ኢሮብ እንታይ ትመስል?

ነዞም ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ትግራይ፡ ኣብ ከባብታት ኢሮብ ዝተስኣሉ ስእልታት ተኣንገዱ።

መግለጺ ስእሊ, ዳውሃን

ዳውሃን: ማእኸል ከተማ ወረዳ ኢሮብ እያ። ትርጉም ስያመኣ ድማ፡ ዳው (ድምፂ) ሃን (ፀባ) ማለት እዩ።

መግለጺ ስእሊ, ቅርፂ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ

ኣብ ከተማ ዓሊቴና ዝርከብ፡ ዝኽሪ ቅርፂ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ። ጣልያናዊ ኣቡነ ያዕቆብ፡ ብ 1837 ዓ.ም ኣብ ዓሊቴና ቤት ትምህርቲ ቁምስና ዘካተተ ገዳም ዝሃነፁ ሃይማኖታዊ ኣቦ እዮም።

መግለጺ ስእሊ, ዓሊቴና

ንፈለማ እዋን ብካቶሊካውያን ፈለስቲ ዝኣተወ ተኽሊ በለስ ዝተተኸለሉ ከባቢ ዓሊቴና

መግለጺ ስእሊ, ቤተ መጽሓፍቲ ቤት ትምህርቲ ልደታ ማርያም

ኣብ ቤተ መጽሓፍቲ ቤት ትምህርቲ ልደታ ማርያም ዓሊቴና፡ ብ 23 ቋንቋታት ዝተሰናድኡ መጽሓፍቲ ይርከቡ።

መግለጺ ስእሊ, ግድብ ዓሳቦል

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ጥቓ ዳውሃን ብስዊዘርላንዳዊ ገባር ሰናይ ዶ/ር ብሩኖ ዝተሃነፀ ግድብ ዓሳቦል

መግለጺ ስእሊ, መዕረፊ ኣጋይሽ ዓሳቦል

ኣብ ኢሮብ ነቲ ሓፅቢ ብዝሃነፁ ዶ/ር ብሩኖ ዝውነን ዓሳቦል መዕረፊ ኣጋይሽ (ሎጅ)

መግለጺ ስእሊ, ናውቲ ዘበናዊ ሙዚቃ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ልደታ ማርያም

ኣብ ቤት ትምህርቲ ልደታ ማርያም ዓሊቴና ዝርከቡን ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀሩን ናውቲ ዘበናዊ ሙዚቃ (ትራምፔትን ፒያኖን)

መግለጺ ስእሊ, ቤት ትምህርቲ ልደታ ማርያም

ብጣልያናዊ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ብ1837 ዓ.ም ብዘይ ጭቃን ስሚንቶን ብእምኒ ጥራሕ ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ልደታ ማርያም ዓሊቴና።