እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣምቦ
ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ነበርቲ ኣምቦን ከባቢኣን ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ድሙቕ ኣቀባብላ ጌሮሙሉ ።
ኣብቲ ናይ ምቕባል ጽንብል ብርክት ዝበሉ ሰበ-ስልጣን ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ፡ ዓበይቲ ዓድን ህዝብን ተሳቲፎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንተሳተፍቲ ኣብ ዝገበሮ መደረ " ብህዝቢ ኢትዮጵያን ብውድብናን ዝተወሃበና ተልእኾ ብቆራጽነት ከምንፍጽም ንምግላጽ ኣብዚ ተረኺበ ኣለኹ" ኢሉ።
ብምቕጻል ብመንእሰያትን ደቐንስትዮን ንብዙሕ እዋን ቀጻሊ ክሕተቱ ዝጸንሑ ሕቶታት ክሳብ ሕጂ መልሲ ከምዘይተዋሃቦም ብምግላጽ ፡ ነዞም ሕቶታት መፍትሒ ከም ከምዘናዲ ተዛሪቡ።
" ብዘይ ተሳትፎ ደቀንስትዮን መንእሰያትን ኣተኣማማኒ ሰላምን ዲሞክራስን ከምኡ'ውን ቀጻልነት ዘለዎ ልምዓት ክተውሕስ ኣይከኣልን'ዩ " ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ። ኣስዒቡ " ህዝቢ ኦሮሞ ሓድነቱ ብምትራር ንኻልኦት ሕብረተሰብን ብሄራትን ሃገርና ኣርኣያ ክኸውን ኣለዎ ፡ ናይ ኩሉ ተሳትፎ ከኣ ወሳኒ እዩ " ክብል ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።
ተቐማጢ ከተማ ኣምቦ ኣቶ ጨፋ ኣዲሱ ፡ ንምምጻእ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ፡ ናብ ኣምቦ ኣመልኪቶም ሓጎሶም ብምግላጽ "ቀዳማይ ሚኒስተር ፡ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ከተግብሮ ክንጽበ ኢና ፡ እዚ ንምግባር ከኣ እኹል ግዜ ክውሃቦ ይግባእ" ኢሎም።
ኣቶ ዳባ " ቀዳማይ ሚኒስተር ዓቢ ፈተና'ዩ ዝጽበዮ ዘሎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሕቶታት ዘለዎ ህዝቢ ሒዝካ ፡ ንቕድሚት ምቕጻል ክኸውን ከሎ ፡ እቲ ዝሓሸ ዕድል ካኣ ህዝቢ ንለውጢ ድሉው ምህላው'ዩ" ይብሉ።
ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ዝኾነት ቦንቱ ደቀባ ብወገና ፡ ካብ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዙሕ ከምእትጽበ ትዛረብ ፡ ብፍላይ ንመንእሰያት፤ ጉዳይ ጸጥታን ድሕነትን ዝኣመሰሉ ሕቶታት ፤ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ብጎንጺ ብሕጊ መስመር ከትሕዞ ከምዘለዎ ብምምሕጻን ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ትጠልቦ ትገልጽ። ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ መንእሰይ ኣዳነ ኣበበ " መንእሰይ ጸረ ዲሞክራሲ ዘይኮነስ ፡ ንዲሞክራሲ ዘበራትዕ'ዩ ፡ ስለዝኾነ መንግስቲ ንመንእሰይ ኣብ ክንዲ ከም ኣልሸባብን ኣልቓዒዳን ጌሩ ዝምልከተና ፡ መሰልና ንሓትት ከምዘለና ኣሚኑ ብኣገባብ ክቕበለና ይግባእ" ኢሉ