ህቡብ ግብጻዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ሞ ሳላሕ፡ ንሰደድ ደማሙን ኣኽላባትን ግብጺ ተቓዊሙ
ምንጪ ስእሊ, Mo Salah
ህቡብ ግብጻዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ሞ ሳላሕ፡ ዋና ዘይብሎም ደማሙን ኣኽላባትን ናብ ወጻኢ ናይ ምስዳድ ውጥን ሃገሩ ተቓዊሙ። ንሱ ንብልዒ ክጥቀምሎም ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ስክፍታ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
"ደማሙን ኣኽላባትን ናብ ዝኾነ ሃገር ኣይክስደዱን ኢዮም። እዚ ክኸውን ኣይክእልን" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ተሓለቕቲ መሰል እንስሳታት'ውን ኣብ ልዕሊ እቲ ውሳነ ዘለዎም ቁጥዓ ብምግላጽ፤ እቲ ንጥፈታት ከቋርጽ ጸዊዖም።
ዋና ዘይብሎም ደማሙን ኣኽላባትን ኣብ ጎደናታት ግብጺ ብብዝሒ ኢዮም ዝረኣዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትሪ ሕርሻ ግብጺ ኣስታት 4 ሽሕ ደማሙን ኣኽላባት ንምስዳድ ድሕሪ ምጽዳቑ ኢዩ እዚ ክትዕ ተላዒሉ ዘሎ።
ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ግብጻዊት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ኣል-ማስሪ ኣል-ዮም፡ እቲ ሚኒሰትሪ 2,400 ደማሙን 1,600 ኣኽላባትን ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምስዳድ ናይ ጥዕና ምስክር ወረቐት ክህብ ከም ዝጀመረ ሓቢራ።
ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ድማ ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ቴንቲቪ ንዝተባህለት መደበር ተለቪዥን፡ እቶም እንስሳታት ክታበት ከም ዝተዋህቦምን ብሕጋዊ መንገዲ ክስደዱ ምዃኖምን ተዛሪቡ።
እቶም ሰበ ስልጣን፡ ናብ ኣየኖት ሃገራት ከም ዝሰዱዎምን፡ ንምንታይ መዓላ ምዃኑን ኣይሓበሩን።
እቲ ኣብ ሃገሩን፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ግኑን ስም ዘለዎ መሓመድ ሳላሕ፡ ብሰሉስ "ምግሃስ መሰል እንስሳታት የብቅዕ" ኢሉ ኣብ ትዊተር ብምጽሓፍ ኢዩ ነቲ ክትዕ ተጸምቢርዎ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post, 1
ብዙሓት ድማ ነቲ ሓሳቡ ደጊፎሞ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post, 2
ካልኦት ግና: ግብጻውያን ካልእ ዝያዳ ዘገድስዎም ጉዳያት ኣለው ብምባል ተቓዊመምዎ፤ ሓደ ካብኦም "ፈለማ መሰል ሰባት ይከበር፡ ብድሕሪኡ መሰል እንስሳታት ንርኢ" ክብል ጽሒፉ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available