሩ።

እዚ ዝርዝራት እዚ፡ ኣብ ሰነዳት ካብ ሓደ ብደሴታት ቨርጂን ኣመሪካ (USVI) ኣብ ልዕሊ ንብረት ኤፕስተይንን ፈጸምቲ ስራሕ ኢንዳይክን ካንን ብ"ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ፋይናንሳዊ ምትላልን" ካብ ዘቕረቦ ናይ ቤት ፍርዲ ክሲ ተቓሊዑ።

እቲ ጉዳይ ኣብ 2022 መዕለቢ ተገይርሉ። እቲ ትካል ልዕሊ 105 ሚልዮን ዶላር ብጥረ ገንዘብን ፍርቂ ናይቲ ካብ መሸጣ ሓንቲ ካብተን ናይ ብሕቲ ደሴታት ኤፕስተይን ዝረኸቦ ኣታዊን ክኸፍል ተሰማሚዑ።

ሰነዳት ቤት ፍርዲ፡ ክልቲኦም ንኤፕስተይን 140 ናይ ባንክ ሕሳባት ንምምሕዳር ከም ዝሓገዙዎ ይገልጽ።

ናይ ብሕቲ ደሴት ኤፕስተይን ሊትል ሴንት ጀምስ ብመስርሕ ቤት ፍርዲ ተሸይጡ

ምንጪ ስእሊ, US Department of Justice

መግለጺ ስእሊ, ናይ ብሕቲ ደሴት ኤፕስተይን ሊትል ሴንት ጀምስ ብመስርሕ ቤት ፍርዲ ተሸይጡ

ሓደ ካብ ሕሳባት ባንክ ናይቲ ዲዛይን ኩባንያ ምሉእ ብምሉእ ካብ ውልቃዊ ሕሳባት ኤፕስተይን ብዝተሰጋገረ ገንዘብ ከም ዝተመወለ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ይሕብር።

እቲ ክሲ፡ ዋና ናይቲ ትካል ኣብ ወረቐት፡ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኤፕስተይን ዝዀነትን ብመንገዲ እቲ ኩባንያ ዝተኸፍለትን ጓለንስተይቲ ምዃና ይገልጽ።

ካልእ ኣብ ዝርዝር ደሞዝ ናይቲ ኩባንያ ዝነበረት ሰብ፡ ካን ኣብ ገለ ንባንክ ዝተዋህበ ሰነዳት ከም ዲዛይነር ረቚሑዋ ከም ዝነበረ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ሰነዳት ይሕብር።

እቲ ክሲ ግን ካልእ ካብ ካን ዝተረኽበ ሰነድ ምስቲ ሞያ ፍጹም ምትእስሳር ኣብ ዘይብሉ ነገር ተዋፊራ ከም ዝነበረት ኣቃሊዑ።

እዚ ድማ እቲ ኩባንያ ደሞዝ ዝኸፍለሉ ሕጋዊ ምኽንያት ከም ዘይነበረ ይሕብር።

ጠበቓ ካን፡ ዓሚሉ ኣብ ዘይሕጋዊ ወይ ዘይሕጋዊ ተግባር ተሳቲፉ እዩ ዝብል ክሲ መሰረት ከም ዘይብሉ ይዛረብ።

ዳን ሩዙምና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ካን ንኤፕስተይን ዝሰርሖ ስራሕ ልክዕ ከምቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰብ ሞያ ንዓማዊል መዓልታዊ ዝህብዎ ዓይነት ናይ ኣካውንቲንን መዝገብን ስራሕ እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

ሰነዳት ቤት ፍርዲ ከም ዝሕብሮ፡ ኢንዳይክን ካንን ኣብ ደሴታት ቨርጂን ኣመሪካ ዝተመዝገበ ካልእ ኩባንያ ኤፕስተይን ተጠቒሞም፡ ንመንእሰያት ደቀንስትዮ ወይ ድማ ንዝተሸገራ ደቀንስትዮ ኣብ ኣመሪካ ንኽጸንሓ ኣብ ምሕጋዝ ንዝነጥፍ ጠበቓ ኢሚግሬሽን ዝተዳለወ 300 ሽሕ ዶላር ዝግመት ቼክ ከም ዝጸሓፉ ይሕብር።

ካን "ንኤፕስተይን ወኪሉ ንመንእሰያት ደቀንስትዮን/ወይ ጠበቓ ኢሚግሬሽንን ዝኸውን ቼክ ኣይጸሓፈን፣ ምኽንያቱ ቅድሚ ሞት ኤፕስተይን ኣብ ዝዀነ ናይ ኤፕስተይን ባንክ ሕሳብ ፈራሚ ስለ ዘይነበረ፡" ይብል ጠበቓኡ።

"ትካላት ኤፕስተይን ሕጋዊ ንግዳዊ ረብሓታት ነይሩዎም፤ ከም ሰራሕተኛታት ገዛ ምቝጻር፡ ምስቲ ናይቲ ትካል ዝውነን ዝተዋህበ ንብረት ዝተኣሳሰር ወጻኢታት ምኽፋል፡ ናይ ግብረ ሰናይ ኣበርክቶ ምግባርን ግብሪ ብግቡእ ከም ዝኽፈል ምርግጋጽን ዝኣመሰሉ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኢንዳይክ ነቲ ዝተፈርደ ጾታዊ ገበነኛ ገንዘብ ንምሃብ ዝተዳለወ ዝመስል ተደጋጋሚ ገንዘብ ከም ዘውጽአ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ይሕብሩ።

ብኤፕስተይን ብጾታዊ ርክብ ዝተመዝመዛ ደቀንስትዮ፡ እቲ ዝተፈርደ ገበነኛ ንዕአንን ነተን ሓደስቲ ግዳያት ዝመልመሉ ሰባትን ንምኽፋል ጥረ ገንዘብ ከም ዝተጠቕመ ይዛረባ።

እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ፋይላት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኢንዳይክ ክልተ ቸክ ናብ ባንክ ኒውዮርክ ወሲዱ ጥረ ገንዘብ ከም ዘውጽአ ይገልጽ - ሓደ ካብ ውልቃዊ ሕሳባት ኤፕስተይን 7500 ዶላር፡ ካብ ንግዳዊ ሕሳብ ኢንዳይክ ድማ 4000 ዶላር።

እቲ ሓደ ቼክ ድማ ብጥረ ገንዘብ ክወጽእ ገይሩ፤ እቶም ሰነዳት ከም ዝሕብርዎ ድማ፡ "ኩሉ ናይ ስነዳ ስራሕቲ ንምውጋድ፡" ንጽባሒቱ ተመሊሱ ነታ ካልአይቲ ብጥረ ገንዘብ ከም ዝቕይራ ገሊጹ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት፡ ኢንዳይክ ካልእ ናይ ኤፕስተይን ውልቃዊ ሕሳብ ተጠቒሙ 45 ግዜ ቼክ ብጥረ ገንዘብ ብምቕያር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ 7500 ዶላር ኣውጺኡ።

እቲ ባንክ ብሳልሳይ ወገን ዝፍጸም ምውጻእ ገንዘብ ገደብ ከም ዝነበሮ ሰነዳት ቤት ፍርዲ የመልክቱ።

እቲ ክሲ ብተወሳኺ ካብ ቤት ጽሕፈት ሕጊ ኢንዳይክ ብእግሪ ሓጺር ርሕቀት ካብ ዝርከብ ኤቲኤም ኣብ ውሽጢ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ 97 ግዜ ብሓደ ሽሕ ዶላር መጠን ጥረ ገንዘብ ከም ዝወጽአ ይገልጽ - እንተዀነ ብመን ከም ዘዝወጽአ ኣይገለጸን።

ኢንዳይክን ካንን "ምስ ኤፕስተይን ካብ ዝነበሮም ርክብ ዓቢ መኽሰብ ከም ዝረኸቡ" እቶም ሰነዳት ቤት ፍርዲ ኣብ ጉዳይ ደሴታት ቨርጅን እውን ይገልጹ።

ካብ 2011 ክሳብ 2019፡ ኢንዳይክ 16 ሚልዮን ዶላር፡ ካን ድማ 10 ሚልዮን ዶላር፡ ብትካላት ኤፕስተይን ከም ዝተኸፍሉ ይሕብሩ።

እዚ ድማ ውሳነ ኤፕስተይን "ሕድገት ክግበረሉ" ኣለዎ ዝበሎ ልቓሕ የጠቓልል - እዚ እቶም ዕዳታት ክስረዙ ከም ዘለዎም ዘመልክት እዩ።

እዚ ድምር ገንዘብ "ተወሳኺ መርትዖ ናይቲ ንሳቶም [ኢንዳይክን ካንን] ዝሰርሕዎ ስራሕ ዘይሕጋዊ ባህሪ፡" እዩ ነይሩ ይብሉ እቶም ሰነዳት።

ጠበቓ ኢንዳይክ ዳኒኤል ዋይነር፡ "ኢንዳይክን ካንን ዝዀነ ይዅን ክሲ ጌጋ፡ ተሓታትነት፡ በደል ወይ ዝዀነ ዓይነት ዕንወት ተፈጺሙ ዝብል ይነጽጕዎ፡" ኢሉ።

ኣብ ፋይላት ኤፕስተይን ዝርከብ ሰነድ፡ ኢንዳይክን ካንን'ውን ኣብ ዓመት 250 ሽሕ ዶላር ከም ፈጸምቲ ስራሕ ንዝጻወትዎ ተራ "ዓመታዊ ካሕሳ" ክኽፈሉ መሰል ከም ዘለዎምን፡ ሕጋዊ ክፍሊቶም ድማ በቲ ርስቲ ከም ዝሽፈንን ይገልጽ።

ጠበቓ ካን ሩዙምና ግን ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኑዛዘ "[ን]... ነፍሲ ወከፎም ነቲ ርስቲ ንምምሕዳር ናይ ሓደ ግዜ ክፍሊት 250 ሽሕ ዶላር ክረኽቡ፡" ከም ዘለዎም ይገልጽ።

ጠበቓ ኢንዳይክ፡ እቶም ፈጸምቲ "ንረብሓኦም ልዕሊ ግቡኦም ከም ተሓባበርቲ ፈጸምቲ ንምግባር ተዋሲኦም ኣይፈልጡን። ነቲ ንብረት ምምሕዳር ይቕጽሉ ኣለዉ... እዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ሕጊ መሰረት ዝገበረ'ዩ፡ ኢሉ።

ግዱድ መርዓታት

ኤፕስተይን ንገለ ካብተን ካብ ወጻኢ ሃገራት ዘምጽአን ዝነበራ ደቀንስትዮ፡ ኣብታ ሃገር ክጸንሓ ከም ዝኽእላ ንምርግጋጽ፡ ዜግነት ኣመሪካ ዘለዎም ክምርዓዋ ይገብር ነይሩ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ካልእ ጓለንስተይቲ ክምርዓዋ ይግደዳ።

ኣብ 2008 ኣብ ፍሎሪዳ ብምንዝርና ትሕቲ ዕድመ ቈልዓ ድሕሪ ምፍራዱ፡ ካብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝመጽኣ ደቀንስትዮ ኣብ ምዕዳግን ምግሃስን ኣተኲሩ ምንባሩ ተገሊጹ'ዩ።

እዚአን፡ "ዝያዳ ተነጺለን፡ ጽግዕተኛታትን ተቓላዕትን" ኰይነን ከም ዝነበራ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ዩኤስቪኣይ ይኸስስ።

ኤፕስተይን ኣብ መጋቢት 2013 "ኣመሪካዊት ኣፍቃሪት ክትረኽቢ ግዜኡ ዝበጽሐ ይመስለኒ፡" ክብል ናብ ሓንቲ መንነታ ዘይተፈልጠት ጓለንስተይቲ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል ጽሒፉ።

ኣብ መወዳእታ ናይታ ዓመት ካልእ መንነታ ዘይተፈልጠት ጓለንስተይቲ ንኤፕስተይን ኢመይል ብምልኣኽ "ሕጂ ምስክር ወረቐት ቃል-ኪዳን ክንወስድ ንኸይድ ኣለና።ምሳኻ ምርኻብ ዝክኣል እንተዀይኑ ድማ ትሓትት ኣላ፤ ምኽንያቱ ገለ ሕቶታት ኣለዋ፡" ኢላ።

ቢቢሲ ኒውስ ናይ ክልተ ደቀንስትዮ ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት ርእዩ፤ ሓንቲ ካብአን ድሒራ ግህሰት ከም ዝበጽሓ ገሊጻ።

ዩኤስቪኣይ፡ ኢንዳይክን ካንን ብውሕዱ ኣብ መንጎ ግዳያት ኣመሪካን ግዳያት ወጻእተኛታትን ብውሑዱ ሰለስተ መውስቦታት "ብፍላጥ ኣመቻቺኦም" ክብል ይኸስስ።

እተን ግዳያት እንተኣብየን ወይ ክወጽኣ እንተፈቲነን "ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣትን ናይ ስም ምጽላምን፡" ክወርደን እዩ ዝብል ምፍርራሕ በጺሑወን።

ነቲ ሕጋውን ምሕደራ ሕሳባትን ስራሕ "ንግዳያት ኤፕስተይን ዝያዳ ዝኣስር ምትላል" ንምፍጻምን ንሱ ድማ ክቈጻጸረንን ጾታዊ ዓመጽ ክፍጽምን ከም ዘኽኣሎ እቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ሰነዳት ይሕብሩ። ኢንዳይክን ካንን ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።

ጀፍሪ ኤፕስተይንን ጊስላይን ማክስዌልን

ምንጪ ስእሊ, US Department of Justice

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ሰነድ ቤት ፍርዲ፡ ማክስወል [የማን] ካብ ኢንዳይንክ ካንን ንላዕሊ ማእከል ንጥፈታት ኤፕስተይን ከም ዝነበረት ይገልጽ

ሓንቲ ብኤፕስተይን ብተደጋጋሚ ዝተበደለት ኣመሪካዊት ጓለንስተይቲ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ድማ ምስ ናይ ንግዲ መሻርኽቱ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ጸቕጢ ከም ዝተገብረላ፡ ብኢንዳይክ ዝተመቻቸአ ሓዳር ክትገብር ከም ዝተገደደት ሰነዳት ቤት ፍርዲ ይሕብሩ።

እዚ፡ ካልእ ግዳይ ኤፕስተይን ካብ ኣመሪካ ከይትጥረዝ ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ እቶም ሰነዳት ይሕብሩ - ዋና ዓቃቢ ሕጊ ደሴታት ቨርጂን ኣመሪካ ድማ ኢንዳይክን ጠበቓ ኢሚግሬሽን ኒውዮርክን ብኡንብኡ ነታ ግዳይ ምስ ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ንእትገብሮ ቃለ መሕትት ንምድላው ክሕግዙ ከም ዝጀመሩ ይኸስስ።

ካን፡ ንመስርሕ ኢሚግሬሽን ዝምልከት መወከሲ ደብዳበ ከም ዘቕረበ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ይሕብሩ።

እታ ግዳይ፡ ካብቲ ብኣስገዳድ ዝመስረተቶ ሓዳር ክትወጽእ ምስ ሓተተት፡ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ሰነዳት፡ ኢንዳይክ ብተደጋጋሚ ከዘራርባ ከም ዝፈተነን፡ "ናይ ኤፕስተይንን መሻርኽቱን ሓለዋ ከም እትስእን ከም ዘፈራርሓን፡" ይሕብር።

ጠበቓ ካን ሩዙምና ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዓሚሉ ንዓኣ ሓለፋ ዝገብረላ ዘሎ መሲሉዎ ዝገበሮ እዩ ብምባል፡ እታ ውልቀሰብን መጻምዳን ድማ በቲ ደብዳበ ከም ዘመስገኑዎ ተዛሪቡ።

ጠበቓ ኢንዳይክ ዋይነር ብዛዕባ ዝዀነ ካብቲ ናይ ሓዳር ክስታት ብፍሉይ ርእይቶ ኣይሃበን።

ኤፕስተይን ብገበናዊ ንጥፈታቱ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዓለማዊ ኣርእስቲ ዜና እኳ እንተዀነ፡ ክልቲኦም ጠበቓታት ኢንዳይክን ካንን፡ ዓማዊሎም "ብፍላጥ ኤፕስተይን ኣብ ጾታዊ ዓመጽ ወይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቀንስትዮ ክሳተፍ ከም ዘመቻችኡ ወይ ከም ዝሓገዝዎ፡ ወይ ድማ ንኤፕስተይን ብቕደም ተኸተል ናይ ሕግን ኣካውንቲንን ኣገልግሎት ኣብ ዝህቡሉ ዝነበሩ እዋን ብዛዕባ ተግባራት ኤፕስታይን ይፈልጡ ነይሮም፡" ዝብል ሓሳብ ይነጽጕዎ ይብሉ።

ኣብ 2020፡ ኢንዳይክን ካንን - ከም ተሓባበርቲ ፈጸምቲ ስራሕ ብዓቕሞም - ምስቲ ግዳያት በቲ ዝበጽሐን ግህሰት ፋይናንሳዊ ካሕሳ ክረኽባ ዕድል ዝሃበን መደብ ካሕሳ ግዳያት ጀፍሪ ኤፕስተይን (EVCP) ተሰማሚዖም።

እተን ደቀንስትዮ ዝጠቐሳኦ "ካብ ዝዀነ ይዅን ምትእትታው ርስቲ ኤፕስተይን ናጻ፡" ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ ናጻ ኣመሓዳሪ ክኣቱ ተገይሩ።

እቲ ጠለባት ግን ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቁጽሪ ልዕሊ ዕጽፊ እዩ ነይሩ።

ብመሰረት ሰነዳት ቤት ፍርዲ፡ 136 ደቀንስትዮ ካብ ርስቲ ኤፕስተይን ብድምር 121 ሚልዮን ዶላር ተቐቢለን።

ካብ ካልኦት ግዳያት ተወሳኺ 59 ጠለባት ቀሪቡ ብድምር 48 ሚልዮን ዶላር ተወሲኑ።

ኢንዳይክን ካንን ካብ ጠቕላላ ሃብቲ ዝወጽእ ገንዘብ "ንሕጋዊ ክፍሊትን ወጻኢታትን ካልኦት ተሓባበርቲ ውዲት ንምኽፋል" ከም ዘጽደቑ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ይሕብሩ።

ኢንዳይክን ካንን ነዚ ብምንጻግ፡ ሃብቲ ኤፕስተይን "ኣብ ገበናት ኤፕስተይን ተመሻጣሪ" ንዝነበረ ሕጋዊ ክፍሊት ከም ዘይከፈለ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጥርዓን፡ ርስቲ ኤፕስተይን ነቶም ኣብቲ መደብ ካሕሳ ክምዝገቡ ንዝኣበዩን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጾታዊ ርክብ ኤፕስተይን ኣመቻቺዮምን "ካብ ሕጊ ምኽባር ገንዘብን ስልጣንን መሪጾም" ብምባል ንኢንዳይክን ካንን ብውልቂ ዝኸሰሱን፡ ክሳብ 35 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ'ሎ።

ጠበቓ ኢንዳይክ ዳኒኤል ዋይነር፡ "መሳርሕቲ ኢንዳይክን ካንን ምስ ኮሚተ [ምክትታል ባይቶ] ዘለዎም ምትሕብባር ምሉእ ብምሉእ ክቕጽሉ እዮም። ኣብ ግጉይ ተግባር ኤፕስታይን ተሳትፎ ከም ዘይነበሮም ንምርዳእ ድማ ትጽቢት ይገብሩ፡" ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እታ ሽማ ክዕቀብ ዝሓተት ግዳይ፡ "ብዛዕባ እዚ ገዚፍ ገንዘብ ክትዛረብ ከለኻ፡ ገንዘብ ነቲ ቅኑዕ ነገር ንምግባር ዘሎ ድሌት፡ ከምኡ'ውን ኣድላይነት ይጸልዎን ይበልጾን እዩ ማለት ድዩ?፡" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ኣይፈልጥን። እዚ ብሞራሎም ክረኽብዎ ዘለዎም'ዩ። ቅኑዕ ነገር ክገብሩ ግን ተስፋ እገብር።"

ብዛዕባ እዚ ዛንታ ሓበሬታ እንተሃልዩኩም ናብ epsteininvestigation@bbc.co.uk ኢመይል ክትጽሕፉ ትኽእሉ ኢኹም።