እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሲድኒ ኣውስትራልያ ኣብ ከብሒ ዓቢ ድኳን ተመን ዘጓነፋ ዓዳጊት
ኣብ ሲድኒ ኣውስትራልያ ሓንቲ ሰበይቲ ኣስቤዛ ንምዕዳግ ናብ ዓቢ ድኳን (ሱፐርማርኬት) ኣብ ዝኣተወትሉ ካብ ከብሒ ናይ ቀመማት ፋይተን ዝበሃል ዓይነት ተመን ኣጎኒፍዋ።
ጓል 25 ዓመት ሄላይና ኣላቲ ሰኑይ ንጉሆ እያ ምስቲ 3 ሜተር ንውሓት ዝነበሮ መርዛም ዘይኾነ ተመን ተፋጢጣ።
እቲ ዉልዎርዝስ ዝበሃል ዓቢ ድኳን ኣብ ጥቓ ኣብ ወሰን ሲድኒ ዝርከብ ጫካ ዝተደኮነ እኳ እንተኾነ፡ ኣላቲ ተመን ኣብ ከብሒ ክገጥማ ኣይተጸበየትን።
እቲ ጽቡቕ ነገሩ ግና ኣላቲ ሰራሕተኛ ምድሓን ህይወት እንስሳታት መሮር ብምንባራ ምስ ኣትማን ጽቡቕ ሌላ እዩ ጸኒሕዋ።
"ካብ ገጸይ 20 ሰንቲሜተር ጥራሕ ርሒቑ ፊት ንፊተይ እዩ ነይሩ፤ ሽዑ ብቕጽበት ርእሰይ ጥውይ ኣቢለ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ኣብ ጥቓኣ ካልእ ሰብ ኣይነበረን፤ ግና ሃዲኣ።
መልሓሱ የውጽእን ብቕልጡፍ የንቀሳቕስን ብምንባሩ ዳያመንድ ፋይተን ምዃኑን መርዛም ከምዘይኮነን ተረዲኣ።
"ብዘይ ምቁራጽ ብቐጥታ ናባይ ይጥምት ነይሩ፤ 'በጃኺ ናብ ደገ ኣውጽእኒ!' ዝብለኒ ዘሎ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ" ኢላ።
ኣላቲ ነቲ ተመን ድሕሪ ምስኣል ንሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብምሕባር ክትሕግዞም ከም እትኽእል ነጊራቶም።
ካብ ገዝኣ መትሓዚ ተመን ሳንጣ ብምምጻእ ነቲ ተመን ካብቲ ድኳን ኣውጺኣ ኣብቲ ጫካ ነጻ ሓዲጋቶ።
ኣብ ኣተሓሕዛ ተመን ግቡእ ስልጠና ዝወሰደት ኣላቲ፡ ከባቢ 20 ናይ ተመን ኣድሕን ኩነታት ከም ዝተሳተፈት ትዛረብ።