ኣብ ዋሺንግተን ዝተገበረ ዘተን ዝተበጽሐ ስምምዕን እንታይ'ዩ?
ምንጪ ስእሊ, @realDonaldTrump
ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሰለስቲአን ሃገራት ማለት ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳንን ንጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ኣመሪካ ተራኺቦም ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ትማሊ ዝወጸ ሓበራዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ኣብቲ ዘተ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሰለስቲአን ሃገራት፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ኣመሪካን ተወካሊ ባንኪ ዓለምን ተረኺቦም እዮም።
ምምላእ ማይ'ቲ ግድብን ኦፕሬሽንን ንናይተን ሃገራት ድሌት ብዘማልእ መልክዑ ክፍጸም እተን ሃገራት ቅዋመን ከምዝገለጻ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።
ብደረጃ ሚኒስትራት ማይ እተን ሃገራት፡ ኣርባዕተ መንግስታዊ ቴክኒካዊ ልዝብ ከካይዱ ዝተስማምዑ ክኾኑ እንከለው፡ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ብተዓዛብነት ክርከቡ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ'ውን ተገሊጹ።
እቶም ሚኒስትራት ኣብ ሓደ ዕልባት ክበጽሑን እዚ ንምግምጋም ድማ ሕዳር 29ን ጥሪ 4ን ንካልኣይ ግዜ ኣብ ዋሺንግተን ክራኸቡን ቆጸሮ ሒዞም ተፈላልዮም።
እንተኾነ እቶም ሚኒስትራት ክሳብ 6 ጥሪ 2012፡ ኣብ ሓደ ዕልባት ዘይበጽሑ እንተኾይኖም ኣብ 2008 ሰለስቲአን ሃገራት ዝተሰማመዐኦ ሓበራዊ ቅዋም፡ ዓንቀጽ 10 ተግባራዊ ክኸውን ተስማሚዖም።
ዓንቀጽ 10 እንታይ እዩ ዝብል?
እዚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን፡ ካርቱም ዝተፈረመ ስምምዕ ነቲ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተኻየደ ልዝብ መሰረት ዝኾነ እንትኸውን፡ ዓሰርተ ዓንቀጻት ዝሓዘ እዩ።
ናይ መወዳእታን ኣገዳስን ዓንቀጽ 10 ድማ ከምዚ ዝብል ትሕዝቶ ኣለዎ።
'ሰለስቲአን ሃገራት ብኣተረጓጉማ ወይ ድማ ኣፈጻጽማ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ዘይምርድዳኣት፡ ኣብ ሰናይ መንፈስ ተመስሪተን፡ ብዘተ ወይ ከኣ ብድርድር ይፈትሕኦ' ይብል።
ነዚ ክገብራ እንተዘይክኢለን፡ ኣደራዳሪ ኣካል ኢድ ክሓውስ ወይ ድማ ንመራሕቲ እተን ሃገራት ከፍልጣ ከም ዘለወን የመልክት።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ እዚ ኣብ ዋሺንግተን ዝተኻየደ ልዝብ ውጽኢታዊ ከምዝነበረ ብትዊተሩ ገሊጹ'ዩ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available