ኡጋንዳ፡ መራሒ ተቓዋሚ ቦብ ዋይን፡ ንህይወቱ ፈሪሑ ካብ ሃገር ከምዝሃደመ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ኡጋንዳ፡ ቦቢ ዋይን ድሕሪ'ቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተኻየደ ኣካታዒ ሃገራዊ መረፃ ንህይወቱ ስለዝሰግአ ካብታ ሃገር ከምዝወጸ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንሱ ንክልተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምሕባእ፡ ካብ ዘይተገልጸ ቦታ ንኒውስኣወር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ስርዓት ከወግደኒ ከም ዝደሊ ንጹር'ዩ" ኢሉ።
እዚ፡ ቅድም ክብል ፍሉጥ ሙዚቀኛ ፖፕ ስታር ዝነበረ ፖለቲከኛ፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝለጠፎ ቪድዮ ካብታ ሃገር ከምዝሃደመ ኣፍሊጡ ።
ኣብቲ ቪድዮ ድማ፡ እቲ መረፃ ነቲ ካብ 1986 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒ ከም ዝጠቅም ኰይኑ ምትላለት ከምዝተፈፀሞ ደጊሙ ገሊጹ።
72 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ዝኣወጀ ወዲ 81 ዓመት ሙሴቨኒ ፡ ተቓወምቲ ነቲ ውጽኢት ብናዕቢ ክግልብጥዎ ይደልዩ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።
ትኽክለኛ ስሙ ሮበርት ክያጉላኒ ሴንታሙ ዝኾነ ወዲ 44 ዓመት ዋይን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብተን ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተሓብአሉ እዋን፡ ብደገፍቲ ከምዝተዓቖበ "ሰባት እዮም መግቢ ሂቦምኒ፡ ሰባት ክዳውንትን ካልእ ኩሉን ሂቦምኒ" ኢሉ።
ሙሴቨኒ ክቕትሎ "ብዙሕ ግዜ" ከምዝፈተነን፡ ወዲ እቲ ፕረዚደንት ድማ ምኽንያቱ ከይነፀረ፡ 'ብቕሉዕ ይዛረብ' ከምዘሎን ከሲሱ።
ንሰራዊት ኡጋንዳ ዝመርሕ ወዲ ፕረዚደንት ሙሴቨኒ፡ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ንዋይን ብዝኾነ ፍሉይ ገበን ከይከሰሶ "እንተስ ሞይቱ እንተስ ብህይወት ይድለ ኣሎ" ክብል ኣፈራሪሑዎ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቶም መልእኽትታት ካብቲ ናይ ኤክስ ኣካውንቱ ተደምሲሶም ኣለዉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ገለ ሰብ-መዚ መንግስቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ይእልሹዎ ኣለዉ ንዝብል ሓበሬታ ነጺጐምዎ ኣለዉ። ቢቢሲ'ውን ብዛዕባ እዚ ካብ ፖሊስ ርእይቶ ሓቲቱ ኣሎ።
ዋይን፡ ኣብቲ ብሰንበት ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ "ዋላ'ውን ካብ ኡጋንዳ እንተወጻእኩ፡ በቲ ስርዓት ከም ዝእለሽ ስለ ዝፈልጥ...ሕጂ'ውን ውሑስ ኣይኮንኩን" ኢሉ።
ካብ ኡጋንዳ ብኸመይ ወይ መዓስ ከም ዝወጸ ብዝርዝር ክዛረብ ዘይደሊ እቲ ፖለቲከኛ፡ ነቶም ዝሓገዝዎ ኣብ ሓደጋ ከየእትዉ ብምስጋእ፡ ካብ ኡጋንዳ ዝወፀሉ ዝርዝር ነገር ካብ ምዝራብ ተቘጢቡ ኣሎ።
ዋይን ስድርኡ ቀዲሞም ከምዝወፅኡ'ኳ እንተገለጸ፡ ነቶም ኣብ ኡጋንዳ ዝተረፉ መራሕቲ ውድቡ፡ 'ሃገራዊ መድረኽ ሓድነት' ከምኡ'ውን ነታ ግዝያዊት ተካኢቱን ምክትሉን ሊና ዘድሪጋ ሓዊሱ ስግኣት ከምዘለዎ ኣስሚዑ።
እቲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ናብ ኡጋንዳ ክምለስ ድሌት ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ንሓጺር እዋን ከምዝወፅአ ገሊፁ።
ዋይን ብሰንበት ኣብ ኤክስ ብዝዘርገሖ ቪድዮ፡ ድሕሪ ሰሙናት ንፈለማ እዋን እዩ ንህዝቢ ተራእዩ።
ኣብ ልዕሊ ሙሴቨኒ ዓለማዊ እገዳ ክግበር ድማ ጸዊዑ።
ንሱ፡ ሓይልታት ፀጥታ ክሳብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ኣባይቲ ደገፍቱ ብተደጋጋሚ ከምዝዘመቱ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መላእ ሃገር መንገዲ ከምዝዓጸዉ ከሲሱ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ዝርከብ ገዛኡ፡ ካብ መዓልቲ መረፃ ጀሚሩ ዝነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ከምዝተኸበበ ገሊጹ።
ንሱ፡ "ንፕረዚደንትነት ምውድዳር ገበን ኣይኮነን" ብምባል ዝኰነ ሕጊ ከምዘይጠሓሰ ሓቢሩ።
ኣንጻር'ቲ ውጽኢት መረፃ ዝተኻየደ ተቓውሞ ስዒቡ፡ እቲ ብሰፊሑ ከም ተካኢ ኣቡኡ ክኸውን ከምዝኽእል ዝንገረሉ 'ካይነሩጋባ'፡ "ኣሸበርቲ" ዝበሎም 30 ሰባት ካብ ሰልፊ ዋይን ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


