ኣመሪካ ስም ዝርዝር ናይቶም ብሓደጋ ነፋሪት ዝሞቱ ሽዱሽተ ወተሃደራታ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Steven Nordhaus / X

መግለጺ ስእሊ, እቶም ሽዱሽተ ብሓደጋ ነፋሪት ዝሞቱ ኣመሪካውያን ወተሃደራት
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣመሪካ ስም ናይቶም ሽዱሽተ ኣብታ ኣብ ምዕራብ ኢራቕ ዝወደቐት ዓባይ ወተሃደራዊት ነፋሪት ዝሞቱ ወተሃደራታ ገሊጻ።

ፔንታጎን፡ ኣብታ ኣብ ሰማይ ንነፈርቲ ውግእ ነዳዲ እትመልእ ከይሲ-135 ዝዓይነታ ዓባይ ወተሃደራዊት ነፋሪት ዝነበሩ'ሞ ምስ ወደቐት ዝሞቱ ሽዱሽተ ወተሃደራታ፡ ወዲ 33 ዓመት ጆን ክሊመር ካብ ኣላባማ፡ ጓል 31 ዓመት ኣርያና ሳቪኖ ካብ ዋሽንግተን፡ ጓል 34 ዓመት ኣሽሊ ፕሩቲ ካብ ኬንታኪ፡ ወዲ 38 ዓመት ሰዝ ኮቫል ካብ ኢንድያና፡ ወዲ 30 ዓመት ኩርቲስ ካብ ኦሃዮን ወዲ 28 ዓመት ተይለር ሲሞንን ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ካብዚኦም እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ምዃኖም'ውን ፔንታጎን ኣፍሊጡ።

ፔንታጎን እታ ነፋሪት ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመላ እዋን ኣብቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዝነበረ ስርሒት ኣብ ንጡፍ ስራሕ ከምዝነበረት ብምግላጽ፡ እቲ ሓደጋ ምስ ካልእ ነፋሪት ከም ዘጋጠመ፡ እታ ካልኣይቲ ነፋሪት ግን ብሰላም ከምዝዓለበት ሓቢሩ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፔት ሄዝ ነቶም ብሓደጋ ዝሞቱ ወተሃደራት ኣመሪኦካ "ጀጋኑ ኣመሪካውያን" ብምባል ወዲስዎም።

ሰብ መዚ ኣመሪካ ንመላፍንቲ ቢቢሲ ዝኾነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ሰማይ እንከለዋ ብምግጫወን ዝተፈጠር ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባር፡ ገና ይምርምርዊ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ብመሪሕነት ዘካይድ ዘሎ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ሓደጋ፡ ተጻብኦ ኣብ ዘይነበሮ ሰማይ ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ካብ ኣባላት ስለያ ኢራቕ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ዶብ ኢራቕን ዮርዳኖስን ቱራቢል ኣብ ዝብሃል ቦታ'ያ ወዲቓ።

ምክልኻል ኢራን፡ ነታ ነፋሪት ኣብ ምዕራብ ኢራቕ ዝንቀሳቐሱ ደገፍቲ ኢራን ዝኾኑ ምልሻታት ብሚሳኤል ሃሪሞም ከምዘውደቑዋ ኣብ መንግስታዊት ተሌቪዥን ሓቢሩ።

እቲ ብሓሙስ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ንቁጽሪ ናይቶም ኵናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ካብ ዝውላዕ ዝሞቱ ኣመሪካውያን ወተሃደራት ናብ 13 ክብ ኣቢልዎ ኣሎ።

ኣቐድም ኣቢሎም ሽዱሽተ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኩዌት ሓደ ድማ ኣብ ስዑድያ ተቐቲሎም ነይሮም'ዮም።

እዚ ኵናት ካብ ዝውላዕ፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ነፈርቲ ኣመሪካ ተሃሪመን ወዲቐን ኣለዋ፡ ሓንቲ ካብአን ከኣ እታ ንላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝደብደበት ነፋሪት'ያ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, እታ ኣብ ሰማይ ንኻልኦት ነፈርቲ ነዳዲ እትመልስ ኬይሲ-135

ኣብ መጀመርታ መጋቢት ሰለስተ ኤፍ-15 ዝዓይነተት ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ሰማያት ኩዌት ከምዝወደቃ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብተን ነፈርቲ ዝነበሩ ሽዱሽትኦም ኣባላት ብሰላም ከምዝወጽኡ'ውን ኣብ ግዜኡ ተሓቢሩ ነይሩ።

እዘን ስርሓት ቦይንግ ዝዀና ከይሲ-135 ሰራዊት ኣመሪካ ካብ መወዳእታ 1950ታትን መጀመርታ 1960ታትን ጀሚሩ ዝጥቀመለን ዓበይቲ ወተሃደራውያን ነፈርቲ'የን።

እዘን ነፈርቲ ኣብ ሰማይ እንከለዋ ንነፈርቲ ውግእ ነዳዲ ናይ ምምላእ ዓቕሚ ዘለወን ኮይነን፡ እተን ነፈርቲ ውግእ ነዳዲ ንምምላእ ናብ መሬት ወይ ናብ መራኽብ ከይዓለባ ኣብ ሰማይ ንነዊሕ ሰዓታትን ንነዊሕ ርሕቐትን ንክጉዓዛ የኽእለአን።

በዚ ከኣ ዓንዲ ሕቖ ሓይሊ ኣየርርን ሓይሊ ባሕርን ኣመሪካ እናተባሃላ'የን ዝግለጻ።

መግለጺ ስእሊ, እታ ነፋሪት ኣብ ምዕራብ ኢራቕ ዝወደቐትሉ ቦታ ዘርኢ ካርታ