እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢቶሪካ፡ ቴዲ ኣፍሮ ንምንታይ ኵሉ ሳዕ ኣዘራራቢ ይኸውን፡ ፍልዩነት ስርሓቱኸ እንታይ እዩ?
ቴድሮስ ካሳሁን (ቴዲ ኣፍሮ) ሻድሸይቲ ኣልበሙ ብሓሙስ 16 ሚያዝያ 2018 (ግ) ካብ ቀትሪ ሰዓት ሸሞንተ ጀሚሩ ኣብ ናይ ዩቱብ ቻነሉ ብምጽዓን ንሰማዕቱ ኣካፊሉ ኣሎ።
እዛ 18 ደርፍታቱ ዝሓዘት ኣልበም፡ ብኣድነቕቱ ኣዝየን ዝተፈትዋን ሚልዮናት ሰማዕቲ ዝረኸባን ስራሓት ዘጠቓለለት እያ።
ቴድሮስ ካሳሁን ቅድሚ ሕጂ ኣቡጊዳ፡ ቴዲ፡ ያስተሰርያል፡ ጥቁር ሰው፡ ኢትዮጵያ ዝተሰምያ ኣልበማት ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ኣብጺሑን ዝተፈተዋሉን እየን።
ሕጂ'ውን ስርሓቱ ኣብ ዩቱብ ቻነሉ ካብ ዝጽዓን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራሕ፡ "ዳስ ጣል" እትብል ደርፉ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰማዕቲ ረኺባ ኣላ።
ብ2013 (ግ) ካብ ዩኒቨርሲቲ ጐንደር ናይ ክብሪ ዶክተረይት ዝተቐበለ ቴድሮስ ካሳሁን፡ 'ኢቶሪካ' ኢሉ ዝሰመያ መበል ሻድሸይቲ ኣልበሙ ንሰማዕቲ ከም ዘቕርብ ካብ ዝተገልጸሉ ግዜ ኣትሒዙ መዘራረቢ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ነታ ኣልበም ብዝምልከት ክወሃብ ተሓሲቡ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጽን ቀጥታዊ ፈነወን ከም ዝተሰረዘ ተገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ሙዚቃዊ ዕዮ ክጸዓነሉ ተባሂሉ ዝነበረ ሰዋስው ማልቲሜድያን ቴዲ ኣፍሮን ዝነበሮም ውዕል ምስራዞም ካልእ መዘራረቢ ጉዳይ ኰይኑ ነይሩ።
ምስ ህዝቢ ካብ ዝላለ 25 ዓመት ዘቝጸረ ቴዲ ኣፍሮ
ድምጻዊ ቴድሮስ ምስ ሰማዕቱ ካብ ዝላለ 25 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ብ1993 ዘቕረባ "ኣቡጊዳ" እትብል ኣልበሙ እያ ምስ ሰማዕቲ ኣላልያቶ።
ኣብዚ 25 ዓመታት ድማ ሽዱሽተ ኣልበማት ናብ ሰማዕትን ኣድነቕቱን ኣቕሪቡ። ከም ውጽኢቱ ድማ ልቦም ዝህቡዎ ኣድነቕቲ ከጥሪ ክኢሉ።
ንገለኦም ምእንተ ናጽነትን መሰልን ዝዝይም ናይ እዋኑ ድምጺ ክኸውን ከሎ፡ ንገሊኦም ድማ ድምጻዊ ጥራይ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ብዅሉ መኣዝን ብዘሎ ዝስማዕ ሓያል መልእኽቲ ዝሓዘ ደርፍታት ዘፍረየ እዩ።
ኣብዚ 25 ዓመት ናይ ሙዚቃ ህይወቱ ስለምንታይ እዩ ስርሓቱን ንሱን ተፈታዊ ኰይኑ ክቕጽል ዝኸኣለ? እንታይከ ፍሉይ ይገብሮ? ኢልና ብቐረባ ንዝፈልጦን ዓያዪ ፊልምን ገጣምን ያሬድ ሹመቴ (ጎላ ጎሕ) ሓቲትናዮ።
ያሬድ፡ ቴድሮስ ፍሉይ ዝገብሮ፡ "ዝመጽኣሉ መንገዲ ፍሉይ ብምዃኑ ይመስለኒ፡" ይብል።
"ንኻልእ ሰብ መሲሉ ዘይምምጻኡ፣ ግጥሙ፡ ዜማኡ፡ ኣደራርፋኡ ብምልኡ ብናቱ መንገዲ ሓደስቲ ስራሓት ሒዙ ብምምጻኡ፡" ከም ዝፍለ ኣረዲኡ።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሙዚቀኛ ብወገኑ፡ "ድምጻዊ ቴድሮስ ካሳሁን ዓሚቝ ክእለት ዘለዎ ደራሲ ግጥምን ዜማን እዩ፡" ይብል።
ኣብ ግጥምታቱ ዝትንክፎም ጉዳያት፡ "ታሪኽ ዝምርምሩ፡ ፍቕርን ሓድነትን ዝሰብኩ፡ ይቕረ ምብህሃል ዘጕልሑ፡ ሰብ ውዕለት ሃገር ንዝዀኑ ዝዝክሩን ምስ ህዝቢ ዝወገኑን፡" ምዃኑ ወሲኹ ይጠቅስ።
ያሬድ ሹመቴ ከም ዝገልጾ፡ ፍሉይነት ቴዲ ናብ ስነጥበብ ካብ ዝኣተወሉ ግዜ እዩ ዝጅምር፣ "ሓያል መልእኽቲ ዘለዎም ግጥምታት፡ ንእዝኒ ዝጥዕሙ ዜማታትን ብጥንቃቐ ዝተሓረዩ ስራሓትን ሒዙ ብምምጽኡ፡. . . ገና ካብ መጀመርታኡ ፍሉይ ተርእዮ እዩ ነይሩ፡" ይብል።
ቴድሮስ ካሳሁን ድምጻዊ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ ብናይ ባዕሉ ድርሰት ግጥምን ዜማን ከምኡ'ውን ብዝመርጾም ኣርእስታት ሓድሽ ስልቲ ከም ዘተኣታተወ ያሬድ የረድእ።
ቴድሮስ ካሳሁን ናብ ሙዚቃ ዓለም ቅድሚ ምእታዉ፡ ኣብ ሙዚቃ ኢትዮጵያ "ናይ ወለዶ ጋግ" ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ዝገለጸ ያሬድ፡ "ቴዲ ብወግዒ ቅድሚ ምምጽኡ፡ ናይ ቀደም ስራሓት ደጊምካ ምስራሕን ናይ ወጻኢ ዜማታት ግጥሞም ጥራሕ ቀይርካ ምድራፍን ልሙድ ነይሩ፡" ይብል።
እዚ ጽልዋ'ዚ ኣብ ቀዳሞት ኣልበማት ቴድሮስ'ውን ይርአ ከም ዝነበረ ብምጥቃስ፡ "የማያቁት ኣገር አይናፍቅም" እትብል ደርፊ እኳ ዘርጋሕቲ ከእትዋ ከም ዝገደዱዎ ይጠቅስ።
ብንያም ኣቡራ "ወደ ፍቅር ጉዞ" ኣብ እትብል መጽሓፉ፡ ንግጥምታት ቴድሮስ ካሳሁን ብዝርዝር ዳህሲሱዎም ኣሎ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ናይ ደርፊ ግጥሚ መሰረታዊ ባእታ ንዝተሓላለኸ ሓሳብ ብቐሊል ቋንቋ ምቕራብ እዩ፣ ቴድሮስ ካሳሁን ግን ካብኡ ንላዕሊ ዝዓሞቐ ሓሳባት ብምቕራቡ ይፍለ።
ንኣብነት፡ "ዝሆኖች ተጣልተው ሰበሩት ድንበሩን" (ሓራምዝ ተባኢሶም ሰበሩዎ ዶቡ) ወይ ድማ "ዘመን ያገነነው ጅብ ቆሟል ከበሬ" (ዘመኑ ዝሃቦ ዝብኢ ኣብ ጥቓ ብዕራይ ቈይሙ) ኢሉ ከዝይም ከሎ፡ ብምሳለኣዊ መንገዲ ዓሚቝ ፖለቲካዊ መልእኽትታቱ ብቐሊል ኣዘራርባ ከም ዘመሓላልፍ ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ግጥምታቱ 'ኣሊጎራዊ' ሜላ ኣገጣጥማ ብምጥቃም ዓበይቲ መልእኽታት ብቐሊሉ ቋንቋ ናብ ሰማዕቱ ከም ዘብጽሕ፣ ከምኡ'ውን ውከላዊ (ትእምርታዊ) ኣገጣጥማኡ ሰማዕቲ ወገን ፈልዮም ክማጐቱ ባይታ ከም ዝፈጥር ብንያም የረድእ።
ቴድሮስ፡ ሓያሎ ድምጻውያን ክትንክፉዎም ዝፈርሑ ኣርእስታት፣ ንታሪኽን ፖለቲካን ብቐጥታ ናይ ምግጣም ድፍረት ስለ ዘለዎ፣ ንግጥምታቱ ድማ ብማራኺ ዜማን ቋንቋን ስለ ዘቕርቦም፡ ንተፈታውነቱ ይዅን ዛዕባ ክኸውን ምኽንያት እዮም - ይብል።
ፍሉይ ባህርያት ቴዲ
ንያሬድ ሹመቴ ፍሉይ ነገር ናይ ቴዲ ቅድሚ ኵሉ ህድኣቱ እዩ፣ "ኣይህወኽን፤ ገለ ቃል ወይ ሓሳብ ስለ ዝመጽኣቶ ጥራይ ዝጐዪ ሰብ ኣይኰነን፡" ክብል ይገልጾ።
ቴዲ ዓሚቝ ስምዒት ዘለዎም ዕዮታት ናይ ምስራሕን ዝተሰምዖ ናብ ሰማዕቲ ናይ ምትሕልላፍን ዓቕሚ ከም ዘለዎ ይገልጽ።
ሓደ መምህር ሙዚቃ ብወገኖም፡ እቲ ድምጻዊ ምስቶም ዓሞቝቲ ግጥምታቱ ከም ዝሰማምዑ ገይሩ ዝሰርሖም ዜማታት፡ ንጐሮሮኡ ጥራሕ ዘይኰነስ ንሓሳብን መንፈስን እቲ ግጥሚ ክጾሩ ተገይሮም ምስርሖም ፍሉይ ከም ዝገብሮ ይገልጹ።
ስለምንታይ እዩ ወትሩ ዛዕባ ዝኸውን?
ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ብዓል ሞያ ሙዚቃ፡ "ሙዚቃ ቅኑዕ ልቢ፡ ሓቀኛ ስምዒትን ተግባርን ይደሊ እዩ፡" ይብል።
ቴድሮስ ካሳሁን ካብ መጀመርታ ነዚ ባህሪ ዘማዕበለ፡ "ንህዝቢ ካብ ዝኣተዎ ቃል ንሓንሳብ እኳ ፈተኽ ዘይበለ፤ ብህድኣትን ብምስትውዓልን ዝተሃንጸ፡" ብምዃኑ፡ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ነጊሱ ክጸንሕ ኣኽኢሉዎ እዩ - ክብሉ ምስክርነቱ ይህብ።
ሙዚቃ ዓቢ ሓሳብን ታሪኽን ጸይሩ ብቐሊሉ ንስምዒት ሰብ ክቈጻጸር ዝኽእል ረቂቕ ጥበብ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ብዓል ሞያ፡ ፖለቲከኛታትን ገዛእትን፡ "ካብ ኲናት ንላዕሊ ንናይ ሓርነት ደርፈቲ እዮም ዝፈርሑ፡" ይብል።
"ምኽንያቱ፡ ናይ ጥበብ ሰባት ሃገራዊ ፍቕሪ ናይ ምቕስቃስን ኣንጻር ዘይፍትሓዊ ኣካይዳ ህዝቢ ናይ ምእካብን ሓይሊ ስለ ዘለዎም እዩ፡" ክብል የብርህ።
ያሬድ ሹመቴ፡ ቴድሮስ ኵሉ ግዜ መዘራረቢ ምዃኑ ከም ዝገርሞ ኣይሓብአን።
"ቴዲ ብቐረባ ከም ዝፈልጦ ሰብ መጠን፡ ሓንቲ መዓልቲ እኳ መዘራረቢ ክኸውን ወጢኑ ዝተላዕለሉ ግዜ የሎን፣ ኣነ ነዚ ክምስክር እኽእል እየ።"
እንተዀነ፡ ቴድሮስ ዛዕባ ኣድነቕትን ነቐፍትን ክኸውን ዝገብሩዎ ባዕላቶም እቶም ነቐፍቲ ምዃኖም ያሬድ ይገልጽ።
"ሓንቲ መዓልቲ እኳ 'እዚ ነገር እዚ መዘራረቢ ክዀነለይ ይኽእል እዩ፡ ነዚ ከምዚ ገይረ ዛዕባ ክገብሮ ኣለኒ' ዝብል ዓይነት ባህሪ የብሉን።"
እቲ ብዓል ሞያ ሙዚቃ ብወገኑ፡ ምእንቲ ሓርነት ዝደርፉ ስነጥበበኛታት ንሰማዕቲ "ብትዅረት ክሓስቡ"ን "ንመሰሎም ክቃለሱ ብምልዕዓል"ን ኣብ ኣረኣእያ ህዝቢ ጽልዋ ክፈጥሩ፡ ዋላ'ውን ምንቅስቓሳት ከበግሱ ዝኽእሉ "ጽልዋ ፈጠርቲ ድምጽታት" ብምዃኖም፡ ኵሉ ግዜ ብዓይኒ ጥርጣረ ከም ዝከታተሉዎም ይገልጽ።
"ድምጻዊ ቴድሮስ ኣብ ሃገርና ካብ ዘለዉ ኵሎም ሙዚቀኛታት፡ ምእንቲ ሓርነትን መሰልን ኣብ ምድራፍ መሪሕ ብምዃኑ፡ ሓድሽ ስራሕ ሒዙ ክቐርብ ምዃኑ ኣብ ዝተበሰረሉ እዋን፡" ኵሉሳዕ መዘራረቢ ናይ ምዃን ዕድሉ ሰፊሕ ምዃኑ ጠቒሱ።
ያሬድ፡ ንቴድሮስ ካሳሁን ብቐረባ ከም ዝፈልጦ ብምግላጽ፡ "ንልቡ እሙን ዝዀነ ሰብ እዩ፡" ይብል።
ነዚ ከብርህ ከሎ ድማ፡ "ካብ ኣንደበቱ ዝወጽእ ንሱ ዝኣምነሉ ጥራሕ እዩ፤ . . . ዘስዕቦ ጽልዋ ኣሰላሲሉ ክገብር ኣነ ርእየዮ ኣይፈልጥን። . . . ንሱ ዝተሰምዖ ጥራሕ እዩ ዘውጽእ፡" ይብል።
ብመሰረት ኣረኣእያ ያሬድ፡ ቴድሮስ መዘራረቢ ክኸውን ሓላፍነት ክወስዱ ዝኽእሉ፡ "እቶም ሙዚቃኡ ቅድሚ ምውጽኡ ዝስምዑ ናይ ተቓውሞ ድምጽታት እዮም፤ . . . ንተፈታውነቱ፡ ንተሰማዕነቱን መዘራረቢ ክኸውንን እቲ ዓቢ ብጽሒት ዝወስዱ እቶም ብተጻራሪ ዝቘሙ ኣካላት እዮም፡" ይብል።
"ቴድሮስ ካሳሁን ንሙዚቃ ካብ ኣዘናጋዒ ናብ ሜዳ ቃልሲ ዝቐየረ ስነጥበበኛ እዩ፡" ዝብል ብንያም፡ ኣብ ውሽጢ ቀለልቲ ዝመስሉ ናይ ፍቕሪ ዛንታታት ንዝተሓለለኸ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብውስጠዘ ገይሩ ናይ ምቕራብ ክእለት ከም ዘለዎ ይገልጽ።
እቲ ካልእ ብዛዕባ ቴዲ ዝልዓል ነጥቢ፡ "ኣብቲ ዓቢ ትረኻ [ኢትዮጵያዊነት] ጸኒዑ ምቛሙ እዩ።"
ቴዲ ኣፍሮ ናብ ሙዚቃ ዓለም ዝተጸንበረሉ እዋን፡ እቲ 'ኢትዮጵያውነት' ዝበሃል ዓቢ ትረኻ ዝፈራረሰሉ (deconstruct ዝዀነሉ) ዝነበረ ግዜ ምዃኑ ብንያም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እዚ ዓቢ ትረኻ እናፈረሰ፡ ሓድሽ ትረኻታት ኣብ ዝፍጠረሉ ዝነበረ እዋን ምዃኑ ድማ ኣዘራራቢ ክኸውን ከም ዘኸኣለ ብንያም የረድእ።
"ምኽንያቱ ቴዲ፡ ዓሌታዊ ትረኻታት ኣብ ኵሉ ኣንፈት ከም ድላዮም ኣብ ዝነፍስሉ ዝነበሩ እዋን፡ ንሱ ኣብቲ ዓቢ ትረኻ ጸኒዑ ምቛሙ፡ ሰባት ብዛዕባኡ ክዛረቡ፡ ክሓስቡን ክከራኸሩን ገይርዎም እዩ፡" ይብል።
እዚ ድማ ጽልዋኡ ክውስኽ ካብ ዝገበሩ ሓደ ምዃኑ ብንያም የረድእ።
መልእኽታት ቴዲ ኣፍሮ
ቴዲ ኣፍሮ ኵሉ ግዜ ውሽጣዊ ስምዒታቱ፡ ሓሳባቱን ስክፍታታቱን ቃንዛታቱን ብሙዚቃ ከም ዘውጽእ ያሬድ ሹመተ ይገልጽ።
". . . ምስ ቴዲ ክንራኸብ እንከለና ብዙሕ ግዜ ዘስተብህለሉ ነገር እንተሃልዩ፡ ስክፍታታቱ፡ ቃንዛኡ፡ ኵሉ ብዛዕባ ሓድነት፡ ሃገራዊ ጉዳያት፡ ከምኡ'ውን ኢትዮጵያውነት ምዃኑ'ዩ። ሓቢርካ ክትበልዕ ዘይምኽልን፣ ከም ልብኻ ክትንቀሳቐስ ዘይምኽእል፣ ንደቅና እትኸውን ሃገር ምግዳፍ ዝብል ነገራት ብዙሕ የስክፎ እዩ።"
እዚ ብቐጻሊ ዘጨንቖ ሓሳባት ኣብ ድርሰታቱ ምስ መጽአ ዝሰማዕናዮ ስራሕ ከም ዝወልድ፡ ያሬድ ይዛረብ።
ቴድሮስ "ንባዕሉ ህዝቢ'ዩ" ዝብል እምነት ዘለዎ ያሬድ፡ "ኣብ ዝኣምነሉ ጉዳያት ጥራይ'ዩ ዝሰርሕ" ብምባል፡ እቲ ንዅሉ ዝስምዖ ንዓኡ'ውን ከም ዝስምዖ ይዛረብ።
"ቴዲ፡ እቲ ህዝቢ ከምዚ እዩ ዝደሊ ዘሎ፡ እዚ እዩ ድሌቱ እናበለ ዝጭነቕ ኣይመስለንን። ከም ዝረኣኹዎ፡ ሓንቲ መዓልቲ'ውን ትዅን ህዝቢ 'ከምዚ እዩ ክብለሉ ዝደሊ ዘሎ' ዝብል ሓላፍነት ወሲዱ ኣይፈልጥን።"
ሙዚቃ ቴዲ ኣፍሮ ፖለቲካዊ ሓሳባት ዝሓዘ ምዃኑ ይዝረብ እዩ፤ "ፖለቲካዊ ሰባት እዮም" ምኽንያቱ ንሱ ክሰርሕ ከሎ እቲ ዝስምዖ ሓቀኛ ስምዒት ስለ ዝገልጽ፡ "ሓቀኛ ስምዒታት ናብ ሰማዕቱ'ውን ግድን ይመሓላለፍ፡" ይብል።
"ካልእ ክብሎ ዘይክእል ነገር ኣሎ፣ ማለት ኣብ ዝዀነ ቦታ ዘሎ ኵሉ ሰብ ክስምዖ ይኽእል'ዩ፤ ግን ነቲ ዝስምዖ ስምዒት ንምግላጽ ቃላት ክስእን ይኽእል'ዩ፣ ስም ክስእነሉ ይኽእል'ዩ። ነዚ ዝገልጽ በዓል ተውህቦ ስነጥበበኛ ድማ ይህሉ ማለት እዩ።"
ኣብ ዝዀነ እዋን፡ ኣብ ህዝቢ ዝሓድር ስምዒታት፡ 'ከመይ ኢልካ ትብሎ?' ንምግላጽ ኣብ ዝጽገመሉ እዋን፡ "ስነጥበብ ከም ሓደ መለኮታዊ ሓይሊ ሕሹኽ እትብሎም ሰባት ኣለዉ፡" ዝብል ያሬድ፡ "ነቲ ኵሉ እዋናዊ ህዝባዊ ስምዒታት ንምግላጽ ሕሹኽታ ድማ ኣብ ቴዲ ዝተጋህደ እዩ ዝመስለኒ፡" ይብል።
እዚ ማለት ግን፡ "ኣብ ፖለቲካ ኣትዩ ማለት ኣይኰነን፣ ቴድሮስ ካሳሁን ሓቂ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ" ካልእ ሓሳብ ኣይርእን እዩ ይብል።
ሃጸያት ቴዲ ኣፍሮ
ቴድሮስ ካብቶም ኣብ ስርሓቱ ዝጠቐሶም ነገስታት ነበር፡ ሃጸይ ሃይለስላሴ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።
ካብታ ኣብ 1993 [ዓ.ም.ግ] ዝተዘርግሐት ብኤልያስ መልካ ዝተቐናበረት ስርሑ፡ ክልተ ፍሉጣት "ኣርካናት" እታ ሃገር ተጠቒሶም ኣለዉ።
"ንግርማዊ ሃጸይ ሃይለስላሴ ከምኡ'ውን ኣብ መድረኽ ጉያ፡ ንባንዴራ ሃገር ኣብ ፖድዮም ክብ ዘበለ ኣትለት ሃይለ ገብረስላሴ ወዲሱ'ሎ።"
እዚ ኣገባብዚ ግን ኣብተን ድሒረን ዝመጽኣ ክልተ ኣልበማቱ እውን ዝተራእየ እዩ።
'ቴድሮስና ጥቁር ሰው' ንዝሓለፉ ነገስታት መጒሱ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝሰበኸሎም ስራሓት እዮም።
ነዚ ኣመልኪቱ ያሬድ፡ "ቴድሮስ ካሳሁን 'ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ፡ ሕማቕ ነገራት ናይቶም ዝሓለፉ መራሕቲ ክዝረብ ጥራይ እየ ሰሚዐ፤ ሕጂ ግን ይኣኽለኒ፣ እቲ ዘይተዘርበሉ ካልእ ጽቡቕ ጐድኖም እስከ ክነገረሎም'..." ከም ዝብል ይዛረብ።
ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ነታ ሃገር ዝገዝኡ ነገስታት ብዙሕ ኣሉታዊ ነገራት ይዝረብ እዩ።
"ስለዚ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ዝሓሸ ዝገብሩን ነገራት ከሰጕሙን ዝኽእሉ ጉዳያት ክንወስድ ኣለና ዝብል መመበገሲ ሓሳብ ኣለዎ።"
ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ኣብ ምምስራት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበሮ ተራ ኣጕሊሑ ኣበርክቶኡ ዘኪሩ እዩ።
"ስለዚ፡ መጻእቲ ጀጋኑ ንምፍጣር ቅድም ንዝነበሩ ጀጋኑ ምዝካርን ኣፍልጦ ምሃብን እዩ ዘድሊ። ንጀጋኑ ምምጓስ እዩ ሓደስቲ ጀጋኑ ንኽፍጠሩ ኒሕን ድርኺትን ዝፈጥር።"
ኣብ 'ጥቁር ሰው'፡ ብዛዕባ ሓድነት ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ብሓባር ደው ምባል፡ ብዛዕባ እቲ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ተኣኪቡ ኣብ ውግእ ዓድዋ ዝተዓወተ ህዝቢ እዩ ዝዛረብ ኢሉ ዝገልጽ ያሬድ፡ "ሓድነት ኢትዮጵያ ዘይፈቱ ሰብ ሙዚቃ 'ጥቁር ሰው' ዘይክፈቱ ይኽእል'ዩ፡" ይብል።
ብዛዕባ ሃጸይ ቴድሮስ ኣብ ዝሰርሓ ሙዚቃ እውን ብዛዕባ ሓድነት ተዛሪቡ፤ "ጐንደር፡ ጐንደር፡ ዋልታን ማእገርን ሓንቲ ኢትዮጵያን፡" ኢሉ ብዛዕባ ሓድነት ሰቢኹ እዩ።
"ስለዚ ነቶም ዝሓለፉ ነገስታት ንሓድነት ዝነበሮም ዋጋ ከጕልሕ ዝደለየ እዩ ዝመስለኒ፤ ስለዚ ጸረ-ሓሳብ ሓድነት ዝዀኑ ሰባት እንተ ጸሊኦምዎ ኣይገርመንን።"
ቴዲ ኣፍሮ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ
ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብዓለም ደረጃ ዝፍለጡን ህቡባት ሙዚቀኛታት ኣፍርየን እየን።
ማሊ - ሳሊፍ ከይታ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ - ማርያም ማኬባ፡ ኢትዮጵያ ሙላቱ ኣስታጥቄ፡ ናይጀርያ ፌላ ኩቲ ኣፍርየን እየን።
እቲ ስሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ሙዚቀኛ፡ ቴዲ ኣፍሮ ዘለዎ ዘይተኣደነ ተውህቦ፡ ዓቕምን ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስርሓቱ ዶባት ሙዚቃ ሃገርና ሰጊሩ ኣብ መድረኽ ሙዚቃ ዓለም ጽልዋ ዝፈጥርሉ ግዜን ቦታን ሕጂ ምዃኑን ነዚ ጉዳይ ክሓስበሉ ከም ዘለዎን የዘካኽር።
ስለዚ፡ ንቴድሮስ ካሳሁን ኣብ መንጎ እዞም ሰባት ክንርእዮ ዘኽእል መንገዲ ምፍታሽን ምጽራይን ሓላፍነት ናቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ "ንሃገርናን መጻኢ ተካእቲ ሙዚቃን ዕድላት ምኽፋት፡" እዩ።
ስለዚ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሖም ስርሓት ጸብለል ዝበለ፡ ቅርጺ፡ ኣሰራርዓን ኣቀዳድሓን ሙዚቃ፡ ዕምቈት ዘለዎ ዜማታት ክጥቀም ከም ዝግባእን ይመክር።
ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይዅን ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ ስቱድዮታት ምቕዳሕ ደርፍታት ምስ ክኢላታት በብዓውዶም (መሃንድሳት ምቕዳሕን ቅንበራ ማስተርን) ሓቢሩ ክሰርሕ ከም ዘለዎ የዘካኽር።
ምስ ዓለምለኻዊ ትካላት ምክፍፋል ሙዚቃ እውን ጽቡቕ ጐድንታት ስለ ዘለዎ፡ እናተመኻኸረ ክሰርሕ እንተ ክኢሉ ጠቓሚ ከም ዝኸውን እውን ጠቒሱ።