እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቦ መንበር ኢህወደግ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ቃለ መሓላ ፈጺሙ። ኣብዚ ዕለት ብዛዕባ ሓድነትን ለዉጥን ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G/MESKEL/TWITTER
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዉሽጢ 100 መዓልታት ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት፣ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ዓረብን ብምዝዉዋር ብርክት ዝበሉ ዉሳነታት ግብራዊ ክኾኑ ገይሩ'ዩ። ዝሓለፈ ሰንበት ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈላማ እዋን ናብ ከተማ ኣስመራ ብምኻድ ኣብ ዉሽጢ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ዝፈጠሮ ስምዒትን ተስፋ ሰላም ምጽራሕ ይከኣል።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቦ መንበር ኢህወደግ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ቃለ መሓላ ፈጺሙ። ኣብዚ ዕለት ብዛዕባ ሓድነትን ለዉጥን ተዛሪቡ።
ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ከተማታት ዝተፈላለያ ክልላት ብምዝዉዋር ነበርቲ ከዘራርብ ጀሚሩ። ኣብ ከተማ ሃዋሳ ተረኺቡ ድማ ዘመን ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ 10 ዓመት ከምዘይዛይድ ኣፍሊጡ።
ፈላማይ ናይ ወጻኢ ሃገር ጉዕዝኡ ናብ ጅቡቲ እንትገብር፡ ኣብ ቑጠባዊ ምትእስሳርን ዞባዊ ሰላምን ዘትዩ። ኢትዮጵያዉያን እሱራት ድማ ካብ ጅቡቲ ኣፍቲሑ።
ብዜግነት ኢንግሊዛዊ ዝኾነ መራሒ ግንቦት ሸዉዓተ ኣይተ ኣንዳርጋቸዉ ጽጌ፡ ካብ ተፈሪዱዎ ዝነበረ ፍርዲ ሞት ብምሕረት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ። ኣብ ጽባሕ ዝተፈትሐሉ መዓልቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ተራኺቡ።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝነበሮ ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ክልተ መዓልታት ኣብ ዙርያ ክልትኣዊ ጉዳያትን ዓለምለኻዊ ዛዕባታትን ምስ ልኡል መሓመድ ቢን ሰልማን ኣብዱል ዘትዩ። ኣብዚ እዋን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኢትዮጵያዉያን እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ኣፍቲሑ።
ባይቶ ወክልቲ ህዝቢ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ተኣዊጁ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣልዒሉ።
ገዛኢ ግንባር ኢህወዴግ፡ ኣብ ኢድ ዋንነት መንግስቲ ዝነበሩ ትካላት ቴሌ ኮምዩኒኬሽን፣ መንገዲ ኣየርን ካልኦትን ንሰብ ሃፍቲ ዉሽጢ ዓድን ወጻእን ብኽፋል ክሽየጡ ተወሲኑ። እዚ ዉሳነ ስሉጥ ዕብየት እታ ሃገር ቀጻልነት ክህልዎ ንምግባር ኣድላዪ ኾይኑ ስለዝተረኸበ'ዩ ይብል።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢታማጆር ሹም ሃገራዊ ምክልኻል ዝነበረ ሳሞራ ዮኑስ ብጀነራል ሰዓረ፣ ሓላፊ ጸጥታን ደሕንነትን ኣቶ ጌታቸዉ ኣሰፋ ድማ ብጀነራል ኣደም መሓመድ ተኪኡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝለዓለ ሜዳሊያ ኡጋንዳ ተሸሊሙ፡ ናብ ግብጺ እንተምርሕ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ዘትዩ። ናብ ኢትዮጵያ እንትምለስ ድማ ግብጺ ዝፈትሐቶም እሱራትን ኣባላት ኣመራርሓ ኦነግን ሒዙ ተመሊሱ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር መንግስቲ እሱራት የሳቒ ምንባሩን እዚ ከኣ ሕገ መንግስታዊ ከምዘይኾነን ገሊጹ። "ምእሳርን ምስቓይን ዘይ ሕገ መንግስታዊ'ዩ። ሽብርተኝነት እቲ ሕገ መንግስቲ ካብ ዝፈቐረዶ ንላዕሊ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝግበር ስጉምቲ ዝሓወሰ'ዩ" ኢሉ።
ቀዳም፡ 16 ሰነ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ንድጋፍ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት ብዝበጽሐ ምፍንጃር ቦንቧ ኢድ፡ ክልተ ሰባት ሞይቶም። ብድሕሪኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ እቲ መጥቃዕቲ እቲ ዝነበረ ስምዒት ንምቕታል ዝተዋደደ'ዩ ክብል ገሊጹዎ።
ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቀባብላ ተገይሩሎም። ክልቲኤን ሃገራት ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ተቐራሪበን ኣይፈልጣን። ከም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ እንተኾይኑ፡ መራሕተን ኣብ ቀረባ ክራኸቡ'ዮም።
ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ዉዳበታት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፣ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ)ን ግንቦት ሸዉዓተን ተደንጊጉ ዝነበረ ብያነ ጉጅለ ራዕዲ ኣልዒሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣአሕመድ ናብ ከተማ ኣስመራ ተጓዒዙ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተቐቢሉዎ። ነበርቲ ከተማ ኣስመራ'ዉን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሉ። ዒደት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ሰፊኑ ዝነበረ ወጥሪ ክሃድእ በሪ ዝኸፈተን፡ ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ሰላም ምምጽኡ ዘመላኽትን'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።