ዋትሳፕ: መልእኽትታት ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ዝጠፍኡሉ ኣማራጺ ከቕርብ'ዩ
ምንጪ ስእሊ, WhatsApp
ዋትሳፕ ሰባት ካብን ናብን ዝለኣኣኽዎም [ኣብ ለኣኺ ይኹን ተቐባሊ ዘለዉ] መልእኽትታት: ድሕሪ ሸውዓተ መዓልታት ክጠፍኡ ዝገብር ኣማራጺ ከተኣታቱ ምዃኑ ገሊጹ።
ብኩባንያ ፌስቡክ ዝውነን መተግበሪ ['ኣፕሊኬሽን'] ዋትሳፕ፡ ብደረጃ ዓለም 2 ቢልዮን ተጠቀምቲ ኣለውዎ።
መልእኽቲታት ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ክጠፍኡ ምግባር ዝተደለየሉ ምኽንያት ድማ: ሰባት ዝለኣኣኽዎም መልእኽተታት ምስጢራውነቶም ንምሕላው'ዩ።
እቲ ኣማራጺ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ: ኣብ ኣገልግሎት ከምዝውዕል ተገሊጹ'ሎ።
እቶም መልእኽትታት ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ክስረዙ ምግባር: "እቲ ልውውጥ መልእኽቲ ቀዋሚ ከምዘይኮነ ዝግንዘቡ ተጠቀምቲ ናይ ኣእምሮ ቅሳነት ክረኽቡ: " ዕድል ንምፍጣር ከምዝኾነ እቲ ኩባንያ የረድእ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት እቲ ከባንያ ብዙሕ ምምሕያሻት ከምዝግበር: ኣብ ሚያዝያ 2019 ኣፍሊጡ ነይሩ።
ከምኡ ዝግበረሉ ምኽንያት ከኣ ምስጠራውነት ተጠቀምቲ ብዝያዳ ዝተዓቀበ ንምግባር ከምዝኾነ ገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ንለውጢ ዝሃቀኖም ስጉምቲታት ድማ: ልእኽትታት ክጠፍኡ ምግባር ሓዊሱ፡ ትሕዝቶታት "ንሓጺር ዕምሪ" ምብጻሕ ዝብል'ዩ።
እቲ ኩባንያ፡ ኣብ ሞንጎ ዋትሳፕ፣ ኢንስታግራምን ፌስቡክ ሜሰንጀርን ናይ መልእኽቲ ምቅይያር ዝከኣለሉ ኩነታት ንምፍጣር ይሰርሕ ከምዘሎ ይግለጽ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available