እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅድምን ኣብ እዋንን ወርሓዊ ጽግያት ዝብልዑን ዘይብልዑን መግብታት
ደቀንስትዮ ኣብ እዋን ጥንሲ ዊንታ ዝተፈላለዩ መግብን መስተን ከም ዘጋጥመን ዝፍለጥ ጉዳይ እዩ።
ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት'ከ እዚ የጋጥም'ዶ?
እወ! መብዛሕትና ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ባህ ዝብሉና መግብን መስተን ኣለው።
እዚ ኵነታት ሕማቕ እዩ ማለት ኣይኮነን።
ብርግጽ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ዘጋጥሙ ምልክታትን ቃንዛን ኣብ ምህዳእ ክሕግዙ ዝኽእሉ መግብታት ኣለዉ።
ኣመጋግባና ነቲ ዑደት ምሉእ ብምሉእ ክቕይሮ'ኳ እንተዘይከኣለ፡ ዝተወሰኑ መኣዛታት ግን ኣብ ወርሓዊ ጽግያትን ኣብቲ እዋን ኣብ ዘጋጠሙ ኩምታረ ጭዋዳ፡ ቅርጸትን ድኻምን ጽልዋ ክህልዎም ይኽእል እዩ።
ቅድሚን ኣብ እዋንን ወርሓዊ ጽግያት እንታይ ክንበልዕ ይምረጽ?
ናይ መወዳእታ ደረጃ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት፡ ድሕሪ ምፍራይ እንቋቑሖ (ማህጸን እንቋቝሖ ምስ ጸፈየ) እዩ ዝጅምር።
መብዛሕትና ኣንስትዮ ኣብቲ ዳሕረዋይ ክፋል ናይዚ ምዕራፍ ዝመጽእ ምልክታት ቅድመ ወርሓዊ ጽግያት ንፈልጦም ኢና።
ጐድኒ ጐድኒ ምቅይያር ስሚዒትን ድኻምን፡ ንዝተወሰኑ መግብታት ባህጊ ክስምዓና ብሓቂ ልሙድ እዩ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ኣብ መጠን ዕረፍቲ ናይ መስርሕ ምትሕልላፍ መግቢ (ሜታቦልነት) ብዘጋጥም ግዝያዊ ወሰኽ እዩ። እዚ ማለት ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያትና ኣብ ዘሎ ሰሙን መዓልታዊ ዝያዳ ካሎሪ ኢና እነቃጽል።
"ንምልክታት ጥሜትናን ሸውሃትናን ምድማጽ ኵሉ ግዜ ጽቡቕ ነገር'ዩ፣ ምኽንያቱ ኣካላትና ንዘካይዶም ንጥፈታት ነዳዲ ንኽንህቦን ከምኡ'ውን ከም ዝጸገብና ንኽንርዳእን ክሕግዘና ይኽእል'ዩ" ይብል ክኢላ ኣመጋግባ ሮ ሃንትሪስ።
ዘይተመጽረየ እኽሊ ካርቦሃይድሬትን ብፕሮቲን ዝሃብተሙ መግቢታትን ንነዊሕ እዋን ጽጋብ ክስምዓና ስለዝገብሩ ሸውሃትን ዊንታናን ኣብ ምቍጽጻር ክሕግዙና ይኽእሉ እዮም።
ፍረታት ምምጋብ ድማ ንኽብደት ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ክንኪ ከም ዝኽእል መጽናዕትታት የመልክቱ።
ሓያሎ መጽናዕትታት፡ መዲተራንያን ዓይነት ኣመጋግባ ምስ ወርሓዊ ጽግያት፡ ምንካይ ፍርያምነትን ምልክታት ዑደት ወርሓዊ ጽግያትን ዘለዎ ምትእስሳር ብዝምልከት ሓያሎ መጽናዕትታት ዳህሳስ ኣካይዶም እዮም(ዋላ'ኳ ገና ዝያዳ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘድሊ እንተኾነ)።
ኣመጋግባ መዲተራንያን - ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ባህላዊ ልምድታት ናይተን ምስ ባሕሪ ማእከላይ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ዝተመርኮሰ ንልቢ ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ እዩ። ዘይተመጽረየ እኽሊ፡ ኣሕምልቲ፡ ፍረታት፡ ፋልን ዘይቲ ኣውሊዕን ዘጕልሕ እዩ።
ንዓሳ/ምግቢ ባሕሪ ካብ ቀይሕ ስጋ ቀዳምነት ብምሃብን ንዝተመስርሑ መግብታት፡ ተወሳኺ ሽኮርን ትራንስ ስብሕን ብምድራትን፡ ከም ሕማም ልብን ሽኮርን ንዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት ናይ ምቅላዕ ሓደጋ ይቕንስ።
ቸኮሌት ክንበልዕ እንተዄንና ድማ፡ ጸሊም ቸኮሌት (ልዕሊ 70 ሚእታዊት ደረቕ ካካዎ) ዝበለጸ ይኸውን። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ግዜ ትሑት መጠን ሽኮር ስለዘለዎን ከም ሓጺን፡ ዚንጎን ማግነዝየምን ዝኣመሰሉ መኣዛታት ዝሓዘ ስለዝዀነን እዩ።
ኩምታረ ጭዋዳ፡ ቅርጸትን ድኻምን ንኽንክይ ዝሕግዙ መግብታት
"ማይ ምስታይ (ድርቀት ምውጋድ) ንውሓት ግዜ መፍሰስቲ ደም ወርሓዊ ጽግያት፡ መጠን ናይቲ ዝውሰድ ጸረ-ቃንዛን ጽንኩርነት ቃንዛ ሽምጢን ንኽንኪ ዝሕግዝ'ዩ" ይብል ሃንትሪስ።
ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ድርቀት ከስዕብ ይኽእል። ብተወሳኺ ንኸም ሕማቕ ስምዒት፡ ሕማም ርእስን መንፋሕቲ ከብድን ዝኣመሰሉ ምልክታት ዝያዳ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል።
ብመንገዲ ከም ዘይቲ ዘለዎ ዓሳ ዝኣመሰሉ መግብታት ኣቢልና ስብሒ ኦሜጋ-3 ኣብ ኣመጋግባና ክህልው ምግባር፡ ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት ንምፍዋስ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ሓያሎ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ኣብ ስጋ፡ ጸባን ዘይተመጽረየ ባኒን ዝርከብ መዓዛ ዚንጎ እውን ኣብዚ ጉዳይ ከም ዝሕግዝ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያትና ብዙሕ ደም እንተፈሲሱና፡ ንሕጽረት ሓጺን እውን ክንቃላዕ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ እዋን ምፍራይ እንቋቑሖ እንታይ ንመገብ?
ምፍራይ እንቋቑሖ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ወርሓዊ ጽግያትና ካብ 12-14 መዓልታት ኣቐዲሙ እዩ ዘጋጥም።
"ከም ብሮኮሊ፡ ኣቮካዶ፡ ቺክፒስን ቀይሕ ሱርን ዝኣመሰሉ ምውሳድ ስሩዕ ጥዑይ ምፍራይ እንቋቑሖ ከደንፍዕ ይኽእል'ዩ" ይብል ሃንትሪስ።
ኣብ እዋንን ቅድሚ ወርሓዊ ጽግያትን ክንምገቦም ዘለና መግብታት
"ስምዒትና ትሑት ኣብ ዝዀነሉ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ ንክንሕጎስ ወይ ንኽንጸናናዕ ኢልና እንወስዶም መግብታት መብዛሕትኡ ዝኸፍአ ስምዒት ክፈጥሩልና ከም ዝኽእሉ ሃንትሪስ ይዛረብ።
"ልዑል ሽኮር ዘለዎም ምቍር መግቢታት ኣብ መጀመርታ ብቐሊሉ ስለ ዝበታተኑ ሽኮር ደምና ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ይኽእል'ዩ፣ እቲ ውጽኢት ናብቲ ድሕሪኡ ዝስምዓና ድኻም ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል'ዩ" ትብል ክኢላ ኣመጋግባ ኣንጃኒ ኮህሊ።
ቡን ምስታይ ምቍራጽ ወይ ደው ምባል ኣብ ቅርጸት ዘለዎ ጽልዋ ውሱንን ተጋራጫውን መርትዖታት ኣሎ።
ግን ምቍራጽ ቡን ሕማም ርእሲ እውን ከስዕብ ይኽእል እዩ፤ ስለዚ ኣብ መዓልቲ እንወስዶ ፍንጃል ቡን ብሓደ ግዜ ደው ክነብል ኣይግባእን።
ክብደት ሰብነትን ዑደት ወርሓዊ ጽግያትን
"ሓፈሻዊ ጥዑይ ክብደት ሰብነት ምሕላው፡ ዑደት ወርሓዊ ጽግያትና ስሩዕ ንክኸውን ክሕግዝ ይኽእል'ዩ" ይብል ሃንትሪስ።
ክብደት ሰብነት ምጕዳል ወይ ምውሳኽ፡ ከምኡ'ውን ብዝሒ ስብሒ ኣካላትካ'ውን ንዑደት ወርሓዊ ጽግያት ክጸልው ተኽእሎ ኣሎ።