ኣድል፡ ኣብ 2021 ብቕልጡፍ ዝተሸጠ ኣልበም 30
ምንጪ ስእሊ, Simon Emmett/Columbia Records
ሓድሽ ኣልበም ኣድል ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዓመት ብቕልጡፍ ካብ ዝተሸጡ ኣልበማት ዓለምና ኮይኑ'ሎ።
እዚ፡ 261 ሽሕ መሸጣ ኣልበም ክበጽሕ እንከሎ ነቲ ኣብ መጀመርታ ሰሙን 204 ሽሕ መሸጣ ንዝነበሮ 'ቮያጅ' ዝተሰምየ ኣልበም 'ኣባ' ዝበለጸ ኣልበም ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 300 ሽሕ ቅዳሕ እዚ ኣልበም ክሽየጥ ክኢሉ።
እንተኾነ እቲ 'ኣልበም 30' ረኺቡዎ ዘሎ ቑጽሪ ካብቲ ብ2015 ዓ.ም ዝዘርግሐቶ 'ኣልበም 25' ዝተሓተ እዩ።
ኣልበም 25 መበል 3ይ ኣልበም ኣድል ኮይኑ ኣብ ናይ መጀመርታ ሰሙን መሸጣ 800 ሽሕ እዩ ነይሩ።
እዚ ማለት ኣልበም 30 ምስቲ ሕሉፍ ክወዳደር እንከሎ 32 ሚኢታዊት ጥራይ እዩ ተሸይጡ ዘሎ።
እቲ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ሙዚቃ ዝዝርግሐሎም ኣማራጺታት ዝተራእየ ዕብየት ጽልዋ ኣሕዲሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣልበም ኣድል፡ ነቲ ብ29 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም ዝተዘርግሐ = [Equals] ዝተሰምየ ኣልበም ድምጻዊ ኢዲ ሼረን'ውን በሊጹ ኣሎ።
እዚ፡ ኣርባዕተ ኣልበማት ኣድል ቐዳማይ ደረጃ ክሕዙ ኣኽኢሉ ኣሎ።
እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of YouTube post
እቲ ኣልበም 67 ሚኢታዊት ክሽየጥ እንከሎ እቶም ሙዚቃታት ኣብ ሰሙን 55.7 ሚሊዮን ግዜ ተሰሚዖም ኣለው።
እዚ ቑጽሪ ድሕሪ እቲ ብ2017 ዝተዘርግሐ ኣልበም ሼረን ÷ [Divide] ዝለዓለ ይገብሮ።
ጓል 30 ዓመት ኣድል ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ብዛዕባ ፍትሕ ሓዳራ ምስ ኦፕራ ዊንፍረይ ኣውጊዓ ነይራ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available