ትዊተር፡ ናይ ፕሬዝደንት ፑቲን'ዩ ዝበሃል ዝነበረ ገጽ ከም ዝዓጸወ ኣፍሊጡ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images/PA
ትዊተር፡ ብስም ፕሬዝደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ሓበሬታ ዝህብ ዝነበረ ናይ ትዊተር ገጽ ዓጽዩ።
እዚ ማሕበራዊ ሚዲያ "ካብ ሰበ ስልጣን ሩሲያ ብመሰረት ዝተረኸበ ጥሉል ሓበሬታ'ዩ ተዓጽዩ" ድማ ኢሉ።
እቲ ገፅ ኣብ 2012 ዝተኸፈተ ኮይኑ፡ ምስ ፕሬዝደንት ፑቲን ርክብ ናይ ዘለዎም ሰበ ስልጣን ፍጻሜታት ክጥቅዕ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት፡ ሓደ ሚሊዮን ዝጽግዑ ሰዓብቲ ኣፍርዩ። መብዛሕትኦም ድማ ሓቃዊ'ዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ትዊተር ከምዝበሎ ግና፡ ካብ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሩሲያ ብዝረኸቦ ማዕዳ፡ "ሓደ ሰብ ብዘደናግር ወይ'ውን ብተዘዋወሪ መገዲ ሓበሬታ ዘሕልፍ ናይ ትዊት መጥቀሚ ክዕጾ ኣለዎ"።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post
ክሳብ ሕዚ ግና፡ እዚ ብ@putinRF_eng ዝፍለጥ ገጽ መን ከምዝጥቀመሉ ኣይተፈለጠን።
ትዊተር ብኸምዚ ዓይነት ስኑዕ ናይ ትዊተር ገጽ ክታለል ከሎ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።
ቅድም ኢሉ'ውን ብኣሜሪካዊ በዓል ሃብቲ ዋረን ቡፌር ዝተኸፈተ ገፅ፡ ንመናእሰይ ብዝተጽሓፈ መለዓዓሊ ማዕዳ 2 ሚሊዮን ላይክ ረኺቡ ነይሩ።
ኮይኑ ግና ኣብ ኣጸሓሕፋ ፊደላት ቡፌት ክፍተት ዝነበሮ ብምዃኑ፡ ስኑዕ ናይ ትዊተር ገጽ ከም ዝነበረ ክፍልጥ ኽኢሉ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available