ፈደራል ‎ፖሊስ፡ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎ 'ሓደገኛ' ኣሰጋገሪ ሰባት

ኣብ ውሽጢ ጀልባ ዝረአዩ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Jason Florio-MOAS

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ውሽጢ ጀልባ ዝረአዩ ሰባት
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ልዕሊ 50 ደቀንስትዮ ክዕመፃ ምኽንያት ዝዀነን "ብሞት ልዕሊ 100 ሰባት" ዝሕተት ዝበሎ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ- እንዳስላሰ፡ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ፡ ብሰኑይ 28 መጋቢት 2018 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዝበሎ፡ እቲ ይትባረክ ዳዊት ወይ ክብሮም ዳዊት ብዝብል ዝፍለጥ ውልቀሰብ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝጥርጠር ሰብ ኰይኑ፡ ምስ ካልኦት ትሽዓተ መሻርኽቱ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ መርበብ፡ ካብ 2010 ኣትሒዙ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ጅቡቲ፡ ኬንያን ሶማልያን መንእሰያት ብምምልማል ናብ ሊብያ ይወስዶም ከም ዝነበረ ፖሊስ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

እቶም ኣሰጋገርቲ ኣብ ሊብያ "ሓሙሽተ መኽዘናት" ከም ዘለዎምን፡ ግዳያት ዝጨውዩሉን ዘሳቕዩሉን ከም ዝዀነን፡ ብመገዲ እዚ ሓደገኛ ገበን "ልዕሊ 3 ቢልዮን ብር" ከንቀሳቕሱ ከም ዝጸንሑን ፖሊስ ገሊጹ።

እቲ ጕጅለ ኣሰጋገርቲ ሰባት፡ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝርከቡ መኽዘናት ስደተኛታት ጨውዩ፡ ካብ ስድራቤቶም ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ክልእኩ፤ እቶም ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ድማ፡ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ንእሽቶ መሕደሪ መግቢ ጥራይ ብምሃብ፡ የሳቕዮም ከም ዝነበረ ይንገር።

ብተወሳኺ፡ እቶም ክኸፍሉ ዘይከኣሉ፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብጎማ፡ በትሪን ገመድ ኤሌክትሪክን ብምእሳርን፡ መዐሸጊ ማይ [ፕላስቲክ] ብምቅጻል፡ ኣብ ኣካላቶም ብምፍሳስን ልዑል ስቅያት ከም ዘውረደሎምን ፖሊስ ገሊፁ።

መርመራ ፖሊስ ከም ዘመልክቶ፡ ተግባር ናይቲ ጕጅለ፡ ሞት ሓያሎ ስደተኛታት፡ መጕዳእቲ ከምኡ'ውን ምዕማጽ ደቂ ኣንስትዮን ከቢድ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉድኣት ከም ዘስዓበ ኣረጋጊጹ።

ፖሊስ ፈደራል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ልዕሊ 100 ግዳያትን ስድራቤቶምን" ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወፃእን ቃለ መሕትት ከም ዝገበሩ ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ክብሮም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝጥቀመለን፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣስማት ከም ዝነበሮ ሓቢሩ።

ፈደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምክልኻል ዝሰርሕ ትካል [ሮክ] ሓበሬታ ብምልውዋጥ፡ ነቶም ጥርጡራት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ሓቢሩ።

እቲ ብዓለም ደረጃ ዝድለ ዝነበረ ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰባት ይትባረክ ዳዊት ኣለሙ፡ ቅድሚ ሕጂ ወለዱ ዝሃብዎ ስም ጳውሎስ ዳዊት ወልዳይ ብዝብል ይፍለጥ ከም ዝነበረ ፖሊስ ገሊጹ።

ፖሊስ ፈደራል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሰብ "ገበን ክፍጽም ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣሕመድ፡ ኣብ ሱዳን ዝፍለጠሉ ስም፤ ሙኒር፡ ኣብ ሶማልያ፡ ጅቡትን ኬንያን ዝጥቀመሉ ስም" ምዃኑ ገሊጹ።

ክብሮም ኣብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ናይ ሓሶት ኣስማት ከም ዝጥቀም ፖሊስ ኣብ እዋን መርመራ ከም ዘረጋገጸ'ውን እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ነዞም ኣስማት መርሚሩን ምክትታልን ከም ዝገበረን "ልዕሊ 70 ዓበይቲ ኣሰጋገርቲ ኣብ ሃገርን ወጻእን" ከም ዘለለየ ገሊጹ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ፖሊስ ነቲ ቀንዲ ጥርጡር ክብሮም ሓዊሱ 10 ኣሰጋጋሪ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ።

ፖሊስ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ "እቶም ጥርጡራት ካብ ገበን ዝረኸብዎ ኣታውን፣ ካልእ ንብረቶምን ናይ ባንክ ሕሳቦምን ምንቅስቓስ ደው ከብሉ ኣዚዞም" ክብል ሓቢሩ።

ብዙሓት መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ፡ ዝሓሸ ናብራ ንምድላይ፡ ገንዘብ ከፊሎም ሓደገኛ ዶባትን ባሕርን ሰጊሮም፡ ንሞትን ካልእ ሓደጋታትን ኣቃሊዑ።

ስደተኛታት ብዘይካ'ቲ ኣብ ጕዕዞኦም ዘጋጥሞም ግህሰትን ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ፍጻመታትን፡ ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ምዝመዛ፡ ምዕማጽ፡ ስቅያት፡ ኣካላዊ መጕዳእትን ሞትን'ውን ይበጽሖም።