እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'መግቢ ግፍዒ ኣለዎ' - ዕሳው መግቢን ሳዕቤኑን
መብዛሕትና፡ ወለድና ዝተበላሸወ መግቢ ምድርባይ ግፍዒ ከም ዝዀነ ክወቕሱ እናሰማዕና ኢና ዓቢና።
ከም ውጽኢቱ ድማ ዝተበላሸወ ወይ ዝዓሰወ መግቢ ምድርባይ ስለ ዘፍርሓና ብገለ መንገዲ ገይርና ንበልዖ። ንኣብነት አንጀራ ዝዓሰወ ክፋሉ ኣሊና ነቲ ዝተረረፈ ንምገቦ።
ኣራንሺ ገለ ክፋሉ ምስ ዝምሽምሽ፡ ነቲ ዝመሽመሸ ክፋል ጥራይ ኣልዮም ዝድርብዩን ነቲ ካልእ ዝበልዑን ሰባት ምርኣይ ልሙድ እዩ።
ብሓቂ መግቢ ምጉሓፍ ብኽነት እዩ። ብፍላይ ሕጽረት ኣብ ዘለወሉ ኩነታት፡ መግቢ ምድርባይ ግፍዒ ኰይኑ እንተተሰመዓና ኣይገርምን።
እንተዀነ፡ ዝተበላሸወ መግቢ ምብላዕ ሒዝዎ ዝመጽእ ሳዕቤን ኣሎ።
ስለ ዝዀነ ኣየናይ መግቢ ውሑስ፡ ኣየናይ ድማ ዘይውሑስ ምዃኑ እንተፈለጥና፡ ንጥንቃቐ ክሕግዘና ይኽእል።
ዕሳው መግቢ እንታይ እዩ?
ዝዀነ መግቢ ኣዝዮም ደቀቕቲ ወይ ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዝረኣዩ ዕሲታት (ፈንገስ) ከማዕብል ከሎ፡ ዓስዩ ወይ መሽሚሹ ይበሃል።
እዞም ዕሲታት ከም መርበብ ፈትሊ ኣብቲ መግቢ ይዝርግሑ።
ከም ተኽሊ ድማ ይዓብዩ። ዋህዮኣዊ ዘርኢ እቶም ዕሲታት ክረግፉ ከለው፡ እቲ መግቢ ሕብሩን መልክዑን ይቕየር።
ኣብ እንጀራ ወይ ባኒ እንርእዮ ግራጭ ጸጉሪ ወይ ድብዝዝ ዝበለ ቀጠልያ ነጥብታት፡ እቶም ዕሲታት ዝፈጥርዎ ዕሳው እዩ።
እቲ ዕሳው ኣብ ላዕሊ እቲ መግቢ ጥራይ ክረአ ይኽእል እዩ፤ እንዀነ ሱር ኣለዎ። ዋላ ነቲ ላዕለዋይ ክፋል እንተኣለናዮ ቅርጺ፡ ሱር እቲ ዕሳው ኣብቲ ዝተረፈ መግቢ ክህሉ ተኽእሎ ኣሎ።
ገለ ዝዓሰዉ መግብታት ድማ ምስቲ ዕሳው ዝዓብዩ ዘይርኣዩ ባክተርያ ክህልዎም ይኽእል።
ብዕሳው ክብከሉ ዝኽእሉ መግብታት ኣየኖት እዮም?
ዝዀነ መግቢ በቲ ዕሳው ክብከል ተኽእሎ ኣሎ። ዕሳው፡ ውዑይ፡ ርጥብ ወይ ብባክተርያ ዝሃብተመ ኩነታት ይመርጽ።
ፍረታት፡ ኣሕምልትን ቆጽሊ ሰላጣን ልዑል ትሕዝቶ ማይ ኣለዎም፤ ከም ባኒን እንጀራን ድማ ጠሊ ወይ ራሕሲ ከምኡ'ውን ብዙሕ ካርቦሃይድሬትን ስለ ዘለዎም፡ እዚ ነቶም ዕሲታት ከም መግቢ የገልግሎም።
ጨው፡ ሽኮር፡ ኣሲድ፡ ኣዝዩ ደረቕ ወይ ዝሑል ኩነታት ነቶም ዕሲታት ምቹእ ኣይኰኑን፤ ስለዚ'ዩ ድማ እዞም ትሕዝቶ ዘለዎም መግብታት ከይዓሰው ብዙሕ ዝጸንሑ።
ንኣብነት ብጨው ዝተሓሰየ ስጋ ከይተበላሸወ ነቒጹ ቋንጣ ይኸውን። ይኹን እምበር ዕሲታት ኣብ ዝያዳ በዳሂ ኩነታት ክራብሑ ይኽእሉ እዮም።
"ዕሲ ጽንኩር እዩ" ትብል ፊሊፓ ሃድሰን፡ ላዕለወይቲ መምህር ድሕነት መግቢ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቦርንማውዝ።
ወሲኻ ድማ ኣብ ፍረታት ንዝርከብ ኣሲዳዊ ኩነታትን ዝሑል ሃዋህው ፍሪጅን ክብድህ ከም ዝኽእል ትሕብር።
ብርግጽ፡ "ዝዀነ መግቢ ኩሉ ነገር ቅኑዕ ኣብ ዝዀነሉ ኩነታት ከይተረፈ፡ ክዕስው ይኽእል እዩ" ትብል ፊሊፓ።
"ሩዝ፡ ሓርጭ፡ ንቑጽ ብርስን ፋል'ውን እንተዀኑ ክዕስው ተኽእሎ ኣሎ።"
ዕሳው መግቢ ሓደጋ ኣለዎ ድዩ?
ብዕሲ ዝዳለው ገለ መግብታት ኣለው።
እዚ ክበሃል ከሎ ግን ዝዓሰወ መግቢ ክንበልዕ ንኽእል ኢና ማለት ኣይኰነን።
ዝተፈላለዩ ዕሳው መግብታት ዘሕድርዎ ጽልዋ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ። ብፍላይ ንዕሲ ቁጥዐ (ኣለርጂ) ዘለዎም ሰባት ጥንቃቐ ክገብሩ ይምከር።
ህጻናት፡ ኣረጋውያን፡ ነፍሰጾራትን ወይ ዝደኸመ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ዘለዎምን ድማ ዝዀነ ይኹን ዝዓሰወ መግቢ እንተዘይበልዑ ይምረጽ።
"ገለ ዕሲታት ሃንደበታዊ ምምራዝ መግቢ ከየስዕቡ ይኽእሉ፡" ይብል ክኢላ ዕሲ ዶክተር ፓትሪክ ሂኪ።
ገሊኦም ግን ማይኮቶክሲን ዝበሃሉ መርዛማት ነገራት ከም ዘፍርዩ ወሲኹ ይገልጽ።
ከምዚኦም ዝበሉ ብዙሕ እንተተመጊብና "ሕማም ከስዐን መዓንጣን፡ እንተላይ ውድቀት ጸላም ከብዲ ወይ ኩሊትን ሞትን ዝኣመሰሉ ዝያዳ ከበድቲ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ፡" ይብል።
ኣብ ርጥብ ዝበለ እኽሊ ወይ ፍረታት ዝርከብ ኣስፐርጂለስ ዝበሃል ዓይነት ዕሲ፡ ምስ መንሽሮ ጸላም ከብዲ ዝተኣሳሰር ኣፍላቶክሲን የፍርይ።
ደቂ ሰባት ብሕዱር መርዘን ክምረዙ ሳሕቲ እኳ እንተዀነ፡ ንእሽቶ መጠን መርዛማት ዕሲ ምብላዕ ብዛዕባ ዘስዕቦ ናይ ነዊሕ እዋን ጽልዋ ብዙሕ ንጹር ከም ዘይዀነ ሂኪ ይዛረብ።
"ብተደጋጋሚ እንተተወሲዱ ማይኮቶክሲን ውህሉል ሳዕቤናትን ሕማምን ከስዕብ ከም ዝኽእል ስክፍታ ከም ዘሎ፡" ድማ የጠንቅቕ።
ዕሳው ባኒ ይብላዕ ድዩ?
ዝዓሰወ ባኒ ወይ እንጀራ፡ ውሽጡ ዝተበከለ ክኸውን ስለ ዝኽእል እንተዘይብላዕ ይምረጽ።
"ብሓፈሻ፡ ኣብ ላዕሊ ሓደ ሴንቲ ሜተር ዲያሜትር ዘለዎ ዕሲ፡ ናብ ውሽጢ እቲ መግቢ እውን ሓደ ሴንቲ ሜተር ዝኸውን ዕምቆት ኣለዎ፡" ይብል ሂኪ።
እቲ ባኒ ዝበስበሰ ግን ድማ ዕሳው እንተዘይሃልይዎ፡ ከም ርፍራፍ ባኒ ክንጥቀመሉ ይከኣል እዩ።
ዕሳው ወይ ሙሽምሽ ክፋል ፍረታትን ኣሕምልትን ኣሊና እንተበላዕና'ኸ?
መብዛሕትኡ ግዜ ንኣሽቱ ነጠብጣብ ዕሲ ዘለዎም ጽኑዓት ፍረታትን ኣሕምልትን ምድርባይ ግድን ኣይኰነን።
እንተዀነ ኣዝዮም እንተመሽሚሾም፡ ምምራዝ መግቢ ወይ ቃንዛ ከብዲ ከስዕቡ ዝኽእሉ ባክተርያ ክህልዉዎም ስለ ዝኽእሉ ጥንቃቐ ኣገዳሲ ይኸውን።
ቅድሚ ምብላዕና ብውሑዱ ሓደ ሴንቲ ሜትር ኣብ ዙርያን ትሕትን እቲ ዕሲ ዘሎ ክፋል ቈሪጽና ክንኣልዮ ይግባእ።
ናብ ቱፋሕ (ኣፕል) ክንመጽእ እንከለና ግን ዝያዳ ጥንቃቐ የድሊ።
ፓቱሊን ዝበሃል መርዚ ኣብ ዝመሽመሸ ወይ ዝዓሰወ ቱፋሕ ክርከብ ስለ ዝኽእል፡ ፈጺምና ክንበልዖ ኣይግባእን።
ከም ኮሚደረ ዝኣመሰሉ ልስሉስ ፍረታትን ኣሕምልትን ድማ ክድርበዩ ኣለዎም። ምኽንያቱ ናይ ምብካል ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ።
ቁሩብ ዝጸውለገ ቆጽሊ ሰላጣ እንተተበልዐ ጉድኣት የብሉን። እንተዀነ ዝዀነ ዕሲ እንተ ኣማዕቢሉ ወይ ሕብሩ እንተቐይሩ ግን ክነወግዶ ይግባእ።
መግቢ ንከይዕሱ እንታይ ንግበር?
መግቢ ከይዕሱ ምክልኻል ኣይከኣልን። እቲ መስርሕ ምዕሳው ግን ቀልጢፉ ከይፍጠር ምግባር ይካኣል እዩ።
ኣብዚ፡ ጽሬት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ካብ ዝተበላሸወ መግቢ ዝመጽእ ዕሲ፡ ናብ ፍሪጅ፡ መሕጸቢ ጨርቂን ካልኦት ኣቑሑትን ክሓልፍ ተኽእሎ ኣሎ።
ስለዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሒደት ኣዋርሕ ፍሪጅና ውሽጡ፡ ሓደ ማንካ ሶዳ ኣብ ሓደ ሊትሮ ማይ ሓዊስና ክነጽረዮ ኣለና።
መጽረይን መንቀጽን ጨርቅታት፡ ስፐንጅን መወልወሊ መሬትን ጽሩያት ክዀኑ ኣለዎም።
ደስ ዘይብል ጨና እንተሃልይዎም፡ ኣብ ዙርያኦም ዕሲ ይዝርጋሕ ኣሎ ማለት እዩ።
ከነጽርዮም ወይ ክንሓጽቦም ዘይንኽእል ነገራት ድማ ንደርብዮም።
ኣብ መንበሪ ገዛና ዘሎ መጠን ጠሊ ድማ ትሕቲ 40 ሚእታዊት እንተዝኸውን ይምረጽ።