እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሜክሲኮ ነበር ጀነራል ሰንፊዩጎስ ዘፕዳ ብምዝውዋር መዐወኒ እጽ ተኸሲሱ
ሚኒስተር ምክልኻል ሜክሲኮ ነበር መዐወኒ እጽን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ብምዝውዋር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ጀነራል ሳልቫዶር ሰንፊዩጎስ ዘፕዳ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፈጺምዎ ብዝተባህለ ገበን እዩ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀለስ ኣመሪካ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
እቲ ሚኒስተር ነበር ከም ሄሮይን፣ ኮኬይንን ማሪዋናን ዝበሉ እጻት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ብምትሕብባር ዝብል ብዝርከቦም ኣርባዕተ ክሲታት መጻኢ ዓርቢ ኣብ ካሊፎርንያ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።
እቲ "ዘ ጎድፋዘር" ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ጥሮተኛ ጀነራል፡ ኤች-2 ዝተብሃለ ሓደገኛ ጉጅለ ኣዘዋዋሪ መዐዋኒ እጻት፡ እጻት ናብ ኣመሪካ ከእትዉ ይሕግዞም ከምዝነበረ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።
ነዚ ዘረጋግጽ ኣብ መንጎ እቲ ጀነራልን ሓደ ላዕለዋይ መራሒ እቲ ሓደገኛ ጉጅለን ዝተገብረ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ መረዳእታ ከምዘለዎምን፡ ጉቦ ተቐቢሉ እቲ ጉጅለ ኣብታ ሃገር ድላዩ ክገብር ከምዘፍቀደሉን ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ጀነራል ሰንፍዩጎስ ናብ ፍርዲ ክሳብ ዝቐርብ ብእሱር ክጸንሕ ዝጠለቡ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳብ 10 ዓመትን ልዕሊኡን ማእሰርቲ ከምዝጽበዮ ገሊጾም።
እቲ ነበር ጀነራል ብተቖጻጸርቲ እጽ ኣመሪካ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ንቢቢሲ ዘረጋገጸ ፕረዚደንት ሜክሲኮ ሎፔስ ኦብራዶር፡ እቲ ማእሰርቲ ቀንዲ ጸገም ሜክሲኮ ብልሽውና ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣመራርሃ ብልስውና ክስፋሕፋሕ ብምግባር ዝኸሶም እንትኾን፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ክለዓል ይሰርሕ ከምዘሎ ይግለጽ።
ካብ 2012 ክሳብ 2018 ኣኣ፡ ኣብ ዘበነ ስልታን ፕረዚደንት ፔና ኒቶ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሜክሲኮ ኮይኑ ዘገልገለ ጀነራል ሰንፊዩጎስ፡ ኣንፋር ዝውውር መዐወኒ እጻት ኣብ ዝግበር ኩናት ዝለዓለ ሓልፍነት ነይሩዎ።
ኮይኑ ግና ሰበስልጣን መንግስቲ ምስ ሓደገኛ ጉጅለታት ይመሳጠሩ ነይሮም ዝብል ክሲ ይቐርበሎም ነይሩ።
ኣብ መጀርታ እዚ ዓለም ሓደ ናይ ቀረባ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኒቶ ዝነበረ ሰብ ብብልሽውና ተኸሲሱ ካብ ስፐይን ናብ ሜክሲኮ ተወሲዱ እዩ።
ሓላፊ ትካል ነዳዲ ሜክሲኮ ዝነበረ ኢሚልዮ ሎዞያ፡ ካብ ሓደ ብራዚላዊ ትካል 8 ሚለዌኦን ዶላር ጉቢ ተቐቢሉ ተባሂሉ ተኸሲሱ።
ሓደ በዓል ስልጣን ሜክሲኮ ኣብ ኣመሪካ ተኸሲሱ ክእሰር ጀነራል ሰንፊዩጎስ፡ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ነበር ሚኒስተር ጸጥታ ሜክሲኮ ጀናሮ ጋርሺያ፡ ካብ ሓደገኛ ጉጅለታት ጉቦ ብምቕባል ኣብ ኣመሪካ ተኣሲሩ፡ ኣብ ኒውዮርክ መስርሕ ፍርዲ ይከታተል ኣሎ።