ባብኤል መንደብ፡ እቲ ካልእ ኢራን 'ክዓጽዎ እየ' ትብሎ ዘላ መጻብቦ
ምንጪ ስእሊ, Gallo Images via Getty
ኢራን ነቲ መራኽብ ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢለን ካብን ናብን ህንዳዊ ውቅያኖስን ማእከላይ ባሕርን ዝሓልፋሉ ኣገዳሲ መስመር ባብኤል መንደብ ክዓጽዎ'የ ኢላ ብምፍርራሓ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።
ባብኤል መንደብ ብምብራቕ ምስ የመን፡ ብምዕራብ ምስ ጅቡትን ኤርትራን ዝዳወብ ኣገዳሲ መተሓሓላለፊ መራኽብ'ዩ።
ኢራን ኣብ መወዳእታ ለካቲት ኣመሪካን እስራኤልን ብጽምዶ ኣብ ልዕሊኣ ደብዳብ ምስ ጀመራ ነቲ ንወሽመጥ ዖማን ምስ ወሽመጥ ዓረብ ዘራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻው ቅልውላው ቀረብ ነዳድን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ኣኸቲላ ትርከብ።
ሕጂ ኸኣ ንባብኤል መንደብ'ውን ክትዓጽዎ ከም እትኽእል ተፈራርሕ ኣላ።
ኢራን፡ ኣመሪካ ናብ ኢራን ኣጋር ወተሃደራት እንተኣዋፊራ "ካልእ ግንባር" ክትከፍት ምዃና'ያ ተፈራርሕ ዘላ።
ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ጥቡቕ ርክብ ዘለዋ ማዕከን ዜና ታስሚን ንወተሃደራዊ ምንጭታት ኢራን ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና፡ ኢራን "ባብኤል መንደብ ሓደ ካብ ኣገደስቲ መተሓላለፊ መራኽብ'ዩ፣ ኢራን ከኣ ኣብ ልዕሊ እዚ መጻብቦ ስግኣት ንምፍጣር ድሌትን ዓቕምን ኣለዋ" ምባላ እታ ማዕከን ዜና ገሊጻ።
ኣመሪካ ነታ ቀንዲ መደበር ነዳዲ ኢራን ዝዀነት ደሴት ኻርግ እንተ ኣጥቂዓ፡ ኢራን ከኣ ብመጻብቦ ባብኤል መንደብ ዝሓልፋ መራኽብ ከም እተጥቅዕ'ያ ተፈራርሕ ዘላ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ንደሴት ኻርግ ክቈጻጸራ ከም ዝደሊ ብወግዒ ሓቢሩ ነይሩ'ዩ።
ባብኤል መንደብ ንምንታይ'ዩ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ኰይኑ?
እተን ካብ መሽመጥ ዓደንን ህንዳዊ ውቅያኖስን ዝብገሳ መራኽብ ከኣ ናብ ኣውሮጳ ይዅን ናብ ምዕራባዊ ዓለም ንኽሓልፋ ብባብኤል መንደብ ኣቢለን'የን ዝሓልፋ፣ ንቀይሕ ባሕሪን መትረብ ስወጽን ሰጊረን ከኣ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ይኣትዋ።
እዚ መጻብቦ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ 36 ኪሎሜተር ጐድኒ ክህልዎ እንከሎ ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን 115 ኪሎሜተር ንውሓት ኣሎዎ።
ንቀይሕ ባሕርን ንማእከላይን ባሕርን ዘራኽብ መትረብ ስወጽ ኣብ 1869 ምስ ተዃዓተ'ዩ ኣገዳስነት ባብኤል መንደብ ዓዚዙ።
መትረብ ስወጽ ኣብ ሞንጎ ኣውሮጳን ኤስያን ዝሓጸረ መራኸቢ መስመር ንክህሉ ዘክኣለ ሰብ ዝሰርሖ መትረብ'ዩ።
ድሕሪ ምኽፋት መትረብ ስወጽ፡ ቀይሕ ባሕሪ ሓደ ካብ ኣገደስቲ መስመራት መጓዓዝያ ባሕሪ ኰይኑ፡ ኣስታት ሓደ ርብዒ ካብቲ ብባሕሪ ዝጉዓዓዝ ነገራት ከኣ ብቀይሕ ባሕሪ'ዩ ዝሓልፍ።
እቲ 20 ምኢታዊት ካብ ጠለባት ነዳድን ጋዝን ዝመሓላለፈሉ ዝነበረ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሮ ካብ ምጅማር እዚ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን እስራኤልን ኣንጻር ኢራን ዘካይደኦ ዘለዋ ኵናት ብኢራን ተረጒጡ ይርከብ።
ባብኤል ኣል-መንደብ እንተተዓጽዩ ኸኣ እቲ በዚ መስመር እዚ ዝሓለፍ 12 ሚእታዊት ካብ ጠለባት ነዳዲ እዛ ዓለም'ውን ደው ክብል ተኽእሎ ኣሎ።
ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኤስያን ዝብገስ መዓልታዊ ብማእከላይ ገምጋም ሓሙሽተ ሚልዮን ብርሚል ነዳዲ ብባብኤል መንደብ ከም ዝሓልፍ ጸብጻብ ምምሕዳር ጸዓት ኣመሪካ የመልክት።
ብዘይካ እዚ 8 ሚእታዊት ካብ ጠለባት ባህርያዊ ጋዝ ዓለም'ውን ብባብኤል መንደብ'ዩ ዝሓለፍ፡ እዚ ስለዝዀነ'ዩ ምዕጻው ባብኤል መንደብ ንምሉእ ዓለም ከናውጽ ዝኽእል።
ምንጪ ስእሊ, Suez Canal Authority via European Pressphoto Agency
መጻብቦ ሆርሙዝ ምስ ተዓጸወ፡ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መጓዓዝያ ባሕሪ መሊሱ'ዩ ዓዚዙ።
ስዑድ ዓረብ ብምብራቕ ብወሽመጥ ዓረብ ተፍርዮ ነዳዲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ገይራ ከተሕልፎ ስለዘይከኣለት ነቲ ኣብ ምብራቕ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ምዕራብ ስዑድያ ዝርከብ ወደብ ያንቡ እናተጠቐመት መዓልታዊ ሚልዮናት በራሚል ነዳዲ'ያ ብመትረብ ስወጽን ባብኤል መንደብን ተመሓላለፍ ዘላ።
ስዑድ ዓረብ ካብቲ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ዘሎ ዒላታት ናይ ነዳዲ ናብ ምዕራብ እታ ሃገር ዝዝርጋሕ ትቦታት ተኺላ ስለዝጸንሓት ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ መንገዲ ድኣሉ ኣንዊሕላ'ምበር ከምተን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ምሉእ ንምሉእ ኣይዓጸዋን።
ባብኤል መንደብ ብዘይካ ጋዝን ነዳድን ዝጽዓን መራኽብ፡ ካልእ ናይ መጓዓዝያ፡ እኽእልን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ዝጸዓን መራኽብ'ውን ብዘይ ምቍራጽ ዝመሓላለፋሉ ኣገዳሲ መራኸቢ ምዕራባውን ምብራቓውን ክፋል እዛ ዓለም'ዩ።
ባብኤል መንደብ እንተ ተዓጽዩ ልክዕ ከምቲ ኣብ 2021 ባንዴራ ናይ ፓናማ ዘለዋ ኮንቲነራት እትጽዕን ዓባይ መርከብ ኣብ ማእከል መትረብ ስወጽ ተሸኺላ ነቲ መስመር ምስ ዓጸወቶ ዝሰዓብ ቅልውላው'ዩ ክስዕብ።
ምዕጻው ባብኤል መንደብ፡ መራኽበን ካብ ኤስያ ተበጊሰን ብደቡብ ኣፍሪቃ ተኳሊለን ንክኸዳ ስለዘገድደን ምድንጓይ ቀረባትን ዓቢ ምውሳኽ ዋጋን ከኸትል ግድን እዩ።
ግደ ዕጡቓት ሑቲ
ኢራን ኣብ ልዕሊ ብባብኤል መንደብ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ክትዓጽዎ እንተዀይና፡ በቶም ኣብ የመን ዝርከቡ ብኣኣ ዝድገፉን ዝምወሉን ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ'ያ ከተካይዶ።
ሓደ ካብ ሓለፍቲ ሑቲ ስሙ ከይጠቐሰ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንኢራን ብምድጋፍ ንባበኤል መንደብ ንምዕጻው ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ተዳልዮም ከም ዘለዉ'ዩ ገሊጹ።
ብ28 መጋቢት፡ ዕጡቓት ሑቲ ናብ እስራኤል ሚሳይላት ተኲሶም፡ እዚ ከኣ እዚ ዳሕረዋይ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ኣንጻር ኢራን ካብ ዝልዓል ንመጀመርታ ግዜ ዝገበርዎ'ዩ።
እስራኤል'ውን ክልተ ካብ የመን ዝተበገሰ ሚሳይል ኣብ ሰማይ እንከሎ ከም ዘበርዓነቶ ገሊጻ።
እቶም ነቲ የመን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ትዋሰኖ ከባቢ ተቘጻጺሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ፡ ንሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይን ንእስራኤል ብምቅዋምን ኣብ ልዕሊ ብባብኤል መንደብ ዝሓለፋ መራኽብ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት የካይዱ ነይሮም'ዮም።
ኣብ ልዕሊ 100 ንግዳውያን መራኽብ ብድሮንን ሚሳይልን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ከኣ ክልተ መራኽብ ከጥሕሉ እንከለዉ ኣርባዕተ ባሕረኛታት ቀቲሎም።
ምንጪ ስእሊ, Houthi Military Media via Reuters
ኣብ ሕዳር 2023፡ዕጡቓት ሑቲ ሂሊኮፕተር ብምጥቃም ንሓንቲ ብብሪጣንያ እትውነን ናይ ጽዕነት መርከብ ኣብ ከባቢ ባብኤል መንደብ ጨውዮማ።
ዕጡቓት ሑቲ ዋላ ድኣ ኣብ ልዕሊ እተን ምስ እስራኤል ርክብ ዘለወን መራኽብ ጥራይ የጥቅዑ ምንባሮም ይሓብሩ'ምበር ኣብ ልዕሊ ዝዀነት መርከብ'ዮም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ነይሮም። ከም ውጽኢቱ ከኣ ሓያለ ነዳዲ ኮንተይነራትን ዘመላልሳ ደርማሳት ትካላት ዓለም ካልእ መስመር ክጥቀማ ተገዲደን'የን።
እቲ ሑቲ ዘካይድዎ ዝነበሩ መጥቃዕትታት ደው ዝበለሉ፡ ኣመሪካ ሑቲ ኢዶም ሂቦም ስለዘኽተሙ'ዮም ክትብል እንከላ ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም፡ ኣመሪካ ስለዘንሰሓባት ነቲ መጥቃዕቲ ደው ከም ዘበልዎ'ዮም ዝገልጹ፡ እንተዀነ ተንተንቲ ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ባብኤል መንደብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጸቕጢ ዳግማይ ክጅምርዎ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ስክፍታ'ዩ ዘለዎም።
ላዕለወይቲ ዓለምለኻዊት ወኪል ቢቢሲ፡ ጋዜጠኛ ሊስ ዶሰት "የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ኲናት ተጎቲቶም ክጽንበርዎ ከም ዝኽእሉ ክግመት ዝጸንሐ'ዩ" ኢላ።
ብምስዓብ፡ "እቶም ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ስልጣን ተቘጻጺሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝሓየለ ኣጽዋሮም ኣይተጠቐምሉን ዘለዉ፣ ንሱ ኣብ ልዕሊ ብባብኤል መንደብ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ነቲ ኣገዳሲ መስመር ምትዕንቓፍ'ዩ" ትብል።
ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2025 ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ስምምዕ ምቍራጽ ተዂሲ ካብ ዝኽተም ኣብ ልዕሊ ብባብኤል መንደብ ዝሓልፋ መራኽብ ዝዀነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከም ዘይፈጸሙ ቤት ጽሐፈት ምምሕር መጓዓዝያ ባሕሪ ኣመሪካ ብ26 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እንተዀነ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ብኣመሪካ ዝውነና መራኽብ ንግዲ ግን ምፍርራሓት ክፍጽም ምጽንሑ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ዓለምለኻዊ መጓዓዝያ ባሕሪ፤ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባብኤል መንደብ ናይ ዓረብ ስም ኰይኑ ትርጉሙ 'ኣፍደገ ንብዓት' ወይ 'ኣፍደገ ሓዘን' ዝብል ትርጕም'ዩ ዘለዎ።
እቲ ስም ከኣ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ብርቱዕን ነፍስን ማዕበልን፡ ሓደጋታት ቅርሰናን ግጭትን ንምውካል ዝተወሃቦ'ዩ።
ካብ 2008 ክሳብ 2012 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ባብኤል መንደብን ከባቢኡን ሓያለ ናይ ቅርሰና ተግባራት'ዩ ዝካየድ ነይሩ።
እቲ ምጭዋይ መራኽብን ባሕረኛታት ብቐንዱ ኣብ ሶማልያ ብዝርከቡ ዕጡቓት ዝፍጸም ዝነበረ ኰይኑ፡ እቶም ዕጡቓት ነቶም ባሕረኛታት ነጻ ንምልቃቕ ዘይተኣደነ ገንዘብ'ዮም ዝሓቱ ነይሮም።
ካብዚ ብምብጋስ ነቲ ከባቢ ብምውሓስ ሓያለ ሃገራት ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራውያን መራኽብ ኣዋፊረን ይርከባ።
ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝን እዚ ኵሉ ተደማሚሩን ኣብ ባብኤል መንደብ ዝፍጠር ስግኣት ዓለምለኻዊ ቅልውላው ከስዕብ ከም ዝኽእል'ዩ ዝግለጽ።
ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ካብ ኣስታት 70 ዶላር ናብ ልዕሊ 115 ዶላር'ዩ ክብ ኣቢልዎ።
ምዕጻው ባብኤል መንደብ እንተ ተወሲኽዎ ከኣ ዋጋ ሓደ በርሚል ክንደይ ክበጽሕ'ዩ ንምግማቱ ኣጸጋሚ'ዩ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available