እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያውን ቪዛ ኣመሪካ ንምርካብ ክሳብ 15 ሽሕ ዶላር ትሕጃ ክሕተቱ'ዮም: ኤርትራውያንከ?
ንንግድን ንምዝዋርን ናብ ኣመሪካ ዘእቱ ቪዛ ንምርካብ ዝሓቱ ኢትዮጵያውያን፡ ቪዛ ንኽረኽቡ ክሳብ 15 ሽሕ ዶላር ትሕጃ ከትሕዙ ክሕተቱ'ዮም።
እዚ፡ እቶም ቪዛ ተዋሂብዎም ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ'ሞ ልዕሊ እቲ ዝግበኦም ምዓልቲ ኣብ ኣመሪካ እንተ ጸኒሖም እቲ ገንዘብ ተመላሲ ከምይከውን ዝገብር ሓዲሽ ሕጊ'ዩ።
እዚ ሓዲሽ ሕጊ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ተግባራዊ ከምዝኸውን ቤት ጽሕፈት ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ኣመሪካ ዝኣትወሉን ዝጸንሕሉን ዕድላት ኣዝዩ እናኣጽበቦ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ብዙሓት ካብተን ብእገዳ መገሻ ትራምፕ ቀዲመን ዒላማ ዝተገብራ፡ ሃገራት ሓንቲ ኤርትራ እያ።
ሰባት ናብ ኣመሪካ ዘእቱ ቪዛ ንምርካብ ገንዝብ ከትሕዙ ዝብል ሕጊ ድማ ኣብ ሓምለ 2025'ዩ ተኣታትዩ።
ቤት ፍሕፈት ምኒስትሪ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብተን እዚ ግደታ እዚ ዝተነበረን 38 ሃገራት እተን 24 ሃገራት ኣፍሪቃ'የን።
ኣብቲ ከም ናይጀርያ፡ ጅቡቲን ዩጋንዳን ዝኣመሰላ ኣብ ዝተጠቐሳሉ ኣገባብ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝርዝር ኣይኣተወትን ነይራ።
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እተን ኣቐዲመን ተጠቒሰን ዝነበራ 38 ሃገራት ስም ዝርዝር 12 ሃገራት ከምዝወሰኸ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንሓደ ብዓል ስልጣን ከም ምንጪ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።
ካብዚ ሓዲሽ ዝርዝር ካብ ዝኣተዋ ሃገራት ከኣ ኢትዮጵያ ሓንቲ ኰይና ኣላ።
ብተወሳኺ ሃገራት ሞዛምቢክ፡ ቱኒዝያ፡ ለሴቶ፡ ሞሪሽየስን ሲሸልስን'ውን ምስ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝርዝር ተጠቒሰን ኣለዋ።
እዚ ግዴታ እዚ ኣብቶም ንንግድን ንምዝዋርን "B1/B2" ዝበሃል ዓይነት ቪዛ ንዝሓቱ'ዩ ተግባራዊ ክኸውን።
ከምዚ ዓይነት ቪዛ ክረኽቡ ዝደልዩ ኣመልከትቲ ከከም ደረጃኡ 5 ሽሕ፡ 10 ሽሕ ወይ 15 ሽሕ ከትሕዙ ከምዝግደዱ እቲ ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።
እቶም ኣመልከትቲ ክንደይ ገንዘብ ከትሕዙ ከምዘለዎም ኣብቲ ቪዛ ንምርካብ ዝገብርዎ ቃል መሕተት ዝውሰን ከምዝኾነ'ውን ተገሊጹ።
እቶም ገንዘብ ኣትሒዞም ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉ፡ ካብቲ ዝተፈቐዶም ግዜ ከየሕለፉ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም እቲ ገንዘብ ሽዑንሽኡ ከምዝምለሰሎም ቤት ጽሕፈት ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ቨዛ ተዋሂብዎም ናብ ኣመሪካ ከይከዱ እንተተሪፎም ወይ ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣተዉ ካብ መዓርፊ ነፈርቲ ከምዝምለሱ እንተተገረይሮም'ውን እቲ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ክምለሰሎም'ዩ።
ኣብ ኣመሪካ ኣትዮም፡ ካብቲ ዝተፈቐዶም መዓልቲ እንተኣሕሊፎምን ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ እንተሓቲቶምን ግን እቲ ገንዘብ ከምዘይምለሰሎም እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ የረድእ።
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ቁጽሪ ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ንምግታእ ኣብ ዝገብሮ ስጉምትታት ስም ኢትዮጵያ ክጥቀስ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ናብ ኣመሪካ ብንግዲ ይኹን ብምብጻሕ ዝገሹ ኢትዮጵያውን ኣብ ኣመሪካ ክጸንሑ ዝፍቐዶም ግዜ ካብ ክልተ ዓመት ናብ ሰለስተ ኣዋርሕ ምጉዳሉ ይዝከር።
ብተወሳኺ ሓንሳብ ቪዛ ምስ ረኸቡ ናብ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ክመላለሱ ዝውሃብ ዝነበረ ዕድል [ማልቲፕል ቪዛ] ተሪፉ ሰብ ምስ ኣመልከት ንሓንሳብ ጥራይ ናብ ኣመሪካ ዘእትዎ ቪዛ [ሲንግል ቪዛ] እዩ ክውሃቦ።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ'ውን ልዕሊ 5 ሽሕ ኣብ ኣመሪካ ክነብሩ ፍቓድ ዘይነበሮም ኢትዮጵያውያን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ካብታ ሃገር ከይስጎጉ ኣቐዲሙ ሂብዎም ዝነበረ መሰል ከምዘልዓሎ ይዝከር።
በዚ ምኽንያት እቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ትእዛዝ ተዋሂብዎም'ኳ እንተነበረ ቤት ፍርዲ፡ እዚ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ብግዝያውነት ኣጊዱዎ ኣሎ።
ኤርትራውያንከ?
ብዙሓት ካብተን ብእገዳ መገሻ ትራምፕ ዒላማ ዝተገብራ፡ ልዑል መዝገብ ልዕሊ ግዜ ጻንሖት ኣለወን፡ ዝተብሃለ ሃገራት ሓንቲ ኤርትራ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ኣብቲ ወርሒ ኣብ ዝተተግበረ እገዳ ቪዛ ዝኣተወትሉ ምኽንያት ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ሽዑ ዝወጽአ መግለጺ፡ "መንግስቲ ኤርትራ ፓስፖርትን ስቪላዊ ሰነዳትን ብግቡእ መንገዲ ከም ዝህብ ኣመሪካ እምነት የብላን፤ እዚ ድማ መንነት ሰባት ኣብ ምርግጋጽ ስክፍታታት ዘለዓዕል እዩ፡" ይብል።
ኣብቲ ሕዚ ወግዓዊ ኰይኑ ዘሎ ዝርዝር በቲ ሓድሽ ውሳነ ዝፅለዋ ሃገራት ግን ኤርትራ ኣይተረቝሐትን፤ ብዛዕብ እተን እገዳ ዝተነብረለን ሃገራት ዝተብሃለ ነገር ድማ የለን።