'ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ብዙሕ ሓዳር ይፈርስ ኣሎ'
ካብ ሰሜን ኣመሪካ ክሳብ ምዕራብ ኣፍሪቃ - ቅድም ኢሉ ኣዝዮም ሕጉሳት ዝነበሩ መጻምዲ ይፈላለዩን ይፋትሑን ኣለው።
ገሊኦም ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝፈጠሮ ጭንቀት'ዩ ክብሉ ከለው፡ ገሊኦም ከኣ ተሓቢኦም ዝጸንሑ ጸገማት ክወጽኡ ስለ ዝጀመሩ'ዩ ይብሉ።
ሬኒ፡ ኣብ ናይጄሪያ እያ ትቕመጥ። ኣብ ገዛ ኣባላት ስድርኣ ዓው ዓው ይብሉ ስለ ዘለው ድምጻ ኣትሕት ኣቢላ ብቴሌፎን ተዛሪባትና።
"ሰብኣየይ ካልእ ኣፍቃሪት ከም ዘላቶ ኣብ እዋን ዕጽዋ'የ ፈሊጠ" ትብል።
በዚ ተጨቓጪቖም። ንሱ ኸኣ 'ቴሌፎነይ እንታይ ክትገብሪ ርኢኺዮ?' ምስ በላ፡ ናብ ጭቕጭቕ ኣምሪሖም።
"ፍትሕ ዝደለየ ይመስለኒ ትብል። ሕጂ ብዛዕባ እዚ ይዛረብ ምህላወይ ስለዘይፈልጥ መንነተይ ክሕባእ መሪጸ" ትብል።
ኩላትና ኣብ ገዛና ተዓጺና ወይ'ውን ዝበዝሕ ግዜና ኣብ ገዛ ከነሕልፎ ስለ ዝተገደድና፡ መብዛሕትና ኣብ ፍቕራዊ ርክባትና ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ባህሪያት ይገጥመና ይህሉ።
ምስ ቖልዑት ምጭቕጫቕ፣ ስራሕን ገዛ ምጽርራይን፣ ብዛዕባ ጥዕና ምጭናቕ፣ ቑጠባዊ ጉዳያትን መጻኢ ውሕስነት ዓለምን፣ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝፈጠሮ ጸቕጥን ካልኦትን ኣብዚ እዋን ንብዙሓት ሰባት ዝፍትኑ ዘለው ጉዳያት'ዮም።
ንከም ራኒ ዝበሉ ድማ፡ ካብ ሓዳሮም የፋትሖም ኣሎ።
ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኣብ ዝተወስደ ስጉምቲ ዕጽዋ፡ ቑጽሪ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ዝደልዮ ሰባት ወሲኹ'ዩ።
"ቅድሚ ዕጽዋ መብዛሕትኡ ግዜ ዓማዊለይ ውልቀሰባት ነይሮም። ኣብ እዋን ዕጽዋ ግን መብዛሕትኦም መጻምዲም ኮይኖም ረኺበዮም" ትብል ዶክተር ረቢካ ፔንደር።
ክኢላ ስነልቦና ዶክተር ማሪን ፉርማን ብወገና፡ ኣብ መጀመርታ ሳምንታት ዕጽዋ መጻምዲ ዝኾኑ ብብዝሒ ክመጽኡዋ ከም ዝተዓዘበት ክትገልጽ እንከላ፡ "መብዛሕትኦም ክኣ ክፍፍል ዕዮ ከም ዘጨቓጭቖም'ዮም ዝዛረቡ" ኢላ።
እዚ፡ ንወዲ 41 ዓመት ሪቻርድ ቹና ሸምዲትን ጓል 31 ዓመት ራፋኤላ ካሮሊና ፈርሪያ ሸምዲትን ሓቂ እዩ።
እዞም ኣብ ደቡብ ብራዚል ዝቕመጡ መጻምዲ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፋትሑ ኮይኖም፡ ዕጽዋ መጎሃሃሪ ፍትሕ ሓዳሮም ምዃኑ ይዛረቡ።
"12 ጥዑማት ዓመታት ብሓባር ኣሕሊፍና ኢና" ትብል ራፋኤላ። "ግን ድማ እዚ ለበዳ ዝገደፈልና የብሉን። 24 ሰዓት ሙሉእ ምስ ክልተ ቖልዑ ብሓባር ክንውዕልን ሓንቲ ክፍሊ ከኣ ንስራሕ ክንጥቀምን ገይሩና። ብዙሓት ዘይፍተው ነገራት ይፍጠሩ ነይሮም።
"ንቑጥዐሎምን ንጨቓጨቐሎምን መዓልታት ነይሮም። መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም፣ ናብ ገዛ ክትምለስ ከለኻ ቅድሚ ኹሉ ክዳንካ ኣውጺእኻ ማይ ምሕጻብ ዝብሉ ነገራት ብቐሊሉ ኣይርእዮምን ነይረ። ንሱ ኸኣ ዝተፈለየ ኣጠማምታ ኣለዎ። እዚ፡ ሕጂ ኾይንካ ክትሓስቦ ከለኻ ቐሊል ክመስል ይኽእል፤ ሽዑ ግን ከቢድ ነይሩ" ትብል ክኢላ ማሕበራዊ ዕዮ ራፋኤላ።
በዓል ቤታ ዝነበረ ሪቻርድ ብወገኑ፡ "ብዝኾነ ነገር ክንብኣስ ጀሚርና።እቲ ዕጽዋ ተሪር ስለ ዝነበረ ካብ ገዛ ኣይንወጽእን - ንፋስ ክንቕበል'ውን እንተኾነ። ይመስለኒ ኣብ መጀመርታ ነዚ ኹሉ ኣይተቐበልኩዎን" ኢሉ።
ኣብ ዙርያ ፍቕራዊ ዝምድናን ሓዳርን ዝሰርሕ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ማእከሉ ዝገበረ ገባሪ ሰናይ ሪሌት፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣስታት ርብዒ ሰባት ዕጽዋ ኣብ ህይወቶም ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩሎም'ዩ።
ብሓምለ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ'ውን፡ 8 ሚእታዊት ዝነበሮም ፍቕራዊ ዝምድና ጠጠው ከብሉዎ ከም ዘለዎም ክሓስቡ ከም ዝገበሮምን ክገልጹ ከለው፡ እቶም 43 ሚእታዊት ድማ ዕጽዋ ዚያዳ ክቀራረቡ ከም ዝገበሮም ተዛሪቦም።
"እዚ ለበዳ ንብዙሓት ሰባት ጭንቀት ኣምጺእሎም'ዩ። ግን ድማ እቶም ኣቐዲሞም'ውን ጽኑዓት ዝነበሩ መጻምዲ እዚ ኩነታት ከመይ ክጥቀምሉ ከም ዘለዎም ዕድል ፈጢሩሎም'ዩ። ኣብዚ ግዜ እቶም ኣዝዮም ዝተጎድኡ መጻምዲ፡ እቶም ኣቐዲሙ ጸገም ዝነበሮም'ዮም" ትብል ዶክተር ፉርማን።
ንሬኒ፡ ብዛዕባ ሓዳራ ዝተሓብአ ጉዳይ'ዩ ቐሊዑላ። ንሳ ከም እትብሎ፡ እዚ ኣጋጣሚ እንተዘይህሉ ነይሩ ዓዲ ሰላም ኣሎ ኢላ እቲ ዝተቐየረ ባህርያት ሰብኣያ ከይፈለጠት ምቐጸልት ነይራ።
እንተኾነ፡ ኣብ ሓዳሩ ዘይጽኑዕ ወይ ዘይእሙን ምዃኑ ክትፈልጥ እንተኽኣለት'ውን፡ ፍትሕ ግን ቀሊል ኣይነበረን።
"ንስድራ ጸዊዐ'የ ዝበኪ። ስድራይ ክርስቲያን ስለ ዝኾኑ፡ ብፍትሕ ወይ ምፍልላይ ኣይኣምኑን። ሰብኣይኪ ዝገበረ እንተገበረ ኣብ ዘለኽዮ ጽንዒ ኢሎምኒ።
"ይፈትዎ ድየ? ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ግን ድማ መሊሱ ከም ዘይረኽባ ተስፋ ይገብር። ምስ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ርክብ ከም ዝጀመረ ምፍላጠይ ግን ጽቡቕ'ዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝቀያየር ዝነበረ ባህርያቱ ካብ ናተይ ድኽመት ዝነቕል ከም ዘይኮነ ፈሊጠ ቅሳነት ረኺበ እየ" ትብል።
ኣብ ኣመሪካን ዓዲ ኢንግሊዝን ግን፡ ኣብዚ እዋን ሕቶ ፍትሕ ወሲኹ ተራእዩ። ኣብ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እዚ ዓመት ምስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ ክነጻጸር እንከሎ ብ70 ሚእታዊት ወሲኹ።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢንዶኔዥያን ቻይናን'ውን ተመሳሳሊ ወሲኹ ተራእዩ።
ኣብዚ ግዜ፡ እቶም ካብ ሓዳሮም ዝተፋትሑ ወይ ምስ መጻምዶም ዝተፈላለዩ ከመይ ኢሎም'ዮም እቲ ናይ ልቢ ስምብራት ክወጽኡዎ ዝብል እዩ ዝኸበደ።
ኣብ ብራዚል፡ ሪቻርድን ራፋኤላን ሓዳሮም ብሰላማዊ መገዲ ብፍትሕ ክውዳእ ብምግባር መሓዙት ኮይኖም ክቕጽሉ ወሲኖም።
"ምፍልላይ ኣይደለኹን ነይረ፤ ግን ካልእ ኣማራጺ ኣይርኣኹን። ክልቲኤና ሕጉሳት ክንከውን ይግብኣና" ትብል ራፋኤላ።
*ገሊኦም ኣሽማት እዚ ዛንታ ተቐይሮም'ዮም።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available