እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ጋና፡ ሓደ ቀሺ ንተማሃሮኡ እናሰዓመን ዘርኢ 'ቪድዮ' ቁጠዐ ፈጢሩ
ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጋና፡ ነቲ ሓደ ቀሺ ንሰለስተ ተማሃሮኡ ኣብ መሰልጠኒ ማእከል መማህራን እናስዓመን ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ትምርምሮ ከምዘላ ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ።
ኣባል ሰበኻ ኣንግሊካን ጋና ጆርጅ ዳውሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነተን ተሳዒመን ዝተብሃላ ተማሃሮ ዝኾነ ዓይነት ኣእምሮኣዊ ነውጽታት ከየጋጥመን ናይ ምኽርን ማዕዳን መደባት ክወሃበን ምኳኑ ገሊጹ።
እቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ሓደ ስሙ ዘይተገለጸ ቀሺ ኣብ ቅድሚ እኩብ ሰብ ንሰለስተ ተማሃሮ ናብ መድረኽ ጸዊዑ ነቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን [ማስክ] ኣውጺኡ እናሰዓመን ዘርኢ ኮይኑ ኣብ ብዙሓት ተጠቐምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ።
ሓደ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሚድያ "በቲ ዝርኣኽዎኢ ኣዝየ እየ ሓዚነ፡ ኣብ ሓደ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ከመይ ኢሉ ከምዚ ዓይነት ነገር ከጋጥም ይኽእል?" ኢሉ።
ካልእ ሓደ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሚድያ ብወገኑ "ሓደ ቀሺ ንሰለስተ ተማሃሮ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እሞ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤት መቅደስ ከመይ ኢሉ ይስዕም፡ እዚ ቀሺ እዚ ክእሰር ኣለዎ" ኢሉ።
እታ ቤተ ክርስትያን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ እቲ ቀሺ "ብመሰረት ሕግን ኣገባብን: ከምኡ'ውን ክብርታት ደቂ ማሕበር ኣንግሊካን ጉዳዩ ክርአ እዩ" ኢላ።