ኵናት ኢራን፡ ሃገራት 'ንምዝንጋዕ' ዝድብደባሉ ሓድሽ ስርዓተ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 7 ደቓይቕ

እዚ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይደኦ ዘለዋ ውግእ፡ ካብ ተራ ዞባዊ ግጭት ሓሊፉ፡ ነቲ ዓለም ንዓሰርተታት ዓመታት ክትመራሓሉ ዝጸንሐት ናይ ሕግን ዲፕሎማስን መትከላት ዘራሪጉ፡ ንዓለም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣውዲቑዋ ኣሎ።

እተን ከም ሓያላትን ኣማእዘንቲ ዓለማዊ ስርዓት ዝቑጸራ ዝነበራ ጸለውቲ ሃገራት ጽልወአን እናቆልቆለ ተሰማዕነተን እናጐደለ ብምምጽኡ፡ ናብቲ ዝነበረኦ ደረጃ ንኽምለሳ ዝገብረኦ ዘለዋ ዓቢ ፈተነ፡ ንዓለም ናብ ዘይተፈልጠ መኣዝን ይወስዳ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ቀጥታ ተሳትፎ ዘይብለን ሃገራት፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተሓታትነት፡ ጽምብል በዓላት ከም ዘድምቕ ሪሺታት ምዝንጋዕ፡ ካብ ሰማይ ናይ ሚሳይላትን ድሮናትን ደብዳብ ይዘንበን ኣሎ። በዚ ከኣ እቲ ተዛማዲ ርግኣትን ሰላምን ኣስፊኑ ዝነበረ ዓለም ክትምርሓሉ ዝጸንሐት ሕግታት ይፈርስ ኣሎ።

ድሕሪ 1945 (ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም)፡ ዓለም ብመሪሕነት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ውዕላትን ዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ተመርኵሳ እያ ክትመሓደር ጸኒሓ። ዝኾነ ኵናት ይኹን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ዓለምለኻዊ ስምምዓት ክካየድ ከምዘለዎ ተቐባልነት ረኺቡ ነይሩ።

እዚ ስርዓት እዚ፡ ሓደ መንግስቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዱ፡ ሕጋዊ ኣመኽንዮ ክህልዎን ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ክረክብን ዓለምለኻዊ ሽርክነት ከማዕብልን ይግደድ ነይሩ።

ሕጂ ግን እቲ ዝጸንሐ ስርዓትን ኣካይዳን ፈሪሱ፡ ሕጋዊ ልዕልና ተሪፉ፡ ሓይሊ ኣለኒ ዝብል ድላዩ ብዝግበረሉ መትከል ይዕብለል ኣሎ። እዚ ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን እስራኤል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከኣ፡ ነዚ ሓዲሽ ስርዓት ዓለም ዘርኢ እዩ።

ኢራን እምበኣር ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ክትሓልፍ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን። ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ዓለምለኻዊ እገዳታታትን ፖሎቲካዊ ተነጽሎን እያ ጸኒሓ። ካብቲ ኣብ 1979 ዝተኻየደ ሰውራ ጀሚሩ፡ ኢራን ካብ ምዕራባዊ ዓለም ተነጺላ ክትነብር ተገዲዳ እያ።

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጀኔቫ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ዓለምለኻዊ ኮሜተ ቀይሕ መስቀል ጭሮሖኡ "ዋላ ኵናት ሕጊ ኣለዎ" ዝብል'ዩ

እንተኾነ ግን፡ ኢራን ነዚ ጸቕጥታት እዚ ንምስጋር ናይ ባዕላ መርበብን ቁጠባውን ወተሃደራውን ዓቕሚ ኣማዕቢላ እያ። ዋላ'ኳ እቲ ዝኸበደ ዝበሃል እገዳ እንተተነበረላ፡ ነዳዲ ካብ ምሻጥን ኣብቲ ዞባ ጸላዊት ካብ ምዃንን ኣይዓገታን። እዚ ድማ ኢራን ኣብቲ ዞባ "ተዘዋዋሪ ውግኣት" (Proxy Wars) ብምክያድ፡ ነቶም ተጻረርታ ኣብ በበይኑ ቦታታት ብምውጣር፡ ንነዊሕ እዋን ስትራተጅያዊ ሚዛን ክትሕዝ ኣኽኢልዋ እዩ።

እዚ ዓይነት ውግእ፡ "Strategic Patience" (ስትራተጅያዊ ትዕግስቲ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኢራን ብቐጥታ ናብ ዓቢ ኵናት ካብ ምእታው፡ ንጸላእታ ብቁጠባዊ ክሳራን ብናይ ስነ-ልቦና ጸቕጥን ንምድኻም እያ ትሰርሕ። እቲ ሓድሽ ስርዓተ ዓለም ድማ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይስሩዕ ውግኣት (Asymmetric Warfare) ዝያዳ ባይታ ዝፈጥር ኮይኑ ኣሎ።

እስራኤል'ውን ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ንዓኣ ብቀጥታ ከምዘይምልከታ'ያ ስርሒታት ተካይድ። ሰረተ እምነት ሰራዊት እስራኤል፡ ሓለፍቲ እስራኤል ስግኣት ዝፈጥር ነገር ኣሎ ኣብ ዝብልሉ ቅልጡፍን ወሳንን መጥቓዕቲ ምፍጻም ዝብል'ዩ።

ብዘይካ'ዚ ንጻላኢኻ ከየጥቕዓካ ምጥቓዕ ዝብል ክልሰ ሓሳብ'ውን እስራኤል ብቀንዱ ንዓመታት ክትክተሎ ዝጸንሐት ኣገባብ'ዩ።

ናይ ቀረባ ግዜ እንተገንጺልና'ውን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝኸፈተቶ ኵናት፡ ብዓለምለኻዊ ሕጋጋት ተራእዩ ክሳብ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከም እትኽሰስ ገይርዋ'ዩ።

መግለጺ ስእሊ, ብኣመሪካ ዝተደብዳበት ካርግ ዝተብሃለት ስትራተጅያዊት ደሴት ኢራን

እስራኤል ከኣ ብተመሳሳሊ ነቲ ጉዳይ ብመዳይ ጸጥታ ብምዕዛብ ነቲ ወተሃደራዊ መጥቓዕቲ ትቅጽሎ ኣላ፡ ካብታ ቀንዲ መሓዛኣን መሻርኽታን ዝዀነት ኣመሪካ'ውን ደገፍ ኣይተጋደፋን።

ኣመሪካ ኣብ ዓለምኻዊ ሕጋጋት ኣባል ጥራይ ተባሂላ ትግለጽ ሃገር ኣይኮነትን፡ ካብ 1945 ኣትሒዛ ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ንኽትግበር ካብ ቀንዲ ንጥፍትን ተዋሳእትን ሃገራት'ያ ነይራ።

እዚ ከኣ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም ጽልዋኣ ንኽዓቢ ዓቢ ዕድል'ዩ ፈጢሩላ።

እታ ቀንዲ ኣጽላሊትን ሓብሓቢትን ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝነበረት ኣመሪካ ኣብ 2003 ኣብ ልዕሊ ኢራቕ ወራር ብምፍጻም ነቲ ውዕል ኣፍሪሳቶ።

ዋላ ሽዕኡ'ውን እንተኾነት ነቲ ወራር ንምክያድ፡ ኢራቕ ንመላእ ዓለም ስግኣት ምዃና ብምግላጽ ምስኣ ዝስለፋ ሃገራት ረኺባ'ያ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያን ፖላንድን ምስ ካልኦት ዓሰርተታት ሃገራት፡ ንጻውዒት ኣመሪካ ሰሚዐን ኣብ ወራር ኢራቕ ኢደን ሓዊሰን'የን።

እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራቕ ዝፈጸመቶ ወራር ብዓይኒ ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ኣዝዩ ኣካታዒ'ኳ እንተዀነ፡ ኣመሪካ ግን ክሳብ ሕጂ ነቲ ስርሒት ንረብሓ ብዙሓትን መስርሓት ብዝሓለወን ከምዝተኻየደ'ያ ትማጎት።

እዚ ናይ ሕጂ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝጀመራኦ ኵናት ግን ብብዙሓት ወገናት ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ሓያሎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣመሪካ'ውን ዝተፈላለየ ቃና ዘለዎ መግለጺታት'ዮም ዝህቡ ዘለዉ።

ዶናልድ ትራምፕ ብ14 መጋቢት ንማዕከን ዜና ኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኣብ ኢራናዊት ደሴት ካርግ ደብዳብ ብምፍጻም ፈጺማ ከምዘዕነወታ ሓቢሩ።

ትራምፕ ብምስዓብ "ንምዝንጋዕ ገለ ተወሰኽቲ ደብዳባት'ውን ንፍጽም ንኸውን ኢና" ምባሉ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣመሪካ ተካይዶ ዝነበረት ወተሃደራዊ ስርሒታት ንምምኽናይ ትጥቐመሉ ቃላት እዚ ቀጥታውን ዲፕሎማስያዊ ቃላት ዝጎደሎን ተባሂሉ'ዩ ክግለጽ ዝከኣል።

ብዘይካ'ዚ ኣብዚ ናይ ሕጂ ክስተት ኣመሪካ ንቁጠባ ከም መሳርሒ ክትጥቀመሉ ተራእያ'ያ።

ኣመሪካ ጉዳይ ታሪፍ፡ ንግዳዊ እገዳን ፋይናንስያዊ ስጉምትታት ኣብ ልዕሊ ተቃወምተይ'የን ትብለን ጥራይ ዘይኮነስ ዋላ ኣብ ልዕሊ እተን ንነዊሕ ዓመታት መሻርክታ ዝነበራ ሃገራት'ውን ከተንብር ጀሚራ።

ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ምክልኻል ውሑድ ገንዘብ እየን ዝስልዓ፡ ምስ ሩስያ ንግዳዊ ምልውዋጥ ይግበራ ኣለዋ እናበለት ዋሽንግተን ትነቕፈን እያ።

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብኢራንን ብደገፍቲ ኢራንን ደብዳብ ዝተፈጸሞ ቦታታት ዘርኢ ካርታ

እዚ ከምዚ ዓይነት ፖሊሲ ኣብ ሓጺር ግዜ ውጽኢት ከርኢ ይኽእል'ዩ፡ ኣብ ዝተናወሐ ግዜ ግን እቲ ከስዕቦ ዝኽእል መዘዝ ንጹር ኣይኮነን።

ኣመሪካ ነቲ ባዕላ ጽላሉ'የ ኢላ ትምክሓሉ ዝነበረት ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ክትጥሕሶ ካብ ጀመረት፡ ካልኦት ዝዓንተራ ሃገራት'ውን በቲ ሕጊ ኣይንምእዘዝን ኢና ክብላ ክጅምራ ይኽእላ'የን። ወይ'ውን ብመጠኑ ክጥሕሰኦ ክፍትና እየን።

ኣብ ዝሓለፈ ግጭት፡ መራሕቲ ኢራን ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ከመይ ከም ዘአንግድዎ ኣርእዮም'ዮም።

ኣብቲ ኣብ ሰነ 2025 ን12 መዓልታት ዝተኻየደ ኵናት እንተርኢና፡ መራሕቲ ኢራን ዋላ ወተሃደራዊ ግብረ መልሲ እናሃቡ ክንጥሕሶም የብልናን ዝበልዎም ቀያሕቲ መስመራት ዝነበሮም ይመስሉ።

ኣብቲ እዋን፡ ኢራን ንደብዳብ ኣመሪካ ግብረ መልሲ ንምሃብ ናብቲ ኣብ ቐጠር ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣል ዑደይድ ቅድሚ ምድብዳባ ናብ ሰብ መዚ ቐጠርን ኣመሪካን ነቲ መዓስከር ክትድብድቦ ምዃና ብወግዒ ኣጠንቂቓ'ያ።

ናብቲ ኣብ ኢራቕ ዝነበረ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትድብድብ ምዃና'ውን ኣቐዲማ መጠንቐቕታ ሂባ'ያ።

ኣብቲ መዓስከር መጠናዊ ደብዳብ ምስ ኣብጸሐት'ውን ነቲ ግጭት ንዘይምጉህሃር ጸቡቕ ገይራ ኣይጸንበለቶን።

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ 27 ለካቲትን ድሕሪ 3 መጋቢት 2026 ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብ ዘርኢ ብቢቢሲ ዝተዳለወ ስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሊባኖስን እስራልን ዝተፈጸመ ደብዳባት

ኣብዚ ናይ ሕጂ ኵናት ግን ኢራን'ውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ቅድሚ ምድብዳብ መጠንቀቕታ ምሃብ ሓዲጋቶ'ያ።

ኢራን ኣብ መጀመርታ መጥቃዕቲ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒኣ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ምስ ተቐተላ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዘለዋን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብኣልማማ ኣብ ልዕሊ እቲ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ሲቪላዊ ትሕቲ ቅርጽን ደብዳባት ናይ ድሮንን ሚሳይል ኣካይዳ።

ብዘይካ'ዚ ነቲ 20 ሚኢታዊት ጠለብ ነዳዲ ዓለም ዝሓለፍሉ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሰሜን ካብ ኢራን ንደቡብ ዝርከብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻው ዋጋ ነዳዲ ንደረጃ ዓለም ከምዝንህር ገይራቶ ኣላ።

እቲ ኣብ መጀመርታ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዝጀመረ ኵናት፡ ኵናት ሰለስቲኤን ሃገራት ኮይኑ ኣይትሓጸረን፡ ዖማን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቐጠር፡ ኪዌት፡ ስዑድያ፡ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ባሕረይን፡ ቆጵሮስን ኢራቕን ብቀጥታ ብሚሳይልን ድሮንን ተጠቐዒዐን። ጽልዋ ናይቲ ኵናት ከኣ ብቁጠባዊ መዳይ ንመላእ ዓለም ኣረኻኪብሉ ኣሎ።

እተን ብድሕሪ ኣመሪካ ዘለዋ ጸለውቲ ዝብሃላ ዓበይቲ ሃገራት'ውን ነዚ ጉዳይ ብኣንክሮ እየን ዝከታተልኦ ዘለዋ።

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኢራን ዝተፈጸመ ደብዳባት
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኢራን ዝተፈጸመ ደብዳባት

ሩስያ ነዚ ዘሎ ቅልውላው ናይ ጽዓት ንምምላእ፡ እቲ ተነቢርላ ዝነበረ እገዳ ብመጠኑ ተፋዂስላስ ክሳብ 11 ሚያዝያ ነዳዲ ከምድላያ ክትሸይጥ ካብ ኣመሪካ ፍቓድ ተዋሂቡዋ ኣሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ግን ነቲ ብኣመሪካ ዝተላዐለ እገዳ ሩስያ ብምቅዋም፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳ ከምዝቕጽሎ ገሊጹ ኣሎ።

ቻይና ከኣ ነቲ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ብጽሞና ትከታተሎ ኣሎ።

ንግዚኡ ሃገራት ኣውሮጳ ኣንፈት ናይዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብ ምምእዛን ድሩት ዓቕሚ'ዩ ዘለወን።

ዋላ እኳ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይገብራ እንተለዋ፡ሕብረት ኤውሮጳ ብዓቢኡ ከኣ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ክንዲ ኣማእዘንቲ እቲ ምዕባለ ተዓዘብቲ ክዀና'የን መሪጸን ዘለዋ።

ስለዚ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሰዓርን ተሰዓርን ዘለዎ ኣይመስልን እዩ።

እቲ ውጽኢት ንድርዕን ቀጻልነትን እቲ ኣብ 1945 ዝተፈረመ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ዝፈታተን'ዩ ክኸውን።

እዚ ዓለምኻዊ ሕጋጋት እናተጣሓሰን እናደኸመን እንተኸይዱ፡ እቲ ውጽኢት፡ ሃገራት ኣብ ክንዲ ኣብ ሓባራዊ ሕጊ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይልን ናይ ምግባር ዓቕምን እዩ ክምርኮስ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ዋላ እተን ነቲ ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝነደፈኦ ሃገራት እቲ ምፍራስ ዝፈጥሮ ሃደሽታ ክግመት ዘይክኣል ሳዕቤናት ከኸትለለን ይኽእል'ዩ።

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተፈጸመ ደብዳባት