እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዝኽሪ ላምፐዱሳ፡ ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ህልቂት
ንባብ: 2 ደቓይቕ
መበል 12 ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ተዘኪሩ ውዒሉ።
ኣብቲ ኣብ ገማግም እታ ኢጣልያዊት ደሴት ዝተኻየደ ስነስርዓት ዝኽሪ፡ ሰብመዚ መንግስቲ፡ ተሓለቕቲ፡ መሓዙትን ቤተሰብን ግዳያት ተረኺቦም ነይሮም።
ክልዕ ከምዛ ሎሚ፡ 03 ጥቅምቲ 2013፡ ካብ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ቈሪጾም ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝተገበሱ፡ ቆልዑ ዝርከብዎም 368 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝጠሓሉ ይዝከር።