ካብ ውድድር ኦስካር ዝተገለፈት ኣብ ናይጀርያ ዝተሰርሐት ፊልሚ ንኣዳለውቲ ኣቖጢዑ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብናይጄርያዊት ኣላይትን ተዋሳኢትን ጃነቪቭ ናጂ ዝተዳለወት ፊልም "ላየንሀርት" (lion heart) ብምኽንያት ምጥቃም ቃላት ቋንቋ እንግሊዝኛ ካብ ውድድር ኦስካር ተገሊፋ።
ናጂ፡ ፊልማ ካብ ብሉጽ ዓለም ለኻዊ ፊልም [Best International Feature Film] ካብ ዝብል ዓውዲ ውድድር ኦስካር ክወጽእ ስለዝተገበረ ተቓውሞኣ ገሊጻ'ላ።
ኣዳለውቲ'ቲ ውድድር "ብዙሕ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ዝግበር ዝርርብ ሒዙ'ሎ" ብዝብል ምስምስ፡ ነቲ ፊልሚ ካብ ውድድር ክወጽእ ከም ዝገበርዎ ተፈሊጡ።
ፊልም ላየንሃርት ከኣ "እንግሊዝኛ ብዘይኮነ ቋንቋ ዝተዓብለለ" ዝብል ነጥቢ መምዘኒ ዝጠሓሰ ከም ዝኾነ ይግለጽ።
ካብ ናይጀርያ ንፈለማ እዋን ናብ ውድድር ኦስካር ዝቐረበት ፊልም፡ ዝበዝሕ እንግሊዝኛ ዝዝረበሉ ኮይኑ፡ ንናይታ ሃገር ቋንቋ 'ኢቦ' ድማ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ይጥቀምዎ።
ብዙሕ ተቐባልነት ዝረኸበ 'ላየንሀርት'፡ ኣብ ኔትፍሊክስ [ብኦንላይን ፊልምታት ዘቕርብ] ዓለምለኻዊ ትካል ይረኣይ ኣሎ።
ኣብ ውድድር ኦስካር ንጽባሕ ሮቡዕ ተመልከትቲ ርእዮም ድምፂ ክህቡሉ መደብ ተታሒዙሉ ነይሩ። ትማሊ ሰኑይ ግን ካብ ውድድር ወጻኢ ምዃኑ ዝሕብር መልእኽቲ ናብቶም ክዳንዩ ዝተዳለዉ ሰባት ተጻሒፉ።
እቲ ፊልሚ ሓደ ካብቶም ብደቂኣንስትዮ ተኣልዮም [ዳይሬክት ተገይሮም] ናብቲ ውድድር ዝቐረቡ ውሑዳት ፊልምታት ከም ዝነበረ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣላይት ጀነቨቭ ናጂ፡ ኣብቲ ፊልሚ'ውን ተዋሲኣ እያ። ንሳ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሓቶ መልእኽቲ ፊልማ ካብ ውድድር ወጻኢ ክኸውን ብምኽኣሉ ተቓውሞኣ ገሊጻ።
"ነቲ ናይጀርያውያን እንጥቀመሉ ኣዘራርባ ዝውክል'ዩ" ክትብል ገሊጻ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post
"እዚ ከኣ ኣብ ሃገርና ንዝዝረቡ ልዕሊ 500 ቋንቋታት ከም ድልድል ኮይኑ ንዘግለጽ እንግሊዝኛ ዝሓውስ'ዩ። መን ክገዝኣና ኣለዎ ኣብ ዝብል ንሕና ኣይመረጽናን። ብዙሓት ዝፈተውዎ ፊልሚ ስለዝኾነ ናይጀርያዊ እዩ" ኢላ።
ካብ ፍሉጣት ኣለይቲ ፊልምታት ሆሊውድ ሓንቲ ዝኾነት ኣቫ ደቫርናይ፡ እቲ ዝተጠቐሙሉ እንግሊዝኛ ናይጀርያውያን ዝጥቀሙሉ ወግዓዊ ቋንቋ ከም ዝኾነ ኣብ ትዊተራ ሓቢራ።
እንግሊዝኛ ናይ መብዛሕቲኤን ብዓባይ ብርጣንያ ዝተገዝኣ ሃገራት ኣፍሪቃ ወግዓዊ ቋንቋ እዩ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available