ሚሳይላት ኢራን ናብ ኣውሮጳ ክበጽሕ ይኽእል ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Atta Kenare / AFP via Getty Images
ኢራን ናብታ ኣብ ማእከል ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ፡ ኣመሪካን ዓዲ እንግሊዝን ብልፍንቲ ከም ወተሃደራዊ መደበር ዝጥቀማላ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ ሚሳይል ምትኳሳ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ናብ ካልእ ብራኸ ዘዕርግ'ዩ።
እቲ ኢራን ዝተኰሰቶ ሚሳይል ዋላ'ኳ ዕላማኡ እንተዘይሃረመ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ ዳሕረዋይ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኢራን ነዊሕ ዝውንጨፍ ሚሳይል ክትጥቀም እዚ ናይ ፈለማ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኢራን ብዛዕባ'ቲ ናብ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ ተኲሳቶ ዝተበሃለ ባልስቲክ ሚሳይል ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።
እንተዀነ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ነቲ ብናይ ደገ ማዕከናት ዜና ዝተቓልሐ ከም ምንጪ ብምውሳድ ኣብ ገጻተን ኣስፊረን'የን።
ሕጂ ክኢላታት ብዛዕባ እቲ ዝፈሸለ ፈተነ ነዊሕ ዝውንጨፍ ሚሳይል ኢራን ዘይኰኑ፡ ብዛዕባ ኢራን ሒዛቶ ዘላ ሚሳይላት ክሳብ ኣበይ ዝበጽሕ'ዩ ዝብል'ዮም ዝዘራረቡ ዘለዉ።
ንኣብነት በዓል በርሊን፡ ፓሪስን ለንደንን ዝርከብአን ርእሰ ከተማታት ኣውሮጳ ኣብ መጻኢ ብኢራን ክህረማ ይኽእላ ድየን ዝብል ነጥቢ የዘራርብ ኣሎ።
ካቢነ ምኒስተራት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኢራን ናብ ለንደን ክበጽሑ ዝኽእሉ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ኣለዋ ዝብል ብሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዝተወሃበ መግለጺ "ዘረጋግጽ ገምጋም የለን" ክብል ነጺግዎ።
ኢራን ኣቐድም ኣቢላ ልዕሊ 2000 ኪሎሜተር ዝውንጨፍ ሚሳይል ከም ዘይተማዕበል ባዕላ ገሊጻ ነይራ'ያ፤ ሕጂ ግን ሓሳባ ከም ዝለወጠት ገለ ርእይቶኦም ይህቡ ኣለዉ።
![ገለ ካብቲ ኢራን ዘማዕበለቶ ባላስቲክ ሚሳይል [ነሓሰ 2023 ዝተሰኣለ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/9684/live/3faa2530-26d9-11f1-97e8-e56f64304680.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, EPA
ጎንቸህ ሃቢቢዛድ ካብ ቢቢሲ ፐሪሽያ "ፕሮግራም ሚሳይል ኢራን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ትዅረት ኣህጉራዊ ምጽራይ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ኢራን እቲ ተማዕብሎ ሚሳይል ንነብሰ ምክልኻልን ሃገራዊ ስትራተጅን ዝዓለመ ምዃኑ'ያ ትገልጽ፣ ነቐፍቲ ግን ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፍ ሚሳይላት ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ንዞባዊ ጸጥታዊ ዳይናሚክስ ክቕይር ከም ዝኽእል ይምጕቱ፡" ትብል።
ብዛዕባ ኒዩክለሳዊ መደባት ቴህራን ንዝተፈጠረ ስክፍታታት ንምፍታሕ ዘተ ካብ ዝካየድ ወርሒ ጥራይ ኰይኑ ኣሎ። ተወሳኺ ዙርያታት ዘተ ክካየድ ኣብ መደብ እንከሎ ኸኣ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ፈጺመን።
ደሴት ድያጎ ካርሽያ፡ ካብ ኢራን ኣስታት 3800 ኪሎ ሜተር ርሕቀት'ዩ ዘለዋ።
ዎል ስትሪት ጆርናልን ሲኤንኤንን ስሞም ዘይገለጽዎም ሰብ መዚ ኣመሪካ ከም ምንጪ ብምጥቃም፡ ኢራን ክልተ ባላስቲክ ሚሳይል ናብ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ ከምዝተኰሰት እንተዀነ ዕላማኡ ከምዘይሃረመ ኣቓሊሐን።
እቲ ሓደ ሚሳይል ኣብ መንገዲ ክመክን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ሚሳይል ካብ መርከብ ኣመሪካ ብዝተተኰሰሉ ጸረ-ሚሳይል ተሃሪሙ ከም ዝወደቐ ቢቢሲ ከረጋገጽ ክኢሉ'ዩ።
ብድሕሪ'ዚ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብዙሓት ከተማታት ኣውሮጳ፡ ኤስያን ኣፍሪቃን ሓደጋ ኣንጸላልይወን ምህላዉ ብምግላጽ፡ ኢራን ነዚ ዝውንጨፍ ባልስቲክ ሚሳይል ኣማዕቢላ ከምዘላ ባዕላ ኣርያትና ኣላ ኢሉ።
ሓለቃ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሌተና ጀነራል ኢያል ዛሚር፡ ኢራን ናብ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ ሚሳይል ድሕሪ ምትኳሳ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "ኢራን ክልተ ኣህጉር ሰገር ክሳብ 4000 ኪሎሜተር ዝውንጨፍ ባልስቲክ ሚሳይል ተኲሳ፣ እዚ ንእስራኤል ንምህራም ዝተተኰሰ ኣይኰነን፡ እቲ ዝሽፍኖ ራሕቂ ግን ንርእሰ ከተማታት ኣውሮጳ ዝዀና ከም በርሊን፡ ፓሪስ፡ ሮማን ካልኦትን ኣብ ዓንኬል ኢራን ከተብጽሓሉ እትኽእል ርሕቀት'የን ዘለዋ" ኢሉ።
ክኢላ ምክልኻልን ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ብሪጣንያ ዝነበረን ጀነራል ሰር ሪቻርድ ባሮንስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ እዚ ኢራን ኣማዕቢላቶ ዘላ ሚሳይላት ክሳብ ኣበይ ዝበጽሕ'ዩ ንዝብል ዳግማይ ክረአ ዝድርኽ'ዩ ኢሉ።
"ኣቐድም ኣቢልና ሚሳይላት ኢራን 2000 ኪሎሜተር ክበጽሕ ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት'ዩ ነይሩና፤ ድያጎ ጋርሽያ ግን ካብ ኢራን 3800 ኪሎ ሜተር ራሕቂ'ዩ ዘለዎ" ኢሉ።

ኢራን ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ኣማዕቢላቶ ዘላ ባልስቲክ ሚሳይል ልዕሊ 2000 ኪሎ ሜተር ከም ዘይከይድ'ያ ትገልጽ፣ እዚ ከኣ ሚሳይላት ኢራን ናብ እስራኤል'ምበር ናብ ኣውሮጳ ከም ዘይበጽሕ'ዩ ዘርኢ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሕጂ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝጀመራኦ ኲናት ዝተቐተለ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ነበር ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኣብ 2021 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢራን ንእተፍርዮ ሚሳይል ገደብ ራሕቂ ዝገበረትሉ ፖለቲካዊ ምርጫኣ ስለዝዀነ'ምበር ልዕሊኡ ዝውንጨፍ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ስለዝሰኣነት ኣይኰነን ኢሉ ነይሩ'ዩ።
እዚ ከኣ ካብ እስራኤል ክመጽኦም ንዝኽእል መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ንምሃብ ኢሎም ከም ዘማዕበልዎ እቲ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ነበር ኣብሪሁ።
ኣብቲ እዋን ከኣ ከኣ ሃገራት ኣውሮጳ ካብ ኢራን ክበጽሓና ይኽእል'ዩ ዝብለኦ ስግኣት ስለዘይነበረን፡ ነቲ ኢራን ተማዕብሎ ዝነበረት ባልስቲክ ሚሳይል ብስግኣት ኣይረኣየኦን።
እንተዀነ ኣብ መስከረም ዝሓለፈ ዓመት ኣባል ባይቶ ኢራን ኣብ ተሌቪዥን ሃገሩ ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኢራን ኣህጉር ሰገር ሚሳይል ከም ዘማዕበለት ገሊጹ፤ እንተዀነ እቲ ሚሳይል ክንደይ ርሕቀት ከምዝውንጨፍ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።
ዓቕሚ ሚሳይል ዝሽፍኖ ርሕቀት
ኢራን ኣማዕቢላቶ ዘላ ነዊሕ ዝውንጨፍ ባልስቲክ ሚሳይል ክሳብ ብዓል ለንደን ክበጽሕ ዓቕሚ ኣለዎ ድዩ ኣብ ዝብል ነጥቢ ክኢላታት ኣብ ክልተ'ዮም ተመቓቒሎም ዘለዉ።
ብተወሳኺ ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ ኢራን ዘለዋ ናይ ህዋ ፕሮግራም ኣህጉር ሰገር ሚሳይል ከተማዕብል ሓጊዝዋ ክኸውን ከም ዝኽእልን ነዊሕ ዝውንጨፍ ሚሳይል ክትሰርሕ ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ ኣማዕቢላ ኣላ ዝብል እምነት ከም ዘለዎምን ታይምስ ኦፍ እስራኤል ኣቃሊሓ።
ገለ ተንተንቲ ምስዚ ሓሳብ ይሰማምዑ'ዮም።
ዳይረክተር ጀነራል ናይቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ትካል ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስ ነበር ዶክተር ካሪን ቮን ሂፐል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ "እቲ ሚሳይላት ኣብ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ ከም ዝበጽሐ እንተወሲድና፡ ዋላ ደኣ ብተግባር ኣይንርኣዮም፡ ኢራናውያን ክሳብ 10 ሽሕ ኪሎ ሜተር ክውንጨፍ ዝኽእል ባልስቲክ ሚሳይል የማዕብሉ ኣለዉ ኢልና ክንርዳእ ንኽእል ኢና፡" ኢሉ።
እዚ ማለት ከኣ፡ ካብ ኢራን ዝተወንጨፈ ሚሳይል ናብ ኣመሪካ ክበጽሕ ይኽእል'ዩ።
ክኢላታት፡ ኢራን ናብ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ ባልስቲክ ሚሳይል ምትኳሳ፡ እቲ ልዕሊ 2000 ኪሎ ሜተር ዝውንጨፍ ሚሳይል ከም ዘይተፍሪ ክትገልጾ ዝጸንሓት ከም ዘፍረሰቶ'ዩ ዘርኢ።
ብተወሳኺ ኢራን፡ ሕጂ ይኵን ኣብ መጻኢ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ንኸተርኢ ኢላ ናብ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ ሚሳይል ከም ዝተኰሰት ዝገልጹ'ውን ኣለዉ።

ካልኦት ከኣ እዚ ኢራን ናብ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ ዝተኰሰቶ ባልስቲክ ሚሳይል ዋላ ኣብ ሰማይ እንከሎ እንተዘይብርዕን ብርግጽ ናብ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ ምበጽሐዶ ኢሎም ዝሓቱ'ውን ኣለዉ።
ምኒስተር ኣባይቲ ዓባይ ብሪጣንያ ስቲቭ ሪድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኢራናውያን ንእንግሊዛውያን ዒላማ ይገብሩ ኣለዉ ወይ ዒላማ ክገብሩ ይደልዩ'ዮም ኣብ ዝብል ዝተገበረ መጽናዕትን መደምደምታን የለን" ኢሉ።
ኢራን ነዚ ሚሳይል ንኽንድዚ ዝኣክል ርሕቀት ኣብ ዝጕዓዘሉ ኣብ ባይታ ኰይና ክትቈጻጸረሉ ዘኽእላ ቴክኖሎጂ ኣማዕቢላ ድያ ኣየማዕበለትን'ውን ብዙሓት ከም ሕቶ ዘልዕልዎ ነጥቢ'ዩ።
ገሊኦም ድማ ኢራን እቶም ዒላማታት ንምውቃዕ ሓሲባ ከም ዘይትፈልጥ፤ ኣብ ክንድኡ ድማ ቴህራን ንጹር ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ትሰድድ ከምዝነበረት ይኣምኑ።
ኣባል ወተሃደራዊ ስለያ እስራኤል ነበር ዳኒ ሲትሪኖዊዝ ምስ ኣብ ለንደን ዝመደበራ ጋዜጣ ኢንዲፐንደንት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት "ጽባሕ ንለንደን ወይ ፓሪስ ከጥቅዑ እዮም ኢሎም ዝሓስቡ ኣይመስለንን፣ እዚ ግን ካልእ ነቲ መከላኸሊ ንምህናጽ ዘኽእሎም ባእታ'ዩ ዝመስለኒ"ኢሉ።
እስራኤል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ብኢራን ንዝተፈጸመ ፍጻመታት ዝሃበቶ ምላሽ'ውን ከም ናይ ምጥራዕ ኣውያት ክትርጎም ይኽእል እዩ።
ምክትል ሓላፊ ሰሜን ኪዳን ኣትላንቲክ ኣብ ኣውሮጳ ዝነበረ ጀነራል ሰር ሪቻርድ ሺሪፍ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ "ብርግጽ እስራኤል ነዚ ዝበለትሉ ምኽንያት ንረብሓኦም ነቲ ኲናት ንምስፋሕን ካልኦት ብዙሓት ኣህዛብ ኣብ ጐድኒ ኣመሪካን እስራኤልን ንኽስለፉ ንምድራኽን'ዩ" ኢሉ።
"ነዚ ክንቃወሞ ኣለና፣ እዚ ናይ ትራምፕ ኲናት'ዩ፣ ንጹር መወዳእታን ስትራተጅን ዘይብሉ ኲናት'ዩ ናብ ረግረግ ድማ ይቕየር ኣሎ። ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ እቲ ኒዩክለሳዊ ዓቕሚ ኢራን ከም ዝተደምሰሰ ተነጊሩና። ኣብዚ ጉዳይ ካብ ዋሽንግተን ዝወጽእ ዝዀነ ነገር ክንኣምን ኣይንኽእልን ኢና፡" ኢሉ።






![ፕረዘደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ቻይና ዢን ፒንጂንግን ናብ ክልተ ዝተፈላለየ ኣንፈት እናረኣዩ ኣብ ሞንጎኦም ኮንተይነር ዝጽዓነት መርከብ፡ ነፋሪት፡ ባንዲራ ኢራን፡ ጸሊም ትክን ነፋሪት ውግእን ይርኣ [ብቢቢሲ ዝተሰርሐ ገራፊክ'ዩ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/be7b/live/fb598220-1d5c-11f1-b048-c9424b2cf5fd.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


