ግብጺ፡ ጸዓት ንምቝጣብ ኣብያተ መግቢ ብእዋኑ ክዓጽዋ ኣዚዛ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዋጋ ጸዓት ብምውሳኹ፡ ኣብ ግብጺ ኣብያተ መግቢ፡ ድኳናትን ኣብያተ ሻሂን ብእዋነን ክዓጽዋ ተነጊርወን።
እተን ህዝባውያን ትካላት ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚረን ንሓደ ወርሒ፡ ሰዓት ትሽዓት ናይ ምሸት ማዕጾአን ክዓጽዋ ተነጊሩወን ኣሎ።
ብዘይካ'ዚ መንግስቲ ግብጺ ጸዓት ንምቝጣብ መብራህቲ ጐደናታት ድብዝዝ ክብልን ኣብ ጐድኒ ጽርግያ ንመወዓውዒ ዝትከል ዓበይቲ ታቤላታት'ውን ብተመሳሳሊ ክንዲ ባውዛ ደብዛዝ መብራህቲ ክጥቀም፣ ከምኡ ንሓያለ ሰራሕተኛታት ኣብ ሚያዝያ ዝጅምር ኣብ ሰሙን ብውሕዱ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ገዛ ኰይኖም ክሰርሑ ተሓቢሩዎም ኣሎ።
ኢራን ንቀንዲ መተሓላለፊ ነዳድን ጋዝን ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻዋ ብኸቢድ ካብ ዝተሃስያ ሃገራት ሓንቲ ግብጺ'ያ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ዝዕጾ ዋጋ ነዳዲ ቅድሚ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ደብዳብ ምጅማረን ንሓደ በርሚል ነዳዲ 64 ዶላር ዝነበረ ሕጂ ግን ንሓደ በርሚል ነዳዲ ልዕሊ 100 ዶላር በጺሑ ኣሎ።
ንዅሉ ምንቅስቓስ ቍጠባ ነዳዲ ወሳኒ ተራ ስለዘለዎ፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምዕጻው እንተቐጺላቶ፡ ዋጋ መግቢ፡ መድሃኒትን ካልኦት ሃለኽቲ ነገራት'ውን ክውስኽ ከም ዝኽእል'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ግብጺ ዋላ ድኣ ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኢዳ ኣይትሓውስ፡ ጸዓት ንምርካብ ካብቲ ካብ ማእከላይ ምብራቕ እትሽምቶ ጋዝ ዝተጻረየን ዘይተጻረየን ነዳዲ ስለእትምርኰስ፡ ሓንቲ ካብተን ብቐጥታ ብምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ተሃስየን ዘለዋ ሃገራት'ያ።
ቀዳማይ ምኒስተር ግብጺ ሙስጦፋ ማድቦሊ ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ግብጺ ንጸዓት ተውጽኦ ገንዘብ ምስ ናይ ጥሪ ብምንጽጻር ብልዕሊ ብዕጽፊ ብምውሳኹ ወርሓዊ 2.5 ቢልዮን ዶላር ተውጽእ ምህላዋ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ግብጺ ኣብያተ መግብን ሻሂን ብእዋኑ ክዓጽዋ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ፡ ነተን መስሕብ በጻሕቲ ዝዀና ትካላት ኣየእተወንን።
ግብጺ ካብ በጻሕቲ ሃገር እትረኽቦ ኣታዊታት 10 ሚእታዊት ካብ ቍጠባኣ ከም ዝሽፍን'ዩ ዝንገር። እንተዀነ ሓያለ ከም ብዓል ማርዮትን ኮስሞፖሊታንን ዝብሃላ ፍሉጡታት ሆቴላት ንማዕከን ዜና ኣርኤፍኣይ ኣብ ዝሃበኦ ቃል፡ መብራህቲ ክጠፍእ ይኽእል'ዩ ብምባል ዓማዊን ንምቕባል፡ ዓበይቲ ጀነሬተራት ኣዳልየን ምህላወን ገሊጸን።
መንግስቲ ነቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ካብ ገዛኦም ኰይኖም ክሰርሑ ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ፡ ንሰራሕተኛታት ሕክምና፡ ኣብያተ ትምህርትን ፋብሪካታትን ኣይክምልከትን'ዩ።
20 ሚእታዊት ካብ ጠለብ ነዳድን ጋዝን ዓለም ብመጻብቦ ሆርሙዝ'ዩ ዝሓልፍ። ምዕጻው እዚ መጻብቦ ከኣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓቢ ቅልውላው ጸዓት ፈጢሩ ይርከብ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋትን ነተን ብእኡ ዝሓለፋ መራኽብ ድሕነተን ንምውሓስን ከም ሃገራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን ሃገራት ኣውሮጳን ግቡአን ኣየበርከታን ክብል ብተደጋጋሚ ተሰሚዑ'ዩ።
ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ካብ እትዓጽዎ ኣዝየን ውሑዳት መራኽብ'የን በቲ መጻብቦ ሓሊፈን፣ ንሰን'ውን መራኽብ ናይተን ምስ ኢራን ጽቡቕ ርክብ ዘለወን ከም ሃገራት ቻይናን ህንድን'የን።
ታይላንድ'ውን ብቀዳም ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እተን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ነዳዲ ጽዒነን ተዓጽየን ዘለዋ መራኽባ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንኽሓልፋ ምስ ኢራን ከም ዝተረዳድአት ኣፍሊጣ።
መንግስቲ ግብጺ ድሮ ታሪፍ ነዳድን ዋጋ ህዝባውያን መጓዓዝያን ወሲኽሉ'ዩ።
ብተወሳኺ ብዙሕ ጸዓት ዝወስድ ፕሮጀክትታት መንግስቲ ከዝሕሎን ምንቅስቓስ ብመንግስቲ ዝውነና መካይን'ውን ብሓደ ሲሶ ክንክየን ምዃኑ ሮይተርስ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ካብ ቀዳም ጀሚሩ ብመንግስቲ ዝውነና ትካላት ንመጓዓዝያ ዝወጽእ ጸዓት ንምቝጣብ ብዙሕ ወሰንቲ ዘይኰኑ ሰራሕተኛታተን ዕረፍቲ ከውጽአኦም ሓቢርወን ኣሎ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available