ሱዳን፡ ዋጋ ነዳዲን ባኒን ዘንቀሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት

ንባብ: 1 ደቓይቕ

ኣብ ዝተፈላለያ ከታማታት ሱዳን ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዋጋ ባኒን ነዳዲን ዝመንቀሊኡ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ኣል-ገዳርፍ ብሓሙስ ምስ ፓሊስ ኣብ ዝተኻየደ ጎንፂ፡ ሓደ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝተቐትለን፡ ሓያሎ ካልኦት ከም ዝቐሰሉን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

መንግስቲ ሱዳን ንቀረብ ነዳዲን ባኒን ክገብሮ ዝጸንሐ ድጎማ ከቋርጾ ምዃኑ፡ ድሕሪ ምስምዑ ኣብታ ሃገር ቁጠዐ ፈጢሩ'ሎ።

እቲ ብረቡዕ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝጀመረ ተቓውሞ፡ ናብ ሓያሎ ካልኦት ከተማታት እንተኮይ ርእሰከተማ ካርቱም ተላቢዑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ሰልፈኛታት፡ እቲ ብፕረዚደንት ዑማር ኣልበሽር ዝምራሕ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ክቕየር ዝጽውዑ ጭርሖታት ከቃልሑ ከም ዝተሰምዑ'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብ ከተማታት ገዳርፍን ዶንጎላን ዝነበረ ቀንዲ ቤት ጽሕፈታት ገዛኢ ሰልፊ ሃገራዊ ጉባኤ ብሓዊ ከም ዝተቓጸለን፡ እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ይኸውን ከም ዘሎን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ሱዳን ሙባረክ ኣልኑር ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

"ኣብ ገዳርፍ ዘሎ ኩነታት ኣብ ሓደገኛ ደረጃ በጺሑ'ሎ። እቶም ተቓውምኦም ዘስምዑ ዘለዉ ሰልፈኛታት ኣብ ንብረት ምቅጻልን ምዝማትን ኣትዮም ኣለዉ። ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ'ዩ ኮይኑ ዘሎ" ክብል ተዛሪቡ።

መንግስቲ ነቲ እናተላበዐ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢ ንምህዳእ ፓሊስን ሲቪል ዝተኸድኑ ስውራት ኣባላት ጸጥታ ኣዋፊሩ'ሎ።

ተቓዋሚ ሰልፊ ሱዳን ቸንጅ ናው (ለውጢ ሱዳን ሕጂ) ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ድምጾም እናስምዑ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ትዊተር ዘርጊሑ'ሎ።

ገለ ካብቶም ሰልፈኛታት ክጥቀምሎም ዝተሰምዑ ጭርሖታት "ሰራዊት ምሳና'ዩ ጸገም የለን" ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ንፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ምርጫ ከወዳደር ዘኽእሎ ቅዋማዊ ለውጢ ክግበር ባይቶ እታ ሃገር ከም ዘጽደቐ ይዝከር።