እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅድሚ 150 ኣብ ኣማዞን ዝተሳኣሉ ኣገረምቲ ስእልታት
እዞም ስእልታት ብጀርመናዊ ሰኣላይ ኣልበርት ፍሪሽ ዝተሰኣሉ ኮይኖም ኣብ ኒውዮርክ ብጨረታ ዝተሸጡ እዮም።
እዞም ኣስእል ኣብ ሰሜን ብራዚል ላዕላይ ሸነኽ ኣማዞን ቅድሚ 150 ዓመታት ዝተሳኣሉ እዮም፡ ናይቲ ቦታ እቶም ዝጠንተዉ ኣሳእል ምኳኖም'ዩ ኸኣ ዝእመን።
ኣልበርት ፍሪሽ፡ ንቅርጺ መሬት፡ ትኳኣ፡ ሚራናን ካይጻናን ዝብሃሉ ደቀ ኣባት እቲ ከባብን ኣብ ኣሳእሉ ኣስፊሩ።
ኣልበርት ፍሪሽ መስኣሊ ካሜራ ሒዙ ኣብ 1863 እዩ ናብ ርዮ ዲ ጀናርዮ ኣምሪሑ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኸኣ ምስ ሉውዘንገር ክሰርሕ ጀሚሩ።
ኣልበርት ፍሪሽ፡ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ብእግሩን ብጃልባን 1000 ኪሎ ሜተር ብምጉዓዝ፡ ኣብ ሕዳር 1867 ክስእል ጀሚሩ።
እዚ ኣሳእል 98 ኣልበማት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1869 ብጆርጅ ሉውዘንገር ከምዝተሓትመ ይግለጽ።