እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ኣሜሪካ ህዝባዊ ተቓውሞ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል
እቲ ብቕትለት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተጀመረ ናዕቢ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣሜሪካ ብናህሪ ይላባዕ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ካብታ ጆርጅ ፍሎይድ ዝሞተላ ከተማ ወጻኢ፡ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ከተማታት ኒውዮርክ፡ ኦክላንድ፤ ኣትላንታ፡ ዳላስ ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ።
ብፍላይ ነበርቲ ከተማ ሚኒያፕልስ፡ ንሰዓት እቶ እቶ ጥሒሶም ኣብ ጎደናታት ኮይኖም ቑጥዕዖም ይገልጹ ኣለው።
እታ ከተማ ነቶም ናዕበኛታት ንምቁጽጻር ኣብ ጎደናታት ፍሉይ ሓይሊ ተዋፊሩ ይርከብ።
ኣብ ከተማ ሚኒያፕልስ፡ ሓያለ ባርዕ ሓዊ ከምዝተጀመረን፡ ሰብመዚ መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ንኹሉ ከርክቡሉ ከምዘይክእሉ ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ ሚኒያፕልስ፡ እቲ ኩነታት ናብ ዕግርግርን ዕንወትን ከምኡ'ውን ዝምታ ከም ዝቐጸለ ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ሓቢሩ።
ኣብ ዋሽንግተን፡ ኣብ ቅድሚ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሓያሎ ሰልፈኛታት ተኣኪቦም ተቓውምኦም ኣስሚዖም እዮም።
ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎንያ፡ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን መንቢዒ ጋዝ ተጠቒሞም።
ኣብ ከተማ ሎስኣንጀለስ'ውን፡ እቶም ናዕበኛታት ርሺ ተጠቒሞም መገዲ ክዓግቱ ፈቲኖም እዮም።
ኣብ ከተማ ኒውዮርክ፡ ሓያል ዕግርግርን ህውከትን ከምዝተራእየ ከንቲባ እታ ከተማ ገሊጹ። ንሱ፡ "ከምዚ ዓይነት ዕግርግር ካልኣይ ለይቲ ክንርኢ ኣይንደልን" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ኣብ ከተማ ዲትሮይድ፡ ኣንጻር ናዕበኛታት መንብዒ ጋዝ ተተኲሱ።
ከተማ ኣሪዞና
ኣብ ከተማ ኣትላታ፡ መካይን ፖሊስ ከምዝተቓጸላን እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍኣ ኩነታት የምርሕ ከምዘሎ ተገሊጹ። ከንቲባ እታ ከተማ እቶም ናዕበኛታት ክሃድኡ ድማ ተማሕጺኑ።