እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ንዝወጽአ መግለጺ ከምዘይትቕበሎ ገሊጻ
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ንዘውጽኦ መግለጺ ዳግመ ግምት ብምግባር ጌግኡ ክእርም ዘለዎ ተስፋ ሓቢሩ።
ኣቶ ገዱ ንኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ናብ ሓደ ምርድዳእ ንምምጻእ ዝተኻየዱ ስምምዓት እወንታዊ ኣበርክቶ ከምዝነበሮም ብምግላጽ፡ እታ ንተዓዛብነት ጥራይ ቦታ ተዋሂብዋ ዝነበረት ኣሜሪካ ተረኣ ምቕያራ ነቒፉ።
መርገጺ ኢትዮጵያ ብዓይኒ ፖለቲካ፣ ሕጋውነትን ሞራላውን ትኽክለኛ ከምዝኾነ'ውን ተዛሪቡ።
ኢትዮጵያ ምስተን ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት ዝጀመረቶ ስምምዕ ኣጠናኺራ ከምእትቕጽለሉ ኣብቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሞንጎ ተዛተይቲ ሃገራት ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣምጺኦም ዘለውን ዘተ ዘድልዮምን፤ መስርሕ ምምላእን ንጥፈትን እቲ ግድብ፣ ምልውዋጥ ሓበሬታ ከምኡ'ውን ንውሓት ግዜ ምምላእ ዝብሉ'ዮም ድሕሪ ምባል፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዘተ እዘን ሰለስተ ሃገራት ኢድ ኣእታውነት ሳልሳይ ኣካል ከምዘይተአንግድ ኣፍሊጡ።
እቲ ቅድሚ 9 ዓመታት ህንጸቱ ዝተጀመረ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን 71 ሚኢታዊት ከምዝተዛዘመ ይግለጽ።
ኢትዮጵያ ነዚ ግድብ ካብ ዝመጽእ ክረምቲ ምምላእ ክትጅምርን ኣብ መወዳእታ እቲ እዋን ክረምቲ ድማ 4.9 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ማይ ክትዓቁርን'ዩ ውጥና።
ብመሰረት ካብ ሚንስትሪ ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እቲ መመንጨዊ ሓይሊ ግድብ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021 ኣ.ኣ ፈተነ ክጅምር'ዩ።