ዓለማዊ ንግዲ ዝጸልዉ 5 ቀንዲ መስመራት ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከም ኣሉሚንየም ዝኣመሰሉ ጥረ ነገራት ዝርገሐ እውን በቲ ኲናት ተጸልዩ ኣሎ
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኸፈታኦ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ዕዳጋታት ጸዓትን ሸቐጣትን ከይተረፈ ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኣሎ።

ኢራን ነቲ ኣገዳሲ መስመር መራኽብ ነዳዲ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ብኣድማዒ መንገዲ ዓጽያቶ ትርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ድማ ኣብ ልዕሊ በቲ መስመር ክሓልፋ ዝፈተና ዓሰርተታት መራኽብ መጥቃዕቲ ፈጺማ እያ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኤውሮጳውያን መሻርኽቲ ሃገራት ነቲ መጻብቦ ኣብ ምኽፋት ክሕግዙ ጸቕጢ ክገብር ጸኒሑ እዩ።

ኣመሪካ ንሆርሙዝ ንምኽፋት እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ እንተዘይደጊፎም ድማ "ንመጻኢ ኔቶ ኣዝዩ ሕማቕ" ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኢራን ግን እቲ መስመር ሕጂ'ውን ዕጹው ኰይኑ ክጸንሕ ኣተሓሳሲባ'ላ።

ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝተራእየ ምዝባዕ ጕዕዞታት መራኽብ፡ ዋጋታት ዘይተጻረየ ነዳዲ ክውስኽ ገይሩ ኣሎ። ቅድሚ እቲ ቅልውላው ምጅማሩ ንሓደ በርሚል ኣስታት 70 ዶላር ዝነበረ ሕጂ ናብ ልዕሊ 100 ዶላር በሪኹ ይርከብ።

ዓለምለኻዊ ንግዲ ሃለኽቲ ፍርያት፡ ንዋት ሕርሻን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣቑሑን እውን ተጸልዩ እዩ።

እቲ ቅልውላው ግን ዝሰፍሐ ጸገም'ውን ኣጕሊሑ ኣሎ። ዓለማዊ ንግዲ ኣብ ዘገርም ውሑድ ቍጽሪ ዘለዎም ጸበብቲ መስመራት ዝምርኮስ ምዃኑን ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ንምዃኑ እዞም መስመራት ኣየኖት እዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

1. መጻብቦ ሆርሙዝ

ኣብ ዓለም እቲ ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ መስመር ጸዓት መጻብቦ ሆርሙዝ እዩ።

ንወሽመጥ ፋርስ ምስ ባሕሪ ዓረብ ዘራኽብ ኮይኑ፡ ኣስታት 39 ሚእታዊት ናይ ዓለምና ዘይተጻረየ ነዳዲን 19 ሚእታዊት ተፈጥሮኣዊ ጋዝን በዚ መስመር ይሓልፍ።

ዘይከም መብዛሕትኦም ካልኦት ስትራተጂካዊ መስመራት ንግዲ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ጸዓትአን ሰደድ ንምግባር ካብ መጻብቦ ሆርሙዝ ካልእ ተግባራዊ ኣማራጺ የብለንን።

ኢራን ካብ 1980ታት ጀሚራ መጻብቦ ሆርሙዝ ከም እትዓጹ በብእዋኑ ከተፈራርሕ ጸኒሓ እያ።

ይዅን እምበር፡ ካብ መወዳእታ ለካቲት ጀሚሩ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ መሬት ኢራን ንፈለማ እዋን መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምራ ንደሓር፡ ነዚ መስመር ምዕጻዋ፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት እቲ ዝኸበደ ምስንኻል ጕዕዞ መራኽብ ኣስዒቡ ኣሎ።

እዚ ድማ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ከምኡ'ውን ኣብ ዓለማዊ ዋጋታት ዘይተጻረየ ነዳዲ ብዓቢኡ ወሰኽ ዋጋ ከም ዘስዓበ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ዓለም ከበድቲ ብድሆታት ኣስዒቡ ኣሎ

ሳዕቤኑ ድማ ካብ ጽላት ጸዓት ኣዝዩ ዝዝርጋሕ እዩ። ዓመታዊ ልዕሊ 26 ሚልዮን ኮንተይነራት በዚ ወሽመጥ ዝሓልፍ ምዃኑ ይፍለጥ።

ስለዝዀነ ምስንኻል መራኽብ ኣብ ዓለማዊ ወጻኢታት ምፍራይ መግቢ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ቀጥታዊ ጽልዋ ከምዘስዕብ ይግመት።

2. መትረብ ስወጽ

መትረብ ስወጽ ንቀይሕ ባሕሪ ምስ ማእከላይ ባሕሪ ብምትእስሳር ኣብ መንጎ ኤስያን ኤውሮጳን ዝግበር ናይ ጕዕዞ ግዜ ብውሑዱ ብዓሰርተ መዓልታት ክንኪ ዘኽእል መስመር እዩ።

እዚ መስመር 10 ሚእታዊት ዓለማዊ ንግዲ ባሕሪ የአንግድ። 22 ሚእታዊት ኮንተይነራት፡ 20 ሚእታዊት ጽዕነት መካይን፡ 10 ሚእታዊት ዘይተጻረየ ነዳዲ በዚ መስመር ይሓልፍ።

ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ግብጺ ዝርከብ እዚ መስመር፡ ብቐጥታ ኣብ ሓደጋ ኣይወድቕን ዘሎ። ይዅን እምበር፡ ካብ ሓደጋታት ነጻ ኣይኰነን። ከምቲ ኣብ 2021 ዝተራእየ፡ መርከብ ኮንተይነራት ኤቨር ጊቨን ኣብ መሬት ምስ ተሸኸለት፡ እቲ መትረብ ክዕጾ ግድን ኰይኑ ነይሩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንግዲ ካብ ምንቅስቓስ ተገዲቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ፡ እቲ ዝዓበየ ተቓላዒ ናይዚ ስትራተጂያዊ መስመር እዩ።

ኣብ መንጎ 2023ን 2025ን እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣንጻር ሓማስ ዝገበረቶ ኲናት ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ የመን ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ መጥቃዕቲታት ፈጺሙ።

ኣብቲ እዋን እቲ ብዙሓት መራኽብ ካብቲ መስመር ንምርሓቕ መስመር ጕዕዞአን ንምቕያር ተገዲደን እየን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ እቲ ተጻብኦታት ምጅማሩ፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ብሬንት ኣስታት 70 ዶላር ኣመሪካ ነይሩ

ኣብ 2023 ብመትረብ ስወጽ ዝሓለፋ መራኽብ ልዕሊ 26 ሽሕ ነይረን። ኣብ 2024 ግን እቲ ኣሃዝ ናብ ኣስታት 13 ሽሕ ወሪዱ።

መራሕቲ ሑቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ፡ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ መጥቃዕቲ ዳግማይ ክጅምሩ ምዃኖም ኣፈራሪሖም ኣለዉ።

3. መትረብ ፓናማ

ሰላማውን ኣትላንቲካውን ውቅያኖሳት ዘራኽብ መትረብ ፓናማ ኣስታት 2.5 ሚእታዊት ምንቅስቓስ ዓለማዊ ንግዲ ባሕሪ ጥራይ እዩ ዘአንግድ።

እንተዀነ ከኣ ኣብ ልዑል ዋጋ ዘለዎምን ከም ብኮንተይነር ዝኣተዉ ኣቑሑት፡ መካይንን እኽልን ዝኣመሰሉ ጽዕነታት፡ ስትራተጂያዊ ጽልዋ ኣለዎ።

ኣስታት 40 ሚእታዊት ካብ ኵሉ ጽዕነት ኮንተይነራት ኣመሪካ በዚ መትረብ ይሓልፍ። እዚ ድማ ዓመታዊ 270 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ይግመት።

ምንጪ ተቓላዕነት መትረብ ፓናማ ክሊማን ጂኦፖለቲካን እዩ። ኣብ 2023ን 2024ን ዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ፡ ኣብ ዕቋር ጽሩይ ማይ ናይቲ መትረብ ልዑል ምንቍልቋል ብምፍጣሩ፡ በዚ መስመር ዝሓልፋ መራኽብ ብዝሐንን ዓቐነንን ክድረት ምኽንያት ኰይኑ ነይሩ።

ድሒሩ ኣብ መጀመርታ 2025 ትራምፕ ነቲ መትረብ ክቈጻጸሮ ምዃኑ ኣፈራሪሑ። ንሱ ገለ ወደባታ ብሃቺሰን ዝተባህለ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝመደበሩ ኩባንያ ምምሕዳረን ኣመልኪቱ ዘለዎ ስክፍታ ከም ዘለዎ ምጥቃሱ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መትረብ ፓናማ ቅድሚ ምህናጹ እውን እንተዀነ ኣብ ዓለምና ርኡይ ጽልዋ ነይርዎ

4. መጻብቦ ማላካ

መጻብቦ ማላካ ኣብዛ ዓለምና እቲ ዝበዝሐ ጽዑቕ ናይ መራኽብ መስመር እዩ።

24 ሚእታዊት ዓለማዊ ንግዲ ባሕሪ ይስከም። 45 ሚእታዊት ካብ ባሕሪ ዝሓልፍ ዘይተጻረየ ነዳዲን 26 ሚእታዊት መካይንን በዚ መጻብቦ እዩ ዝሓልፍ።

ኣብ ዓለም እታ ካልኣይቲ ዝበዝሐ ጽዑቕ ወደብ ኮንተይነር ዘለዋ ሲንጋፖር እውን ተጠቃሚት እዚ መስመር እያ።

ቻይና፡ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ጸዓት ዝረኽብሉ ቀንዲ ኣፍደገ እውን እዚ መጻብቦ እዩ። ቻይና ካብ እተእትዎ ዳርጋ 80 ሚእታዊት ነዳዲ በዚ ይሓልፍ። በይጂን፡ ነዚ ጽግዕተኛነት እዚ "መንቀራቕሮ ማላካ" ኢላ ትጽውዖ።

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሽፍትነት፡ ቀጻሊ ስክፍታ እዩ።

ኣብ 2025 ኣብ መጻብቦ ማላካ፡ ልዕሊ 130 ፍጻመታት ከም ዘጋጠመ ይግለጽ። እቲ ዝዓበየ ስክፍታ ግን ጂኦፖለቲካዊ እዩ።

ኣብቲ ዞባ ዓብላልነት ንምርካብ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ወይ ህንዲን ዝፍጠር ዝዀነ ይዅን ወጥሪ እንተበሪኹ፡ በቲ መጻብቦ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣዝዩ ክዕንቀፍ ከም ዝኽእል ይግመት።

ካብዚ ብተወሳኺ ማላካ ከም ሱናሚን ንጥፈታት እሳተ ጎመራን ዝኣመሰሉ ንተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት እውን ተቓላዒት እያ።

ንኣብነት ብ26 ታሕሳስ 2004 ዘጋጠመ ሱናሚ፡ ኣብ ደቡባዊ መእተዊ እቲ መጻብቦ ኣብ ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ገማግም ባሕሪ ዓቢ ዕንወት ከምዘስዓበ ይዝከር።

5. መጻብቦ ቱርኪ

መጻብቦታት ቱርኪ ኣብ መንጎ ጸሊም ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ዘሎ እንኮ መስመር ባሕሪ እዩ።

3 ሚእታዊት ካብ ዓለማዊ ንግዲ ባሕሪ በዚ መጻብቦ ይሓልፍ። እዚ ኣሃዝ ንእሽቶ ክመስል ይኽእል፤ እንተኾነ፡ ካብ ዩክረይን ዝመጽእ ኣስታት 20 ሚእታዊት ዓለማዊ ሰደድ ስርናይ ሩስያን ሮማንያን ዘጠቓልል እዩ።

ኣብቲ ዝጸበበ ቦታ 700 ሜትሮ ጥራይ ስፍሓት ዘለዎን ብማእከል ከተማ ኢስታንቡል ዝሓልፍን በዳሂ መስመር ኰይኑ ቀለልቲ ምግጫዋት መራኽብ ከጋጥም ልሙድ እዩ። ብመሰረት ውዕል ሞንትረክስ፡ መእተዊ ናብቲ መጻብቦ ትቈጻጸር ቱርኪ እያ። እዚ ድማ ድሕሪ'ቲ ሩስያ ኣብ 2022 ንዩክረይን ዘካየደቶ ወራር፡ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ክፉት ገይራ ምንቅስቓስ መራኽብ ውግእ ግን ንኽትግድብ ሓይሊ ሂብዋ'ዩ።

ኣብ ከባቢ ጸሊም ባሕሪ ዘጋጥም ዓቢ ምዕባለ ግን፡ ነዚ ሚዛን ክቕይሮን ዓለማዊ ዕዳጋታት እኽሊ ክናወጽ ክገብርን ተኽእሎ ኣሎ። ኣብቲ ዞባ ዘጋጥም ልዑል ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ተወሳኺ ስክፍታታት ዘስዕብ እዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘሎ ቅልውላው፡ ንግዲ ዓለም ኣብ ውሑዳት ጸበብቲ መስመራት ብምጽጋዑ፡ ንምስንኻላት ኣዝዩ ተቓላዒ ኰይኑ ኣሎ። እተን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ሓሙሽተ መስመራት ግን ንንግዲ ወሰንቲ ጥራይ ኣይኮናን።

ኣብ ዓለምና ከም መጻብቦ ታይዋን፡ ዶቨርን ቤሪንን ዝርከብዎም 24 ካልኦት ኣገደስቲ ስትራተጂያዊ መስመራት ኣለዉ።

ነፍሲ ወከፍ እዞም መስመራት ግን ንፍሉይ ውህደት ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ፡ ለውጢ ክሊማ፡ ሽፍትነት፡ ሓደጋታት ወይ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ዝተቓልዑ እዮም።