እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣቦ ንሸውዓተ ደቁን ሓደ ካልእ ቈልዓን ዝቐተለሉ ዘስካሕክሕ ፍጻመ
ሓደ ኣቦ ኣብ ግዝኣት ሉዊዝያና (ኣመሪካ) ከተማ ሽሬቭፖርት፡ ፖሊስ "ስድራቤታዊ ምስሕሓብ" ኢሎም ኣብ ዝገለጹዎ መጥቃዕቲ ተዅሲ፡ ሸውዓተ ደቁን ሓደ ስድራቤታዊ ዝምድና ዘይብሉ ህጻንን ብጠቕላላ ሸሞንተ ህጻናትን ቈልዑን ቀቲሉ።
እቲ ፍጻመ ብናይቲ ቦታ ኣቈጻጽራ ሰዓት 05:00 (10:00 GMT) ከም ዝጀመረ ዝገለጹ መኮነናት ፖሊስ፡ ሓደ ዕጡቕ ቀታሊ ብዝተሰርቀት መኪና ቅድሚ ምህዳሙ ኣብ ልዕሊ 10 ሰባት ተዅሲ ከም ዝኸፈተ ገሊጾም።
ፖሊስ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ሃድን ነቲ ጥርጡር ቀታሊ ረኺቦም ቀቲሎሞ ኣለዉ።
ኣደ እቶም ህጻናት እትርከበን ክልተ ደቀንስትዮ እውን ቈሲለን ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ይርከባ።
ዳይረክተር ህዝባዊ ርክባት ከንቲባ ሽሬቭፖርት ዝዀነት ሊ ኣን ኢቨንስኪ ንቢቢሲ ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ተጠርጣሪ ሻማር ኤልኪንስ ተባሂሉ ተለልዩ ኣሎ።
ከም ጸብጻብ ፖሊስ፡ እቲ ተጠርጣሪ መጀመሪታ ኣብ መንገዲ ናብ ዝነበረት ሓንቲ ሰበይቲ ድሕሪ ምትኳሱ፡ ናብ ቀረባ መንበሪ ገዛ ብምእታው ሸሞንተ ቈልዑ ቀቲሉ። ካብቶም ዝተቐተሉ ቈልዑ፡ "እቲ ሓደ ምስኡ ናይ ስጋ ዝምድና ዘይብሉ" ምዃኑ ፖሊስ ሓቢሮም።
ሓደ ካብቶም ግዳያት ናብ ቀረባ ገዛ ሃዲሙ ንሰበስልጣን ምስ ሓበረ፡ ፖሊስ እቲ ዕጡቕ በይኑ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጾም። ብተወሳኺ፡ ትሽዓተ ዝዕድመኡ ቈልዓ ካብ ናሕሲ ጸዲፉ ብምምላጥ ኣብ ሆስፒታል ይርከብ ክብል መኮነን ፖሊስ ቦርደሎን ሓቢሩ።
ከንቲባ ሽሬቭፖርት ቶም ኣርሰኖ፡ "ዝጓሃዩ ስድራቤታት፡ ዝሓዘኑ መኮነናት ፖሊስን ሰራሕተኛታት ሕክምናን ኣለዉና፡" ድሕሪ ምባል፡ "እዚ ንመላእ ማሕበረሰብ ዝጸሉ ስለ ዝዀነ፡ ኵልና ምስዞም ስድራቤታት ንሓዝን፡" ኢሉ።
"እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ኵነታት እዩ - ምናልባት እውን ኣብ ሽሬቭፖርት ካብ ዘጋጠሙና ዘሰቅቑ ፍጻመታት እቲ ዝኸፍአ እዩ፡" ክብል እቲ ከንቲባ ወሲኹ ገሊጹ።
ንኸተማኡን ነቶም ስድራቤታትን ጸሎት ክግበረሎም እውን ሓቲቱ ኣሎ።
ፖሊስ እቲ ገበን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ከም ዝተፈጸመ ገሊጾም።
ንሱ ድማ ኣብ ዌስት ጐደና 79 ስትሪት ዝርከቡ ክልተ ኣባይትን ኣብ ሃሪሰን ስትሪት ዝርከብ ሳልሳይ መንበሪ ገዛን የጠቓልል።
ኮርፖራል ፖሊስ ሽሬቭፖርት ክሪስ ቦርደሎን ከም ዝገለጾ፡ መኮነናት ፖሊስ ሰዓት 06:00 ቅድሚ ምዃኑ ናብ ሓደ መንበሪ ገዛ ምስ በጽሑ ነቶም ህጻናትን ቈልዑን ረኺቦሞም።
"ኣብዚ ፍጻመ'ዚ ዝተቐተሉ ኵሎም ትሕቲ ዕድመ እዮም፡" ኢሉ ቦርደሎን።
እቲ መጥቃዕቲ "ስድራቤታዊ ጉዳይ" ምዃኑ ዘረጋገጹ ፖሊስ፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ገዛ ተዅሲ ዝተኸፍተሎም ሰባት ናብ ቀረባ መንበሪ ገዛ ሃዲሙ ከም ዝነበረ'ውን ሓቢሮም።
እቲ ተጠርጣሪ ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ መኪና መንዚዑ ክሃድም እኳ እንተ ፈተነ፡ ፖሊስ ግን ስዒቦም ናብ ካልእ ከባቢ ምስ ኣተወ ተዅሲ ከፊቶም ቀቲሎሞ ኣለዉ።
ፖሊስ ቅድሚ መንነት እቲ ቀታሊን ግዳያትን ምግላጾም፡ ስድራቤቶም ብወግዒ ከም ዝፈልጡ ንምግባር ክጽዕሩ ምጽንሖም ገሊጾም።
ሓለቓ ፖሊስ ሽሬቭፖርት ዌይን ስሚዝ፡ "ከምዚ ዝዓይነቱ ፍጻመ ከመይ ኢሉ ክኸውን ከም ዝኸኣለ ክግምቶ እኳ ኣይክእልን፡" ብምባል ሓዘኑ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ምርመራ ምስ ፖሊስ ክፍለ-ሃገር ሉዊዝያና ብምትሕብባር ይካየድ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኣመሓዳሪ ክፍለ-ሃገር ሉዊዝያና ጀፍ ላንድሪ፡ ንሱን ብዓልቲ ቤቱን፡ "በዚ ዘሰቅቕ ኵነታት ልብና ተጐዲኡ ኣሎ፣ ንዅሎም ዝተጐድኡ ድማ ብጸሎት ምሳኹም ኣለና፡" ኢሉ።
ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ማይክ ጆንሰን ብወገኑ፡ "ልቢ ዝሰብር ሓደጋ" ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።
ከም ጸብጻብ "Gun Violence Archive (GVA)" ዝተባህለ ትካል፡ እዚ ፍጻመ'ዚ ካብ ጥሪ 2024 ጀሚሩ ኣብ ኣመሪካ ዘጋጠመ ዝኸፍአ ጃምላዊ መጥቃዕቲ ተዅሲ እዩ።
እቲ ትካል፡ "ጃምላዊ መጥቃዕቲ ተዅሲ" ኢሉ ዝገልጾ፡ ብዘይካ ተጠርጣሪ፡ ኣርባዕተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሰባት ክቕተሉ ከለዉ እዩ።