ትራምፕ፡ 'ንኢራን ኣብ ሓደ ለይቲ ክንድምስሳ ኢና'

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዘቐመጦ ግዜ ገደብ ክትሰማማዕ እንተዘይክኢላ "ብሓንቲ ለይቲ ክንድምስሳ ኢና" ክብል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

እቲ ትራምፕ "ቅቡል" ዝብሎ ስምምዕ - ዘይተገደበ ምትሕልላፍ ጸዓት ብወሽመጥ ዓረብ ዘጠቓልል - ናይ መወዳእታ ግዜ ሰሉስ (00:00 GMT ረቡዕ) ሰዓት 20፡00፡ ብኣቈጻጽራ ዋሽንግተን ዲሲ ተቐሚጡ ኣሎ።

ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ርትዓውያን ዝበሎም መራሕቲ ኢራን ብ "ጽቡቕ ድሌት" ይዘራረቡ ከም ዘለዉ ከም ዝኣምን እኳ እንተተዛረበ፡ ውጽኢቱ ግን ርግጸኛ ከምዘይኰነ ገሊጹ።

ኢራን ነቲ ግዝያዊ ተዅሲ ደው ምባል ዘብል እማመታት ብምንጻግ፡ ኣብ ክንድኡ እቲ ግጭት ንሓዋሩ ደው ክብልን እገዳ ክለዓልን ጸዊዓ።

ትራምፕ፡ ኣብ ጐድኒ ኣቦ መንበር ጠቕላላ ሓላፊ ስታፍ ጀነራል ዳን ኬይንን ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሄግሰትን ኰይኑ፡ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ንክልተ ኣብረርቲ ናይታ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ዝወደቐት ነፋሪት ውግእ ኤፍ-15 ብዓወት ድሕሪ ምድሓኖም ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ።

ዝበዝሕ ክፋል መደረ ትራምፕ ነቲ "ጅግንነታዊ" ክብል ዝገለጾ ስርሒት ምድሓን ፓይለት እታ ነፋሪት ዘመጕስ ክኸውን እንከሎ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ክሳብ እቲ ናይ ሰሉስ ናይ መወዳእታ ግዜ እንተዘይተኸፊቱ ግን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ጸዓትን መጓዓዝያን ኢራን መጥቃዕቲ ክትፍጽም ከምእትኽእል ዝሃቦ መጠንቀቕታ ደጊሙ።

"ንብምልእታ ሃገር ኣብ ሓደ ለይቲ ክትድምሰስ ትኽእል እያ- እታ ለይቲ ድማ ጽባሕ ምሸት ክትከውን ትኽእል እያ" ክብል ብሰኑይ ገሊጹ።

እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ ምስ ሓለፈት፡ ኢራን ናብ "ዘመነ እምኒ" ክትምለስ እያ ክብል እውን ትራምፕ ወሲኹ ገሊጹ።

"ድልድል ኣይክህልዎምን'ዩ፣ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እውን ኣይክህልዎምን'ዩ።"

ኢራን ኣቐዲማ ንጠለባት ኣመሪካ'ኳ እንተነጸገቶ፡ ትራምፕ ግን ብሰንኪ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዝተፈላለዩ መራሕቲ እታ ሃገር ድሕሪ ምቕታሎም፡ ኢራን ብጽቡቕ ድሌት ትዘራረብ ከምዘላ ትስፉው ምዃኑ ገሊጹ።

"ክንርእዮ ኢና" ኢሉ።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ዘተ፡ ብዘይ ኣቐዲሙ ዝግበር ምቍራጽ ተዅሲ ትርጕም ዘለዎ ምዕባለ ክብጻሕ ተኽእሎ ከምዘይብሉ ሓደ ምስቲ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ቅርበት ዘለዎ በዓል ስልጣን እቲ ዞባ ገሊጹ።

እቲ ብምኽንያት ተሃዋስነት እቲ ጉዳይ ስሙ ክዕቀብ ዝሓተተ በዓል ስልጣን፡ ምቍራጽ ርክባት ኣብ ዘለወሉ፡ ካብን ናብን ሰበስልጣን ኢራን መልእኽቲ ብቕልጡፍ ንምብጻሕን ኣጸጋሚ ስለዝዀነ እቲ ዝርርብ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ገሊጹ።

"ንኢራን መልእኽቲ ንምትሕልላፍ፡ ኣብ ውሽጢ ቅቡል ዝዀነ ግዜ ድማ ምላሽ ንምርካብ ኣይከኣልን" ይብል እቲ በዓል ስልጣን።

"ምላሽ ዝወሃበሉ ማእከላይ ገምጋም ግዜ ሓደ መዓልቲ ወይ መዓልቲን ገለን ኰይኑ'ሎ።"

ፓኪስታን፡ ቱርኪን ግብጽን ኣብዚ ሽምግልና ዝጽዕራ ዘለዋ ሃገራት እየን።

ትራምፕ መጻኢ መደባት ምምሕዳሩ ብዝምልከት ብዙሕ ዝርዝራት ከይሃበ፡ "እቲ ዝበለጸ ውጥን" ምዃኑ ጥራይ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ኢራን ኮነ ኢልካ ብቐጻሊ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ገበን ኲናት ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት ሕጊ የጠንቅቝ ኣለዉ።

"ንሓደ መንግስቲ ናብ መኣዲ ዘተ ንምስግዳድ ኮነ ኢልካ ንዅሉ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምድምሳስ፣ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ህዝቢ ምፍርራሕ ዝግበሩ ኵሎም ተግባራት ፍጹም ዘይሕጋውያን እዮም" ክትብል ኣብ ዘመነ ኦባማ ኣማኻሪት ሕጊ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ነበር ቴስ ብሪጅማን፡ ንሲቢኤስ ገሊጻ።

ኣቐዲሙ ትራምፕ ብዛዕባ እዚ "ከምዘይጭነቐ" ገሊጹ ነይሩ፤ ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ድማ - ዋላ'ኳ ንመንግስቲ ኢራን ምውዳቕ ዕላማኡ እንተዘይኮነ - ህዝቢ ኢራን "ናጽነት ንኽህልዎ ክሳቐ ፍቓደኛ ክሳብ ዝዀነ" ክብል ኣረጋጊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ፡ ነተን ኣብዚ ኲናት ንኣመሪካ ክሕግዙ ኣይከኣላን ዝበለን መሓዙት - ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኔቶን ደቡብ ኮርያን ሓዊሱ - ነቐፌታኡ እንደገና ኣቕሪቡ።

"እዚ ኣብ ልዕሊ ኔቶ ፈጺሙ ዘይጠፍእ ኣሰር'ዩ" ብምባል፡ ዓባይ ብሪጣንያ ንኣመሪካ ኣይተድልያን ክብል ሓቢሩ።

ሓይልታት ኣመሪካ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣብ መላእ ኢራን ልዕሊ 13 ሽሕ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ካብ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ትማሊ ሰኑይ ዝወጸ ሓድሽ ሓበሬታ የመልክት።