ኢራን ስለምንታይ'ያ ንዝርርብ ኣመሪካ ነጺጋቶ?

ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን ኣመሪካን ኢራንን፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል "ኣዝዩ ጽቡቕን ውጽኢታውን ዝርርብ" ከም ዘካየዳ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ኢራን ቅልጡፍን ንጹርን ምላሽ እያ ሂባ።

ሰበስልጣን ኢራን፡ "ዝዀነ ይዅን ዝርርብ ኣይተኻየደን" ብምባል ንዘረባ ትራምፕ ነጺጐም። ሓደ ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል፡ ኣመሪካውያን "ምስ ገዛእ ርእሶም እዮም ክዘራረቡ ጸኒሖም፡" ብምባል ነቲ ኣበሃህላ ከይተረፈ ኣባጭዩሉ።

እቲ ክፍተት ንጹር እዩ፤ ዋሽንግተን ምዕባለ ከም ዘሎ ትዛረብ፡ ቴህራን ብግልጺ ትነጽጐ። እዚ ግን ዘይምርድዳእ ጥራይ ኣይኰነን - ዓሚቝ ዘይምትእምማን እውን ዘንጸባርቕ እዩ።

እቲ ዘይምትእምማን ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመታት ዝነቅል እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተኻየደ ዝርርብ ክልተ ግዜ ወጥሪ ንምቅላል ተስፋታት ከም ዘዕበየ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዙርያ ዖማን ዘአንገደቶ ንቐንዲ ስክፍታታት ኣመሪካ ዝዀነ ኒዩክለሳዊ ፕሮግራም ኢራን ዝምልከት ምዃኑ ይግለጽ።

ክልቲኡ ግዜ ዝተኻየደ ዝርርባት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እስራኤልን'ዩ ተኻይዱ።

ብዓይኒ ኢራን፡ ዝርርብ ንናይ ኲናት ተኽእሎ ኣየጉደሎን፤ ቅድሚኡ ብኡኡ'ዮም ሓሊፎም። ስለዚ ድማ እዩ ትራምፕ ዝብሎ ዘሎ ብጥርጣረ ዝርእዩዎ ዘለዉ።

ኢራን ነዚ ሕጂ ዝቐርብ ዘሎ ምንጻጋ ግን፡ ኣንጻር ልዝባት እያ ማለት ኣይኰነን፤ ካብዚ ንላዕሊ ዝካየድ ነገራት ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዲፕሎማሲ ዝድግፉ ሰበስልጣን እውን እንተዀነ ጸቕጢ ይግበረሎም ኣሎ። ዳግማይ ዘተ ምፍታን፡ ሓደገኛ ክኸውን'ዩ። ሕጂ ካብቲ ሕሉፍ ዝተፈለየ ክኸውን ድዩ ዝብል ንጹር ኣፋፍኖት የለን።

እዚ ድማ ነቲ ካብ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባስ ኣራግቺን ካልኦት ሰበስልጣንን ዝመጽእ ተሪር ቃላት ንምብራህ ይሕግዝ።

ትራምፕ ብሰኑይ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ዝጸሓፎ ጽሑፍ እውን እንተዀነ፡ ኣራግቺ ኢራን ዝርርብ ወይ ተዅሲ ደው ምባል ከም ዘይትደሊን ነቲ ውግእ ክትቅጽሎ ድልውቲ ምዃና ገሊጹ ነይሩ።

ሓላፊ ባይቶ ሓበሬታ መንግስቲ ኢራን ትራምፕ: ናብ ኢራን ዝለኣኾ በዓል 15 ነጥብታት እማመ- ሰላም ብምንጻግ፡ "ትራምፕ ዝብሎ ሓሶት'ዩ፡ ትዅረት ክወሃቦ የብሉን፡" ኢሉ።

እዚ ማለት ግን እቲ ማዕጾ ዘተ ምሉእ ብምሉእ ዕጹው'ዩ ማለት ኣይኰነን። ብረቡዕ ኣራግቺ ነቲ እማመ ፍጹም ኣየረጋገጾን ወይ ኣይነጸጐን።

ንሱ ንመንግስታዊ ተሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ዝተፈላለዩ ሓሳባት" ናብ ላዕለዎት መራሕቲ እታ ሃገር ከም ዝመጽአ ብምሕባር - "መርገጺ ክውሰድ እንተድኣ ኣድልዩ ድማ ብርግጽ ክውሰን'ዩ፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ፖሊሲ ኢራን ንሕጂ "ምክልኻል" ምቕጻል ምዃኑን፡ ቴህራን ድማ "ሕጂ ክትዛተ ዕላማ ከም ዘይብላ፡" ገሊጹ።

ህሉው ኵነታት ኢራን፡ ምስ ቀጻሊ መጥቃዕቲታትን ኣብ ወሳኒ ትሕተ-ቅርጺ ዝበጽሕ ዘሎ ዕንወትን፡ ዘላቒ ኣይኰነን። እቲ ብርቱዕ ቋንቋ ንዲፕሎማሲ ጠቕሊልካ ካብ ምንጻግ ንላዕሊ ቅድመ ኵነት እቲ ዝርርብ ምቕማጥ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ውሽጣዊ ፖለቲካ ኢራን ንነገራት ዝያዳ ዝተሓላለኸ ይገብሮ። ብዝያዳ ማእከላይ መርገጽ ዘለዎም ጕጅለታት ዝድገፍ ፕረዚደንት መስዑድ ፔዘሽክያን ጥንቁቕ መገዲ ወሲዱ ኣሎ። ኣኽረርቲ ንዘተ ዝያዳ ይቃወምዎ።

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ማእከላይ መርገጺ ዘለዎም ድምጽታት ከይተረፉ ኣብዚ ህሉው ኵነታት ንዘተ ክምጕቱ ይጽገሙ ኣለዉ፤ ካብ መንግስቲ ወጻኢ እውን ጸቕጢ ይርአ ኣሎ።

ገለ ተቓወምቲ ጕጅለታት ምስ ሰውራ እስላማዊ ሪፓብሊክ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ይነጽጉ። እቲ ኲናት ድማ ስርዓት እታ ሃገር ምፍራስን ምቕያርን ከስዕብ እዩ ብዝብል ተስፋ ነቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝውሰድ ዘሎ መጥቃዕቲ ደጊፎም እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ኲናት ድሮ ገደባት ተጠናኺሮም ስለ ዘለዉ፡ ሓደ ስምምዕ ንሰበስልጣን ኣብ ውሽጢ ሃገር ጸቕጢ ንኽገብሩ ዝያዳ ቦታ ክህቦም ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣለዎም።

መርገጺ ኢራን ብዛዕባ ስነ-ሓሳብ ጥራይ ኣይኰነን፤ ስትራተጂ እውን እዩ።

እቲ ግጭት ካብ ዝጋደድ ንደሓር፡ ቴህራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢላ ንዝካየድ ዓለማዊ ዋሕዚ ጸዓት ክትዘርግ ከም እትኽእል ኣርእያ እያ። ነዚ መስመር ምዕጻው ወይ ምድራት ንዕዳጋታት ነዳድን ጋዝን ጥራይ ዘይኰነ ንሰፊሕ ቀረብ ሰንሰለታት እውን ጸልይዎ እዩ።

እዚ ድማ ንኢራን ሓይሊ ሚዛን ይህባ። ተሪር ህዝባዊ መርገጺ ነቲ ጸቕጢ ኣብ ቦታኡ ንኽጸንሕ ይሕግዝ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ ቀጻሊ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወስዶ ስጕምቲ እንታይ ከም ዝኸውን ንዅሉ ሰብ ክግምት ጥራይ ገይሩዎ ኣሎ

ብዛዕባ'ቲ ትራምፕ ብፓኪስታን ኣቢሉ ናብ ኢራን ዘሕለፎ እማመ ዝምልከት ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ እዚ ውዕላት ኢራን ክትቅበሎ ኣጸጋሚ ክኸውን'ዩ።

እዚ ኣብ ማዕከናት ዜና እስራኤልን ኣመሪካን በብቕሩብ ይወጽእ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ቻነል 12 እስራኤል፡ እቲ ውጥን፥

  • ኣብ ናታንዝ፡ እስፋሃን ከምኡ'ውን ፎርዶ ዝርከቡ ኒዩክለሳዊ ማእከላት ካብ ጥቕሚ ወጻእ ክዀኑ፡
  • ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ኣብ ልዕሊ ንጥፈታት ኢራን ቅሉዕ ክትትልን ቍጽጽርን ክገብር፡
  • ኢራን ኣብቲ ዞባ ዕጡቓት ምድጋፍ ክትገድፍ፣ ንዞባዊ ዕጡቓት እትህቦ ምወላን ዕጥቅን ደው ከተብል፡
  • ማዕቢሉ ዝጸንሐ ኒዩክለሳዊ ዓቕሚ እንተሎ ክዓኑ፤ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከይተፍሪ ድማ ቃል ክትኣቱ፡
  • ኣብ መሬት ኢራን ዝርከብ ዝዀነ ይዅን ኒዩክለሳዊ ንብረት ናብ IAEA ክርከብ፤ መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉትን ናጻን ኰይኑ ክቕጽል
  • ሚሳይላት ኢራን ኣብ መጻኢ ውሳነ ክወሃቦም፡ እንተዀነ ብብዝሕን ርሕቀትን ድሩት ክኸውን፡ ንዕላማታት ርእሰ ምክልኻል ጥራይ ክኸውን ዝብል ጠለባት ይርከቦ።

ዋላ እውን ነዞም ጉዳያት ንምዝርራብ፡ እቲ ዝዓበየ ጉዳይ እምነት እዩ። ዝሓለፉ ስምምዓት ዘላቕነት ኣየርኣዩን።

እቲ ኣብ 2015 ኣብ መንጎ ኢራንን ሓያላት ሃገራት ዓለምን ድሕሪ ናይ ዓመታት ዝርርብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኒዩክለር፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ትራምፕ ዝነበረት ኣመሪካ ካብቲ ስምምዕ ብሓደ ወገን ምስ ወጸት ፈሪሱ። ብዙሓት ኣብ ቴህራን ዝዀነ ሓድሽ ስምምዕ ዘላቕነት ክህልዎ'ዩ ዝብል ይጠራጠሩ።

ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ክፍተት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ንዋሽንግተን ብዛዕባ ምዕባለ ምዝራብ ንፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዕላማታት ከገልግል ይኽእል እዩ።

ንቴህራን፡ ዝርርብ ምንጻግ መርገጺኣ ንምሕላው ዝሕግዝ ኰይኑ፡ ሓቀኛ ጥርጣረታት እውን ዘንጸባርቕ እዩ።

ንሕጂ ኣብ መንጎ ተስፋ ኣመሪካን ምንጻግ ኢራንን ዘሎ ክፍተት ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ መዕለቢ ክረክብ ምግባር ካብ ቃላት ንላዕሊ ክወስድ እዩ።

ዝርርብ ዳግማይ ናብ ዝያዳ ግጭት ከም ዘይመርሕ ሓቀኛ ውሕስነት ክሓትት'ዩ - ትራምፕ ድሕሪ'ቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ውግኣት ከብቅዕ እምበር ኲናት ከም ዘይጅምር መብጽዓ ምእታዉ ኣብ ውሽጢ ሃገር'ውን ከርእዮ ዝደሊ ነገር'ዩ።